Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

egypt


ኢሳይያስ 19:1-25 | 11 Helpful votes

ጾር ብዛዕባ ግብጺ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ብቕልጡፍ ደበና ይወጽእ፡ ናብ ግብጺውን ይመጽእ፡ ጣኦታት ግብጺ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም፡ ልቢ ግብጺ ኸኣ ኣብ ውሽጣ ኺመክኽ እዩ። ንግብጻውያን ኣብ ግብጻውያን ከተንስኦም እየ፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ሓውነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩከተማ ምስ ከተማ፡ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ኺዋጋእ እዩ። መንፈስ ግብጺ ኣብ ውሽጡ ጥራዩ ኪኸውን እዩ፡ ንምኽሩ ድማ ከንቱ ኽገብሮ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ንጣኦታትን ነስማተኛታትን ንጠንቈልትን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ኪሐቱ እዮም። ንግብጻውያን ናብ ኢድ ደረቕ ጐይታ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፡ ጨካን ንጉስ ድማ ኪገዝኦም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትማያት ካብ ባሕሪ ኺጠፍእርባውን ነጺፉ ኺነቕጽ እዩ። ርባታት ኪጽይእ፡ መሳኑ ግብጺ ኺውሕድን ኪደርቕን እዩ፡ ሰልሰላን ጋሳን ኪጽምልው እዮም። ሸኻታት ኒል፡ ገምገመ ገምገም ኒል ዘሎን፡ ኣብ ጥቓ ኒል ዚዝራእ ዘበለን ኪሀጒጒኪጠፍእ ኣይኪርከብን ድማ እዩ። ገፈፍቲ ዓሳ ኼስቈርቊሩ፡ እቶም ኣብ ኒል መቚለብ ዚድርብዩ ዂሎም ኪሐዝኑ፡ እቶም መርበብ ኣብ ልዕሊ ማያት ዚዝርግሑ ድማ ሕሊናኦም ኪዐርብ እዩ። እቶም ዓየይቲ እተባዘተ ቓንጫ እንጣጢዕን እቶም ኣለምቲ ጻዕዳ ኽዳውንትን ኪሐፍሩ እዮም። ኣዕኑዳ ኺስበሩ፡ እቶም ብዓስቢ ዚዐዩ ዂሎምውን ኪጒህዩ እዮም። መሳፍንቲ ጾኣን ኣዝዮም ዐሸውምኽሪ እቶም ጥበበኛታት መኸርቲ ፈርኦንሲ ዕሽነት ኰነ። ከመይ ኢልኩም ደኣ ንፈርኦን፡ ኣነ ወዲ ጥበበኛታት፡ ወዲ እቶም ናይ ቀደም ነገስታት እየ፡ እትብልዎ፧ እቶም ጥበበኛታትካ ደኣ ኣበይ ኣለው፧ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብናይ ግብጺ ዝመደቦ እንታይ ከም ዝዀነ ይፍለጡ እሞ እስከ ይንገሩኻመሳፍንቲ ጾኣን ዐሽዮም፡ መሳፍንቲ ኖፍ ተጠቢሮምንግብጺ እቶም እምኒ መኣዝን ዓሌታታ ኣጋገይዋእግዚኣብሄር መንፈስ ዝርግርግ ኲዕዩላስኹር ኣብ ትፋኡ ሰንከልከል ከም ዚብል፡ ንግብጺ ኣብ ኲሉ ተግባራ ኣጋገይዋ። ዝዀነ ዕዮርእሲ ወይስ ጭራስየ ወይስ ሰቲ ዚገብሮንግብጺ ኣይኪጠቕማን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ግብጺ ኸም ኣንስቲ ኽትከውን እያ፡ ብምውጥዋጥ እታ እተወጣውጠላ ኢድ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ራዕራዕ ክትብልን ክትስምብድን እያ። ሃገር ይሁዳ ኸኣ ንግብጺ መሰክሒ ኽትኰና እያ። ነፍሲ ወከፍ ንእኣ ዘዘክርዎ ኸኣ ብምኽንያት እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ልዕሊኣ መዲብዎ ዘሎ ምኽሪ ኺሽበር እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ቛንቋ ኸንኣን ዚዛረባብእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ዚምሕላ ሓሙሽተ ኸተማ ኣብ ሃገር ግብጺ ኺርከባ እየን፡ ሓንቲኤን ኢር-ሄሬስ ክትበሃል እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማእከል ሃገር ግብጺ መሰውኢ ንእግዚኣብሄርኣብ ወሰና ኸኣ ዓንዲ ንእግዚኣብሄር ኪትከል እዩ። እዚ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ግብጺ ምልክትን ምስክርን ኪኸውን እዩ። ብምኽንያት እቶም ጨቈንቶም ናብ እግዚኣብሄር ኪጠርዑ እዮም እሞ፡ ንሱውን መድሓንን ተኻላኻልን ኪሰደሎምን ኬናግፎምን እዩ። እግዚኣብሄር ርእሱ ንግብጺ ኺገልጸላ እዩ፡ ግብጻውያን ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ኪፈልጥዎ እዮም፡ ብመስዋእቲ ሕሩድን ብመስዋእቲ ብልዕን ኬገልግልዎ፡ ንእግዚኣብሄር ብመብጽዓ ኺማባጽዑሉ ኺፍጽምዎ ኸኣ እዮም። እግዚኣብሄር ንግብጺ ኺወቕዓኪወቕዓ እሞ ኪፍውሳ እዩ። ንሳቶም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ኪምለሱ እዮም፡ ንሱ ኺልመነሎምን ኪፍውሶምን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጽርግያ ካብ ግብጺ ናብ ኣሶር ክትከውን እያ፡ ኣሶራውያን ናብ ግብጺ፡ ግብጻውያን ከኣ ናብ ኣሶር ኪመጹ እዮም። ግብጻውያን ድማ ምስ ኣሶራውያን ኬምልኹ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ እስራኤል ንግብጺን ንኣሶርን ሳልሳዮም፡ ኣብ ማእከል ምድሪ ድማ በረኸት ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ፡ ግብጺ ህዝበይን ኣሶር ግብሪ ኢደይን እስራኤል ርስተይን ብሩኻት ኩኑ፡ ኢሉ ኺባርኾም እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 19:21-25 | 7 Helpful votes

