Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

28 bible verses about

end times


2ይ ጢሞቴዎስ 3:1-5 | 8 Helpful votes

ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብተጀሃርቲዕቡያትተጻረፍቲንወለዶም ዘይእዘዙዘየማስዉርኹሳትፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎምተቐየምቲሓመይቲቀለልቲጨካናትሰናይ ዘይፈትዉኣሕሊፎም ዚህቡህዉኻትተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘልዎምነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣንኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ

Translation | Context
ማቴዎስ 24:44 | 7 Helpful votes

ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:3-4 | 5 Helpful votes

ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ንሳቶም ከኣ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎኪብሉ እዮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:42 | 4 Helpful votes

ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ

Translation | Context
ማቴዎስ 24:14 | 4 Helpful votes

እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ

Translation | Context
ሉቃስ 21:36 | 3 Helpful votes

ስለዚ ካብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረክቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ

Translation | Context
ማቴዎስ 24:36 | 3 Helpful votes

ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑመላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 11:13-15 | 3 Helpful votes

ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶትዚጥብሩ ዓየይቲርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም። ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ። ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልግልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉዓብዪ ነገር ኣይኰነንመወዳእታኦም ግና ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:1 | 3 Helpful votes

በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶምንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:37-39 | 3 Helpful votes

ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑልቦም ተወግኤ እሞ፡ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበርበልዎምጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 4:4 | 3 Helpful votes

እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ

Translation | Context
ማርቆስ 13:32 | 3 Helpful votes

ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ግና ኣቦ ደኣ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወዲ ዀነ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን።

Translation | Context
ሮሜ 16:19-20 | 2 Helpful votes

ምእዛዝኩም ኣብ ኵሉ ተሰሚዑ እዩ፡ ስለዚ ብኣኻትኩም እሕጐስ አሎኹ። ንሰናይ ብልህታትንእኩይ ግና ገርህታት ክትኰኑእደሊ አሎኹ። ኣምላኽ ሰላም ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ኪቕጥቅጦ እዩ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን።

Translation | Context
ማርቆስ 13:5-23 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ ኪብሎም ጀመረሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑብዙሓት፥ ኣነ እየ፡ እናበሉ ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓት ከኣ ኬስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን እንተ ሰማዕኩምኣይትሸበሩእዚ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዓል እዩ እሞ፡ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውንጥሜት ኪኸውን እዩ። እዚ መጀመርያ ቕልውላው እዩ። ንኣታቶም ንምስክር ግና ምእንታይ ንዋዕላ ኣሕሊፎም ኪህብኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶምውን ኪገርፉኹም፡ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከኣ ደው ኬብሉኹም እዮም እሞ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑቅድም ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ። መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ እሞ፡ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ምስ ወሰዱኹም፡ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑእቲ በታ ሰዓት እቲኣ ዚውሃበኩም ደኣ ተዛረቡሓው ንሓውወላዲ ነሉድ ኣሕሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ። ውሉድውን ናብ ወለዶም ተንሲኦም ኪቐትልዎም እዮም። ምእንቲ ስመይ ከኣ ኵሉ ኺጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና፡ ንሱ ኺድሕን እዩ። እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ - ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ፡ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ ኣይእቶውን። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ኸኣ ክዳኑ ኺማላእ ንድሕሪት ኣይመለስበታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን። ካብታ ኣምላኽ መጀመርያ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ ሎሚ ኸምኡ ዘይኰነ፡ ድማ ከቶ ዘይከውን መከራ በታ ቕነ እቲኣ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ኸይከውንሲ ጸልዩ። እተን መዓልትታት እቲኤን እግዚኣብሄር እንተ ዘየሕጽረንሲስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ንሱ ዝሐረዮም ሕሩያት ግና ነተን መዓልትታት እቲኤን ኣሕጸረን። ሽዑ ሓደ እኳክርስቶስ ኣብዚ እንሆወይስ ኣብቲ አሎ፡ እንተ በለኩምኣይትእመኑ። ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያትውን ኬስሕቱትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ። እንሆ ኣቐዲመ ዅሉ ነገርኩኹም

