Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን።
Translation | Contextኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን፡ ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ከኣ ዚገብርዎ ኺጠፍኦም እዩ። ሕያሊ ሰማያት ኬንቀጥቅጥ እዩ እሞ፡ ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ።
Translation | Contextመርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ መልኣኽ ድማ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ንሱውን ነቲ ገበል፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን፡ ሐዞ፡ እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ፡ ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ። እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ኸኣ፡ ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን፡ ዐጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሐተመ። ድሕርዚ ንቕሩብ ጊዜ ኺፍታሕ ይግባእ እዩ። ዝፋናት ድማ ርኤኹ፡ ኣባታቶም ከኣ ተቐመጡ፡ ፍርዲውን ተዋህቦም። ነፍሳት እቶም ምእንቲ ምስክር የሱስን ምእንቲ ቓል ኣምላኽን እተሰየፉ፡ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ከኣ ዘይሰገዱ፡ ማሕተሙውን ኣብ ግምባሮም ወይስ ኣብ ኣእዳዎም ዘይተቐበሉ ድማ ርኤኹ። እዚኣቶም ህያዋን ኰኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ። እቶም ዝተረፉ ምዉታት ግና እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ህይወት ኣይረኸቡን። እዚ እቲ ቐዳማይ ትንስኤ እዩ። ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን። እተን ሽሕ ዓመት ምስ ተፈጸማ ኸኣ፡ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኺፍታሕ፡ እሞ ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዚነብሩ ኣህዛብ፡ ንጎግን ማጎግን ኬስሕቶም፡ ንውግእውን ምእንቲ ኺእክቦም፡ ኪወጽእ እዩ፡ ቍጽሮም ድማ ከም ሑጻ ባሕሪ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ግፍሒ ምድሪ ኸኣ ወጹ፡ ንሰፈር እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍቅርቲ ኽተማን ድማ ከበቡ። ካብ ሰማይ ከኣ ሓዊ ወሪዱ በልዖም። እቲ ዘስሐቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም። ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርኤኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሀደሙ፡ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን። ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ፡ መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት፡ ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ። ዝኰነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።
Translation | Contextመዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ።
Translation | Contextስለዚ ካብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረክቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ።
Translation | Contextእቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ፡ እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን፡ ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም።
Translation | Contextኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ። ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህብኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃህቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ። እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ። እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ - ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘለዉ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይሌኤን። ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን። ሽዑ ገለ፡ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመንዎ። ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። እንሆ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኹም። እንሆ፡ ኣብ በረኻ አሎ፡ እንተ በሉኹም፡ ኣይትውጽኡ። እንሆ ኣብ ቤት አሎ እንተበሉኹምውን ኣይትእመኑ። በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኺእከቡ እዮም።