እግዚኣብሄር ርእሱ ንግብጺ ኺገልጸላ እዩ፡ ግብጻውያን ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ኪፈልጥዎ እዮም፡ ብመስዋእቲ ሕሩድን ብመስዋእቲ ብልዕን ኬገልግልዎ፡ ንእግዚኣብሄር ብመብጽዓ ኺማባጽዑሉ ኺፍጽምዎ ኸኣ እዮም። እግዚኣብሄር ንግብጺ ኺወቕዓኪወቕዓ እሞ ኪፍውሳ እዩ። ንሳቶም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ኪምለሱ እዮም፡ ንሱ ኺልመነሎምን ኪፍውሶምን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጽርግያ ካብ ግብጺ ናብ ኣሶር ክትከውን እያ፡ ኣሶራውያን ናብ ግብጺ፡ ግብጻውያን ከኣ ናብ ኣሶር ኪመጹ እዮም። ግብጻውያን ድማ ምስ ኣሶራውያን ኬምልኹ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ እስራኤል ንግብጺን ንኣሶርን ሳልሳዮም፡ ኣብ ማእከል ምድሪ ድማ በረኸት ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ፡ ግብጺ ህዝበይን ኣሶር ግብሪ ኢደይን እስራኤል ርስተይን ብሩኻት ኩኑ፡ ኢሉ ኺባርኾም እዩ።

Translation | Context
ራእይ 11:8 | 4 Helpful votes

ሬሳታቶም ከኣ ኣብ ኣደባባይ እታ ጐይታኦም እተሰቕለላብመንፈሳዊ ሓሳብ ከኣ ሰዶምን ግብጽን እትብሀል ዓባይ ከተማ ኺተርፍ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 36:6 | 4 Helpful votes

እንሆ፡ በቲ ስቡር ምርኩስ ወምብቆ፡ ብግብጺ፡ ትውከል አሎኻ። ሰብ እንተ ተመርኰሶኣብ ኢዱ ይኣቱ እሞ የንኲሎ። ፈረኦን ንጉስ ግብጺ ኸኣ ነቶም ዚውከልዎ ዂሎም ከምኡ እዩ።

Translation | Context
ዘካርያስ 10:11 | 4 Helpful votes

ንሱ ብባሕሪ ጸበባ ኺሐልፍንማዕበላት ኣብ ባሕሪ ኺወቕዖ እዩ፣ ኵሉ መዓሙቝ እቲ ርባ ኸኣ ኪነጽፍ እዩ። ትዕቢት ኣሶር ኪዋረድ፣ ዘንጊ ግብጺውን ኪርሕቕ እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 47:18-26 | 3 Helpful votes