Translation | Context
ማቴዎስ 24:22 | 2 Helpful votes

እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:10 | 2 Helpful votes

ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቑ ተጠንቀቑመላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:13 | 2 Helpful votes

እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:40 | 2 Helpful votes

ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሐኑእናበለ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ቃል መስከረሎምን መዐዶምን

Translation | Context
2ይ ተሰሎንቄ 2:4 | 2 Helpful votes

ቅድም ክሕደት ከይኰነ፡ እቲ ርእሱ ኣምላኽ ምዃኑ እናኣርኣየ፡ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዚቕመጥ፡ ኣምላኽን ቅዱስን ኣብ ዚብሃል ዘበለ ዚትንስእን ዚዕበን ሰብኣይ ዓመጻ፡ እቲ ወዲ ጥፍኣትከይተገለጸእታ መዓልቲ እቲኣ ኣይትመጽእን እያ እሞ፡ ብዝኰነ እንተ ዀነ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:10-13 | 2 Helpful votes

መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ። ደጊም እዚ ዅሉ ዘፈላለ ኻብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉፍጥረት ሰማያት ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም። ንሕና ግናከምቲ ተስፋኡጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና።

Translation | Context
ኢሳይያስ 8:21-22 | 2 Helpful votes

ሸጊርዎምን ጠምዮምን ኣብታ ሃገር ኪዞሩ እዮም። ምስ ጠመዩ ድማ፡ ሐሪቖም ንንጉሶምን ኣምላኾምን ኪረግሙ እዮም። ንላዕሊ ገጾም ኬንቃዕርሩ፡ ናብ ምድሪ ድማ ኪጥምቱ እዮም፡ እንሆውን፡ ጸበባን ጸልማትን ዜሸብር ጽልግልግታን አሎ፡ ናብ ድቕድቕ ጸልማት ኪድፍኡ እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 119:175 | 2 Helpful votes

ንነፍሰይ ህያው ግበራ፣ ንሳ ኸኣ ከተመስግነካ እያ፣ ፍርድታትካውን ይርድኣኒ

Translation | Context
ማቴዎስ 13:11 | 2 Helpful votes

መሊሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኽእትኩም ተውሂቡ አሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:21-22 | 2 Helpful votes

ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 2:1-16 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ከሎኹ፡ ምስክር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን። ኣነ ኸኣ ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምምብድባድን እየ ኣባኻትኩም ዝነበርኩ። እምነትኩም ብስልጣን ኣምላኽ እምበር፡ ብጥበብ ሰብ ምእንቲ ኸይትስረትሲዘረባይን ስብከተይን ድማ ብምርዳእ መንፈስን ስልጣንን እምበር፡ ብዜስድዕ ዘረባ ጥበብ ኣይነበረንእምብኣርስ ኣብ ማእከል እቶም እኹላት ጥበብ ንዛረብ ኢና፡ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ንኽብረትና ዘዳለዎ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሕቡእ ምስጢር ጥበብ ኢና እንዛረብ ዘሎና እምበር፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ናይቶም ዚሐልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይንዛረብን ኢና። ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብዚ ኣይፈለጦንእንተ ዚፈልጥዎስንጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም። ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረአየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዚብል፡ እቲ መንፈስ ግና መዓሙቚ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዂሉ ይምርምር እዩ እሞ፡ ንኣና ኣምላኽ ብመንፈስ ገይሩ ገለጸልና። እቲ ኣብኡ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ነገር ዚፈልጥከ እንታዋይ ሰብ እዩ፧ ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ንሕና ግና፡ እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን። ንሕና ኸኣ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕናመንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል እምበር፡ ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና። እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎንብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ኬስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ። ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ አሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምርንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 17:30-31 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ።

Translation | Context
ራእይ 12:9 | 2 Helpful votes

እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየመላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ

Translation | Context
ማቴዎስ 12:32 | 2 Helpful votes

ነቲ ኣብ ወዲ ሰብ ገለ ዘረባ ዝበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ገለ ዘረባ ዝበለ ግና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዀነ፡ ኣብታ እትመጽእ ኰነ፡ ኣይሕደገሉን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context