Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

elders in the church


ቲቶስ 1:6-9 | 10 Helpful votes

እቲ ኤጶስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባምቅኑዕቅዱስ፡ ይአኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኵሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግባእ። ንሱ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኺምዕድ፡ ነቶም ተቓናቐንቲውን ምግናሖም ምእንቲ ኺከአሎስ፡ በቲ እሙን ቃል ምህሮ ይጽናዕ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:14 | 8 Helpful votes

ኣብ ምኣእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄርዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:1-16 | 6 Helpful votes

እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ። እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲጥንቁቕቀጻዕ ነፍሱኣገባብ ዚፈልጥተቐባል ጋሻንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦዘይሰክርዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡምዘይብኣስፈታው ገንዘብ ዘይኰነነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን። ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ኪህልዎ ይግባእዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕሊና ሒዞምረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘይድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ኪዀኑ ይግባእ። እዚኣቶምውን ቅድም ይመርመሩመንቅብ ዜብሎም እንተ ዀኑ፡ ሽዑ የገልግሉኣንስቲውን ከምኡ ረዘንቲዘይሐምያጥንቁቓትብዅሉውን እሙናት ኪዀና ይግባእ። እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቆም ዜስተናብሩ ይኹኑ። ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ አሎኹ፡ እንተ ደንጔኹ ግና፡ ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት፡ ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኽትፈልጥ እፈቱ አሎኹ። ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፥ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸብመንፈስ ጸደቐንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 14:23 | 6 Helpful votes

ኣብ መማሕበሩ ሽማግሌታት ምስ ሐረዩሎም ድማ፡ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ብእኡ ዝአመኑ ጐይታ ኣማዕቈብዎም

Translation | Context
ቲቶስ 1:5 | 5 Helpful votes

ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይምበዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:2 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲጥንቁቕቀጻዕ ነፍሱኣገባብ ዚፈልጥተቐባል ጋሻንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 20:28 | 5 Helpful votes

ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩመንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:1 | 4 Helpful votes

እምብኣርሲ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ሽማግሌታት፡ ኣነ መሸማግልቶምብስቓይ ክርስቶስ ድማ መስካሪኣብቲ ደሓር ኪግለጽ ዘልዎ ኽብሪውን ተማቓሊ እየ እሞ፡ እምዕዶም አሎኹ፡

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 11:30 | 3 Helpful votes

ከምኡ ገይሮም ከኣ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ናብቶም ሽማግሌታት ሰደድዎ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 6:1-15 | 3 Helpful votes