እታ ዓመት እቲኣ ምስ መልኤት ከኣ፡ በታ ኻልአይቲ ዓመት ናብኡ መጺኦምገንዘብ ከም እተወድኤንጐይታ ኣይንሐብኣሉን፡ እተን መጓሴታት ማል ድማ ምስ ጐይታይ ኣለዋብጀካ ነፍስናን ምድርናን ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ገለኳ ኣይተረፈን። ከመይ ንሕናን ምድርናን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ እንመውት፧ ንኣናን ንምድርናን ብእንጌራ ተሻየጠና። ንሕናን ምድርናን ድማ ባሮት ፈርኦን ንኹን። ምእንቲ ኽንነብር እምበር፡ ከይንመውትእታ ሃገር ከኣ ኸይትባድምሲዘርኢ ሀበና፡ በልዎ። ግብጻውያንጥሜት ስለ ዝበርትዖም ከኣ፡ ነፍሲ ወከፎም ገግራቶም ሸጡ እሞ፡ ዮሴፍ ኲላ ምድሪ ግብጺ ንፈርኦን ክትከውን ተሻየጣ፡ እታ ምድሪ ድማ ናይ ፈርኦን ኰነት። ነቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ካብታ ሓንቲ ወሰን ዶብ ግብጺ ኽሳዕ እታ ኻልአይቲ ወሰናናብ ከተማታት ኣግዐዞ። እቶም ካህናት ካብ ፈርኦን ምዱብ ግደ ነበሮም እሞ፡ እቲ ፈርኦን ዝሀቦም ግደ ስለ እተመገቡምድሮም ኣይሸጡን፡ ስለዚ ንምድሪ ኻህናት ጥራይ ኣይተሻየጣንዮሴፍ ከኣ ንህዝቢእንሆሎሚ ንኣኻትኩምን ንምድርኹምን ንፈርኦን ተሻይጠኩም እየ። እንሆልኩም ከኣ ዘርኢ፡ ነታ ምድሪ ዝርእዋኪኸውን ድማ እዩ፡ ብጊዜ እቶቱ ሕምሻ ንፈርኦን ክትህቡ ኢኹም፡ ኣርባዕተ ኣፍ ከኣ ንኣኻትኩም። ንሱ ንዘርኢ ግራትን ንቐለብኩምን ኣብ ቤትኩም ንዘለውን ንቐለብ ቈለውዕኩምን ኪኸውን እዩ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ንስኻ ኣድሐንካናኣብ ቅድሚ ጐይታይ ደኣ ሞገስ ንርከብ እምበር፡ ባሮት ፈርኦን ንኸውን፡ በሉዮሴፍ ከኣ ነዚ፡ ብዛዕባ ምድሪ ግብጺ ሕምሻ ንፈርኦን ኪኸውን፡ ክሳዕ ሎሚ ዘሎ ሕጊ ኣቘመ። ምድሪ ኻህናት በይና ጥራይ ንፈርኦን ኣይኰነትን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 15:18 | 3 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም ከምዚ ኢሉ ኺዳን ኣተወእዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ርባ ግብጺ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ እቲ ርባ ኤፍራጥስ

Translation | Context
ኢሳይያስ 31:1 | 3 Helpful votes

እቶም ረዲኤት ደልዮም ናብ ግብጺ ዚወርዱእምንቶኦም በፍራስ ዚገብሩ፡ ኣብ ዓረብያታትብዙሓት ስለ ዝዀና፡ ኣብ ፈረሰኛታት ድማ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀኑ፡ ዚውከሉ ወይለኦም። ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ግና ኣይጥምቱንንእግዚኣብሄር ከኣ ኣይደልይዎን

