Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ንኣኻትኩም ንትሰምዑ ግና እብለኩም አሎኹ፥ ጸላእትኩም ኣፍቅሩ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ። ንዚረግሙኹም መርቑ፡ ምእንቲ እቶም ዚጸርፉኹም ጸልዩ። መልትሕካ ንዝወቕዓካ እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉ፡ ክዳንካ ንዝወሰደ ቐምሽካውን ኣይትኽልኣዮ። ንዝለመንካ ዘበለ ሃብ፡ ገንዘብካ ኻብ ዝወሰደውን መሊስካ ኣይትድለ። ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም። ሓጥኣን ድማ ንዚፈትውዎምሲ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ንዚፈትዉኹም ጥራይ እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ጽቡቕ ንዚገብሩልኩም ጥራይ ጽቡቕ እንተ ገበርኩምከ፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ሓጥኣን ከኣ ከምኡ ይገብሩ እዮም። ኪፈድዩኹም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሑ እዮም። ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም። ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ፡ ርሕሩሓት ኩኑ።
Translation | Contextንዚሰጉኹም መርቑ፡ መርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ።
Translation | Contextኣታ ኣምላኽ ምስጋናይ፣ እፍ ረሲእን ኣፍ ጥበራን ናባይ ተኸፊቶም፣ ብሓሳዊት መልሓስ ይዛረቡኒ፣ ብቓላት ጽልኢ ኸቢቦምኒ፣ ብዘይ ምኽንያት ይዋግኡኒ አለዉ እሞ፣ ስቕ ኣይትበል። አብ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ተጻረሩኒ፣ ኣነ ግና እጽሊ አሎኹ። አብ ክንዲ ሰናይ እከይ፣ ኣብ ክንዲ ፍቕረይ ከኣ ጽልኢ ፈድዮምኒ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ነዚ ርእዩ ኸይጕሂ እሞ ዅራኡ ኻብኡ ኸይመልስሲ፡ ጸላኢኻ እንተ ወደቐ፡ ኣይትተሐጐስ፡ እንተ ጸደፈ ኸኣ፡ ልብኻ ደስ ኣይበሎ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ እሞ፡ ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን እዩ፡ ስለዚ ጽናዑ፡ ትብዑ፡ ኣይትፍርሁ፡ ብኣታቶም ኣይትሸበሩ።
Translation | Contextንስጕምተይ መጻወድያ ኣጻውደለይ፣ ነፍሰይ ጐበጠት፣ ኣብ ቅድመይ ጕድጓድ ኰዐቱ፣ ኣብኡውን ወደቑ። [ሴላ።]
Translation | Contextጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ።
Translation | Contextብጻይካ ፍቶ፡ ጸላኢኻ ጽላእ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንብ እዩ እሞ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ። ነቶም ዚፈትዉኹም እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ዓስቢ አሎኩም፧ ተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑን፧ ነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ገበርኩም፧ ኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧ እምብኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ፍጹማት ኩኑ።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፣ ነቶም ዚበአሱኒ ተብአሶም፣ ነቶም ዚዋግኡኒ ውግኣዮም። ዋልታን ገለብን ሐዝ እሞ፣ ንምርዳኤይ ተንስእ። ኵናት ኣምበጥብጥ፣ መገዲ ሰጐጕተይውን ዕጾ፣ ንነፍሰይ፣ ምድሓንኪ ኣነ እየ፣ በላ። ንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይነውሩን፣ ጥፍኣተይ ዚሐስቡ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን። ከምቲ ኣብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ ብቝቡቝ ይኹኑ፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ የባርሮም። ብዘይ ምኽንያት መፈንጠራኦም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ፣ ብዘይ ምኽንያት ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፣ መገዶም ጸልማትን መንደልህጾን ትኹን፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ይስጐጎም። ብድንገት ጥፍኣት ይምጽኣዮ፣ እታ ዝሰወራ መፈንጠራኡ ትሐዞ፣ ንጥፍኣቱ ናብኣ ይውደቕ። ነፍሰይ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ኪብላ፣ ብምድሓኑውን ክትሕጐስ እያ። ኣዕጽምተይ ኵለን፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ንመስኪን ካብቲ ዚሕይሎ፣ ንመስኪንን ድኻን ካብቲ ዚብዝብዞ ዜናግፍ፣ ንኣኻ ዚመስልከ መን አሎ፧ ኪብላ እየን። ሓሰውቲ ምስክር ተንሲኦም፣ ዘይፈለጥክዎ ነገር ይሐቱኒ፣ ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ ይፈድዮኒ፣ ነፍሰይ ዘኽቲማ አላ። ኣነስ፣ እንተ ሐመሙ፣ ከሊ ተኸደንኩ፣ ንነፍሰይ ብጾም ቀጻዕክዋ፣ ርእሰይ ኣድኒነ ጸሌኹ። ፈታውየይን ሓወይን ከም ዝነበረ ገይረ ተመላለስኩ፣ ብወላዲቱ ኸም ዚበኪ ደኒነ ሐዘንኩ። እንተ ሐንከስኩ ግና፣ ሐቢሮም ባህ በሎም፣ ክፉኣት ሐበሩለይ፣ ኣይፈለጥኩን ከኣ፣ ቀደዱኒ ኣይሓደጉንንውን፣ ምስቶም ግቡዛት ዋዘኛታት ኰይኖም፣ ኣስናኖም ሐርቀሙለይ። ጐይታየ፣ ክሳዕ መአዝከ ነዚ ኽትጥምቶ ኢኻ፧ ንነፍሰይ ካብ ጥፍኣቶም፣ ነታ ቐንደይ ካብ ኣናብስ ኣናግፋ። ኣብ ዓብዪ ማሕበር ኤመስግነካ፣ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝቢ እውድሰካ። ነቶም ብኸምኡ ዚጻረሩኒ ብኣይ ኣይተሐጕሶም፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒውን በዒንቶም ኣይጣቐሱለይ። ሰላም ኣይዛረቡን እዮም እሞ፣ ነቶም ርጉኣት እታ ሃገርሲ ጥልመት ይምህዙሎም አለዉ። ኣፎም ናባይ ሃህ ኣቢሎም፣ ኣሰይ ኣሰይ፣ ዓይንና ረአየቶ፣ ይብሉ አለዉ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ርኢኻዮ ስቕ ኣይትበል፣ ጐይታየ፣ ካባይ ኣይትርሓቕ። ዎ ኣምላኸይ ጐይታይውን፣ ንመሰለይ ንቓሕ፣ ንነገረይ ድማ ተንስእ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣምላኸይ፣ ከም ጽድቅኻ በይነለይ፣ ብአይ ድማ ኣይተሐጕሶም። ብልቦም፣ ኣሰይ፣ ድሌትና ዀነ፣ ኣይበሉ፣ ወሐጥናዮ፣ ኣይበሉ። ነቶም ብጸገመይ ዚሕጐሱ ዅሎም ኣሕቢርካ ኣሕፍሮምን ኣነውሮምን፣ እቶም ዚዕበዩለይ ውርደትን ነውርን ይልበሱ። እቶም ንጽድቀይ ዚፈትዉ እልል ይበሉን ይተሐጐሱን፣ ኵሉ ጊዜውን፣ ናይ ባርያኡ ሰላም ዚፈቱ ጐይታ ዓብዪ እዩ፣ ይበሉ። መልሓሰይ ድማ ጽድቅኻ፣ ምሉእ መዓልቲውን ምስጋናኻ ኽትነግር እያ።
Translation | Contextየሱስ ድማ፥ ኣቦይ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም፡ በለ። ንኽዳውንቱ ኸኣ ዕጭ ኣውዲቖም ተማቐልዎ።
Translation | Contextብማእከል መከራ እኳ እንተ ኸድኩ፣ ንስኻ ህያው ትገብረኒ፣ ኢድካ ኣብ ኵራ ጸላእተይ ትዝርግሕ፣ የማነይቲ ኢድካውን ተድሕነኒ።
Translation | Contextከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪዕጸዱ፣ ከም ልምሉም ቈጽሊ ኸኣ ኪጽምልዉ እዮም እሞ፣ በቶም ገበርቲ እከይ ኣይትዀሪ፣ በቶም ዓመጽቲውን ኣይትቕናእ። ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብ፣ ሰናይ ድማ ግበር ኣብታ ሃገር ተቐመጥ፣ እምነት ከኣ ድለ። ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ፣ ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ። መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ፣ ኣብኡ ተወከል፣ ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ብመገዲ ሓደ ሰብ ባህ እንተ በሎ፡ ነቶም ጸላእቱ እኳ ምስኡ ብሰላም የንብሮም።
Translation | Contextጸላኢኻ እንተ ጠመየ፡ እንጌራ ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን፡ ማይ ኣስትዮ።
Translation | Contextጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡ፣ ንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩ፣ ኣምላኽ ሐዲግዎ፣ መናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎ፣ ይብሉ አለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ፣ ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፣ ንምንጋፈይ ስመር፣ ጐይታየ፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ። ንነፍሰይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ ዅሎም ሐቢሮም ይሕፈሩን ይነውሩን። እቶም ብመከራይ ዚሕጐሱ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን። እቶም፣ ኣሰይ ኣሰይ፣ ዚብሉኒ ብሰሪ ነውሮም ይሰምብዱ።
Translation | Context