Translation | Contextእንሆ፣ መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመጽእ አላ፣ ዘመቴኺ ኸኣ ኣብ ማእከልኪ ኺምቀል እዩ። ኣነኸኣ ኵላቶም ኣህዛብ ንየሩሳሌም ኪዋግእዋ ኽእክቦም እየ፣ እታ ኸተማ ኽትትሐዝ እያ፣ ኣባይቲ ኺዝመት እዩ፣ ኣንስቲውን ኪንውራ እየን፣ ፍርቂ እታ ኸተማ ድማ ተማሪኻ ኽትወጽእ እያ፣ ካብቲ ህዝቢ ዝተረፈ ግና ካብታ ኸተማ ብጥራስ ኣይኪጠፍእን እዩ። ሽዑ እግዚኣብሄር ኪወጽእ፣ ከምቲ ብመዓልቲ ውግእ እተዋግኦ፣ ነቶም ኣህዛብ ኪዋግኦም እዩ። በታ መዕልቲ እቲኣ ኣእጋሩ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ የሩሳሌም ኣብ ምብራቕ ዘሎ ኸረን ዘይቲ ኪቐውም እዩ። እቲ ኸረን ዘይቲ ኸኣ ናብ ምብራቕን ምዕራብን ኣብ ማእከሉ ኺስንጥቕ፣ ኣዝዩ ዓብዪ ሽንጭሮውን ኪኸውን እዩ፣ ፍርቂ እቲ ኸረን ናብ ሰሜን፣ ፍርቁ ድማ ናብ ደቡብ ኪዘብል እዩ። ሽንጭሮ እቲ ኣኽራን ክሳዕ ኣጸል ኪበጽሕ ኣዩ እሞ፣ ንስኻትኩም በቲ ሽንጭሮ ኣኽራነይ ክትሀድሙ ኢኹም። ብዘመን ኡዝያ ንጉስ ይህዳ ኻብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸም ዝሀደምኩም፣ ክትሀድሙ ኢኹም። እግዚኣሄር ኣምላኸይ ኪመጽእ እዩ፣ ኵላቶም ቅዱሳን ከኣ ምሳኻ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ብርሃንሲ ድነ ኪኸውን እዩ እምበር፣ ነጸብራቕ ኣይኬብርህን እዩ። ኣብ እግዚኣብሄር እተፈልጠት ሓንቲ መዕልቲውን ትኸውን፣ መዕልቲ ወይስ ለይቲ ኣይኰነን፣ ግናኸ ኣጋ ምሸት ብርሀን ኪኸውን እዩ። በታ መዕልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ህያው ማያት ካብ የሩሳሌም፣ ፈረቓኡ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፣ ፈረቓኡ ኸኣ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ኣቢሉ ኺወጽእ እዩ፣ ብሓጋይን ብኽረምትን ኪህሉ እዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ኵላ ምድሪ ኺነግስ እዩ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ሓደ፣ ስሙውን ሓደ ኪኸውን እዩ። ኵላ እታ ሃገር ካብ ጌባዕ ክሳዕ ሪሞን ደቡብ የሩሳሌም ናብ ጐልጐል ክትልወጥ እያ። የሩሳሌም ከኣ ልዕል ክትብል፣ ካብ ደገ ብንያም ክሳዕ እቲ ቦታ ቐዳመይቲ ደገ፣ ክሳዕ ደገ ዅርናዕ፣ ካብ ግምቢ ሃናንኤል ድማ ክሳዕ መጽመቝ ንጉስ ኣብ ቦታኣ ኽትነብር እያ። ኣብኣ ኺነብሩ እዮም፣ ድሕርዚ ድማ መርገም ኣይኪኸውንን እዩ፣ የሩሳሌምውን ሀዲኣ ኽትነብር እያ። እዚ ኸኣ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም ንየሩሳሌም ዚወግእዋ ዅላቶም ህዝብታት ዝወቕዓሉ መዓት እዩ፣ በእጋሮም ደው ኢሎም ከለዉ ስጋኦም ኪምሽምሽ እዩ፣ ኣዒንቶም ኣብ ጕድጓደን ኪምሽምሻ እየን፣ ልሳኖም ድማ ኣብ ኣፎም ክትምሽምሽ እያ። በታ መዓልቲ ኸኣ ኪኸውን እዩ፣ እግዚኣብሄር ዓብዪ ዕግርግር ኬተንስኣሎም እትዩ። ንሳቶም ድማ ኢድ ሓድሕዶም ኪተሓሐዙ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ ብጻዩ ኺልዐል እዩ። ይሁዳ ድማ ንየሩሳሌም ኪዋግኣ እዩ፣ ሃብቲ እቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ፣ ኣዛዩ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን፣ ኪድለብ እዩ። ከምኡውን እታ ንፈረስን ንበቕልን ንገመልን ንኣድግን ነቶም ኣብቲ ሰፈር ዘለዉ ዅላቶም እንስሳን እትወቅዕ መዓት ከምዛ መኦኣት እዚኣ ኽትከውን እያ። ክኸውን ድማ እዩ፣ ካብቶም ኣንጻር የሩሳሌም መጺኦም ዝነበሩ ዅሎም ኣህዛብ ዝተረፉ ዘበሉ ዅላቶም ንንጉስ፣ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪሰግዱን በዓል ዳስ ኬብዕሉን ኣብ ዐዓመት ኪድይቡ እዮም። ኪከውን ድማ እዩ፡ ገለ ኻብዞም ዓሌት ምድሪ ነቲ ንጉስ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኪሰግዱሉ፡ ናብ የሩሳሌም እንተ ዘይደየቡ፡ ኣብኦም ዝናም ኣይኪዘንምን እዩ። ዓሌት ግብጺ እንተ ዘይደየቡን ዘይመጹን ከኣ ናብ ኦምውን ኣይኪዘንምን እዩ። እዚ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም በዓል ዳስ ኬብዕሉ ዘይድይቡ ኣህዛብ ዚቐጽዓሉ መዓት እዩ። እዚ እቲ ቕጽዓት ግብጽን ቅጽዓት እቶም በዓል ዳስ ኬብዕሉ ዘይድይቡ ዅላቶም ኣህዛብን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቃጽል ኣፍራስ፡ ቅዱስ ንእግዚኣብሄር፡ ዚብል ኪጽሐፍ እዩ። እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ድስትታትን ከምቲ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ዘሎ ሓሊባት ኪኸውን እዩ። ድስቲ ዘበለ ዅሉ ኣብ የሩሌምን ኣብ ይሁዳን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪቕደስ እዩ። እቶም መስዋእቲ ዚስዋኡ ዅላቶም ከኣ ኪመጹ እዮም እሞ ካብኡ ወሲዶም ኣብኡ ኬብስሉ እዮም። በታ መዕልቲ እቲኣ ድማ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከነኣናዊ ከቶ ኣይኪህሉን እዩ።
Translation | Contextእቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ።
Translation | Contextድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም።
Translation | Contextብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ግና ኣቦ ደኣ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወዲ ዀነ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን።
Translation | Contextእንሃ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸተባድማ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሓጥኣን ድማ ከተብርሶም፡ ብቚጥዓን ብርሱን ነድርን መሰክሒት ኰይና ትመጽእ አላ።
Translation | Contextእቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።
Translation | Contextኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ ቐረቡ።
Translation | Contextንሱ ቕድሚ ምስራት ዓለም ተመደበ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኹም ተጋህደ።
Translation | Contextእተን መዓልትታት እቲኤን እግዚኣብሄር እንተ ዘየሕጽረንሲ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ንሱ ዝሐረዮም ሕሩያት ግና ነተን መዓልትታት እቲኤን ኣሕጸረን።
Translation | Contextዓሰርተ ቐርን ሾብዓተ ርእስን፡ ኣብቲ ኣቕርንቱ ኸኣ ዓሰርተ ዘውዲ፡ ኣብቶም ኣራእሱውን ስማት ጸርፊ ዘለዎ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። እቲ ዝርኤኽዎ ኣራዊት ከኣ ነብሪ እዩ ዚመስል፡ ኣእጋሩ ኸም ናይ ድቢ፡ ኣፉውን ከም ኣፍ ኣንበሳ እዩ። እቲ ገበል ድማ ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሀቦ። ሓደ ኻብቶም ኣራእሱውን ንሞት ከም እተወግኤ ዀነ እሞ እታ ቝስሊ ሞቱ ሐወየት፡ ብዘላ ምድሪ ድማ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዐበት። ንሳቶም ከኣ፡ ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሀቦ፡ ነቲ ገበል ሰገዱሉ፡ ነቲ ኣራዊትውን፡ ነዚ ኣራዊት እዝስ መን ይመስሎ፧ መንከ ኺዋግኦ ይኽእል፧ እናበሉ ሰገዱሉ። ቃል ትዕቢትን ጸርፍን ዚዛረብ ኣፍ ተዋህቦ፡ በርብዓን ክልተን ወርሒ ግብሩ ኺገብርውን ምልኪ ተዋህቦ። ንምጽራፍ ኣምላኽን ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩውን ኪጸርፎም ኣፉ ኸፈተ። ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ከኣ ተዋህቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን ድማ ምልኪ ተዋህቦ። እቶም፡ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሐርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኪሰግዱሉ እዮም። ሰብ፡ እዝኒ ደኣ እንተ ኣልያቶስ፡ ይስማዕ። ዚማርኽ እንተሎ፡ ተማሪኹ ይኸይድ፡ ብሰይፊ ዚቐትል እንተሎ፡ ንሱ ብሰይፊ ኪቕተል ይግብኦ። ናይቶም ቅዱሳት ትዕግስትን እምነትን ኣብዚ እዩ ዘሎ። ሓደ ኻልእ ኣራዊትውን ካብ ምድሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። ናይ ገንሸል ዚመስል ክልተ ቐርኒውን አለዎ። ከም ገበል ከኣ እዩ ዚዛረብ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ብዘሎ ስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት ይገብር። ንሱ ነቲ እታ ቝስሊ ሞቱ ዝሐወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት ከኣ ምድርን እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ከም ዚሰግዱሉ ይገብሮም። ኣብ ቅድሚ ሰብሲ ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዜውርድ፡ ዓበይቲ ትእምርቲ ይገብር። ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን፡ ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ ዝቘሰለ እሞ ዝሐወየ ኣራዊት፡ ምስሊ ኺገብሩሉ እናበለ፡ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣራዊት ኪገብሮ እተዋህቦ ትእምርትታት፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የስሕቶም አሎ። ምስሊ እቲ ኣራዊት ምእንቲ ኺዛረብን፡ ነቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰገዱ ዘበሉ ዅላቶም ምእንቲ ኬቕትሎምን ከኣ ንምስሊ እቲ ኣራዊት ትንፋስ ኪህብ ተዋህቦ። ንዅላቶም ከኣ፡ ነቶም ናእሽቱን ዓበይትን፡ ንሃብታማትን ድኻታትን፡ ንጭዋታትን ባሮትን ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ከም ዚቕበሉ ይገብር አሎ። ሓደ እኳ ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት ወይስ ቍጽሪ ስሙ እንተ ዜብሉ፡ ኪዕድግን ኪሸይጥን ከም ዘይኽእል ይገብር። ጥበብ ኣብዚ እያ ዘላ። ቍጽሪ እቲ ኣራዊት ብቍጽሪ ሰብ እዩ እሞ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ። እቲ ቝጽሩ ኸኣ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን እዩ።
Translation | Context