Translation | Context
ህዝቅኤል 29:1-21 | 2 Helpful votes

ኣብ ዓስረይቲ ዓመት፣ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጻኒ፣ ኣታ ውዲ ሰብገጽካ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣቢልካ ምለስ። ኣብ ሎሊኡን ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብጽን ከኣ ተነበተዛረብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢልካ ንገር፡ ኣታ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ፡ ኣብ ማእከል ርባታትካ እትድቅስ ገዚፍ ገበል፡ ንስካ፡ እቲ ርባይ ናተይ እዩ፡ ኣነ እየ ንርእሰይ ዝገበርክዎእትብል ዘሎኻ፡ እኔኹ ተለዐልኩኻ። ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦ ኽገብርንዓሳታት ርባታት ድማ ኣብ ቅራፍካ ኸጥብቖም እየ፣ ምስ ኵሉ እቲ ኣብ ቅራፍካ ጠቡቑ ዘሎ ዓሳ ኸኣ ካብ ማእከል ርባታትካ ኸውጽኣካ እየ። ንኣኻን ንዅሉ ዓሳ ርባታትካን ኣብ በረኽ ኽድርብየካ፣ ኣብ መሮር ክትወድቕ፣ ኣይክትእረን ኣይክትእከብን ኢኻ፣ ኣነ ንኣራዊት ምድርን ነዕዋፍ ሰማይን ምግቢ ገይረ ወፌኹኻ። እቶም ኣብ ግብጺ ዚነብሩ ዅሎም ንቤት እስራኤልሲ ምርኵስ ሻምብቆ ዀይኖምዎም እዮ እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ብኢዶም እንተ ሐዙኻተሰበርካ፣ ንኵሉ መንኵቦም ከኣ ወጋእካ፣ እንተ ተጸጎዑኻ ተሰባበርካ ብጐድኖም ድማ ሰንከል ኣበልካዮም። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ሰይፊ ኣብ ሎሌኻ ኸምጽኣልካሰብን እንስሳን ድማ ካባኻ ኸጽንቶም እየ። እቲ ርባ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኸኣ እየ ዝገበርክዎኢሉ እዩ እሞ፣ ሃገር ግብጺ በረኻን ምድረ በዳን ክትከውን እያ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኪፈልጡ እዮም። ስለዚ እኔኹ፣ ኣባኻን ኣብ ርባታትካን ክለዐለካ፣ ንሃገር ግብጺ ኻብ ሚግዶል ክሳዕ ሴኔ ኽሳዕ ዶብ ኢትዮጵያ ኸኣ ምድረ በዳን በረካን ክገብራ እየ። እግሪ ሰብ ብእእ ኣይኪሐልፍን፣ እግሪ እንስሳ ብኣእ ኣይኪሐልፍን እዩ፣ ነርብዓ ዓመትውን ዚነብራ የብላን። ንሃገር ግብጺ ኣብ ማእከል እተን ዝባደማ ሃገራት በረኻ ኽገብራ እየ። ከተማታታ ድማ ኣብ ማእከል እተን ዝፈረሳ ከተማታት ነርብዓ ዓመት በረኻ ኪዀና እየን። ንግብጻውያን ከኣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፡ ኣብ ኵሉ ሃገራትውን ክዘርዎም እየ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ነቶም ግብጻውያን ካብ ማእከል እቶም ተዘርዮምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክኣካኽቦም እየ። ንምርኮ ግብጺ ክመልሶም፣ ናብታ እተወልዱላ፣ ናብ ሃገር ጳጥሮስ ክመልሶም እየ። ኣብኣውን ለጠቕ ዝበለት መንግስቲ ኪዀኑ እዮም። ካብ ካልኦት መንግስትታት ለጠቕ ክትብል፣ መሊሳ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኣይክትዕበን እያ። መሊሶም ኣብ ህዝብታት ከይገዝኡስከውሕዶም እየ። ድሕርዚ ቤት እስራኤል ብኣታቶም ይኪእመኑን እዮም፣ ናባታቶም ቍሊሕ እንተ በሉ ግና፣ ኣሰባኦም ከዘክርዎም እዮም፣ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም። ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመት፣ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብነቡካድነጾር ንጉስ ባቢሎንንጢሮስ ኪሕዝ ኢሉ፡ ንጭፍራኡ ብርቱዕ ጻዕሪ ኣጽዐሮም። ርእሲ ዘበለ ነዂዑ፡ መንኲብ ዘበለ ተመሊጡ፡ ግናኸ በቲ ንጢሮስ ኪሕዝ ኢሉ ዝጸኦአሮ ጻዕሪ ንሱ ወይስ ጭፍራኡ ገለ ደመወዝ እኳ ኣይረኸቡን። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ፣ ንነቡካደነጾር ንጉስ ባቢሎን ሃገር ግብጺ ኽህቦ እየ። ንሱ ሃብታ ኺወስድ፣ ዚዝረፍ ኪዝርፍዚዝመት ከኣ ኪዘምት እዩ፣ እዚ ድማ ንጭፍራኡ ደመወዝ ኪኸውን እዩ። ንኣይ እዮም ዝገበርዎ እሞ፣ ጻማ ጻዕሩ ሃገር ግብጺ ሀብክዎይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት እስራኤል ቀርኒ ኸብቍል፣ ንኣካ ድማ ኣብ ማእከሎም እተኸፍተ ኣፍ ክህበካ እየ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።

Translation | Context
ህዝቅኤል 20:7 | 2 Helpful votes

ኣነ ኸኣ፣ ነፍሲ ወከፍኩም ጽያፍ ዓይኑ ይደርቢብጣኦታት ግብጺ ድማ ኣይትርከሱ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፣ በልክዎም

Translation | Context
ህዝቅኤል 48:28 | 2 Helpful votes

ኣብ ወሰን ጋድ ድማ ካብ ወገን ደቡብ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ወሰኑ ኻብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ ክሳዕ እቲ ርባ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይኹን።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 7:22 | 2 Helpful votes

ሙሴ ድማ ኲሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረብቓሉን ብግብሩን ከኣ በርትዔ

Translation | Context