በቲ ቕነቲ ደቀ መዛሙርቲ ምስ በዝሑ፡ እቶም ኣይሁድ ጽርኢ በቲ ምምቃል ምግቢ ዕለትንመበለታቶም ስለ ዝጐሰይወን፡ ኣብቶም እብራውያን ኣጒረምረሙ። ሽዑ እቶም ዓሰርተዉ ክልተ ንዂሎም ደቀ መዛሙርቲ ኣኪቦም፡ ንሕና ቓል ኣምላኽ ሐዲግናስ ኣብ መኣዲ ኸነገልግል ዚግባእ ኣይኰነን። ስለዚ ኣቱም ኣሕዋት፡ ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ነዚ ጒዳይ እዚ ኸኣ ነመዝዞምንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት እዚ ቓል እዝን ከየብኰርና ንሐዝ፡ በልዎም። እዚ ዘረባ እዚ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ባህ ኣበሎ። ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብኣይእስጢፋኖስን ንፊልጶስን ንጵሮኮሮስን ንኒቃኖርን ንጢሞንን ንጰርሜናስን ነቲ ጵሮሴሊትኒቆላዎስ ብዓል ኣንጾክያን ሐረዩ። ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ከኣ ደው ኣበልዎም፡ እናጸለዩውን ኣእዳዎም ኣንበሩሎምቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሔቊጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሔ ኸደ። ብዙሓት ካብ ካህናትውን ንእምነት ተኣዘዙእስጢፋኖስ ድማ ጸጋን ሓይልን መሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ። ሊቤርጢኖን ካብ እትብሀል ቤት ጸሎትን ካብ ቄሬኔዎንን ካብ እስክንድርያን ካብ ቂልቅያን ካብ እስያን ግና ንእስጢፋኖስ ተንስእዎ ይከራኸርዎ ኸኣ ነበሩ። ነቲ ዚዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ኪማጐትዎ ኣይተኻእሎምን። ሽዑ ኸኣ፡ ንሕና ኣብ ሙሴን ኣብ ኣምላኽን ቃል ጸርፊ ኺዛረብ ከሎ ሰሚዕናዮዚብሉ ሰባት ሐበሉ። ንህዝብን ንዓበይትን ንጻሐፍትን ኣነዐቡመጺኦም ከኣ መንዚዖም ናብ ዋዕላ ወሰድዎ እሞ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ የሱስ፡ እቲ ብዓል ናዝሬት፡ ነዛ ስፍራ እዚኣ ኼፍርሳ፡ ነቲ ሙሴ ዝሀበና ስርዓት ከኣ ኪልውጦ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰሚዕናዮ አሎና እሞ፡ ነዛ ቅድስቲ ስፍራ እዚኣን ንሕግን ቃላት ጸርፊ ኻብ ምዝራብ ከቶ ኣይዐርፍን እዩ፡ ዚብል ምስክር ሓሶት ኣተንስኡሉ። እቶም ኣብቲ ዋዕላ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዂላቶም ድማ ጠመትዎ እሞ ገጹ ኸም ገጽ መልኣኽ ኰይኑ ተራእዮም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:17 | 3 Helpful votes

እቲ ጽሑፍ፡ ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ድማ፥ ንዓያዪ ውዕለቱ ይግብኦ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽማግሌታትምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።

Translation | Context
ቲቶስ 1:9 | 3 Helpful votes

ንሱ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኺምዕድ፡ ነቶም ተቓናቐንቲውን ምግናሖም ምእንቲ ኺከአሎስ፡ በቲ እሙን ቃል ምህሮ ይጽናዕ።

Translation | Context
እብራውያን 13:17 | 2 Helpful votes

ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምንንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 15:2 | 2 Helpful votes

ኣብ መንጎኦምን መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ብዙሕ ምፍልላይን ክትዕን ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጳውሎስን በርናባስን ካባታቶምውን ሓያሎ ኻልኦትን ብዛዕባ እዚ ባእሲዚ ናብ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ መደቡ

Translation | Context
ቲቶስ 1:7 | 2 Helpful votes

እቲ ኤጶስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባምቅኑዕቅዱስ፡ ይአኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኵሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግባእ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:2 | 2 Helpful votes

ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹንብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 15:1-2 | 2 Helpful votes

ካብ ይሁዳ ዝወረዱ ሓያሎ ድማ ነቶም ኣሕዋት፡ ከም ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገዘርኩምሲክትድሕኑ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ ኢሎም መሀርዎም። ኣብ መንጎኦምን መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ብዙሕ ምፍልላይን ክትዕን ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጳውሎስን በርናባስን ካባታቶምውን ሓያሎ ኻልኦትን ብዛዕባ እዚ ባእሲዚ ናብ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ መደቡ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 15:6 | 2 Helpful votes

እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኺምርምሩ ተኣከቡ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:8-13 | 2 Helpful votes

ዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕሊና ሒዞምረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘይድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ኪዀኑ ይግባእ። እዚኣቶምውን ቅድም ይመርመሩመንቅብ ዜብሎም እንተ ዀኑ፡ ሽዑ የገልግሉኣንስቲውን ከምኡ ረዘንቲዘይሐምያጥንቁቓትብዅሉውን እሙናት ኪዀና ይግባእ። እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቆም ዜስተናብሩ ይኹኑ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:11 | 2 Helpful votes

ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽናብ እኹል ሰብኣይናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ

Translation | Context