Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
እንሆ፡ ንሰብሲ እዚ ግዲኡ እዩ እሞ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ቝጽሪ መዓልትታት ህይወቱ ኺበልዕን ኪሰትን፡ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ዘበለ ጻዕሪ ጽቡቕ ኪርእን እዩ፡ እዚ ኸኣ ሰናይን ጽቡቕን ኰይኑ ርኤኽዎ።
Translation | Contextሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ።
Translation | Contextንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ንነፍሱ ባህ ምባልን ዚሐይሽ የብሉን። እዚውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ርኤኹ።
Translation | Contextኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን።
Translation | Contextኣታ ወዲ፡ ብንእስነትካ ባህ ይበልካ፡ በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ልብኻ የሐጒስካ፡ በመገዲ ልብኻን ብምጥማት ኣዒንትኻን ተመላለስ። ግናኸ ኣምላኽ ብዛዕባዚ ዅሉ ኣብ ፍርዲ ኸም ዚቑመካ ፍለጥ።
Translation | Contextክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም።
Translation | Contextነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም።
Translation | Contextመንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረአየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም።
Translation | Contextንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘለአለም ብጽእና አሎ።
Translation | Contextኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።
Translation | Contextከምኡ ኸኣ ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትችዓተን ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextኣብ ቤት ጥበበኛ ኽቡር መዝገብን ዘይትን አሎ፡ ዓሻ ሰብ ግና ይውሕጦ።
Translation | Contextንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚሐይሽ የብሉን እሞ፡ ንታሕጓስ አመስገንኩ፡ እዚውን ኣብ ጻዕሩ በተን ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚህቦ መዓልትታት ህይወቱ ትርፉ እዩ።
Translation | Contextካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽንን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዋን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም አሎኹ። ንዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧ ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧ ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፧ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም አለኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ እምበርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፡ ኢልኹም ኣይትጨነቑ። ነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም። ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ።
Translation | Contextንኣታቶምሲ ኻብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለው ሰናይ ምግባርን ዜሕሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ። እምበአርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን፡ ብኹሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።
Translation | Contextበመዓልቲ ጣዕሚ ባህ ይበልካ፡ ብመዓልቲ መከራ ድማ ሕሰብ፡ ሰብ ነቲ ድሕሪኡ ዚኸውን ምእንቲ ኸይፈልጥ፡ ኣምላኽ ነዝን ነተን ገበሮ።
Translation | Contextእዚ ብህይወትን በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ እትጽዕረሉ ጻዕርን ጊዴኻ እዩ እሞ፡ ብኹለን መዓልትታት ከንቱነትካ በተን ንሱ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝሀበካ ኹለን መዓልትታት ናይ ከንቱ ህይወትካ ምስታ እተፍቅራ ሰበይቲ ብሓጐስ ንበር። ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እተረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ።
Translation | Contextኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።
Translation | Context