Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
እቲ ቐናእ ዝስሙ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገድ።
Translation | Contextዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ፡ ቅንኢ ግና ነዕጽምቲ ቝንቍኔኡ እዩ።
Translation | Contextብርግጽ ዓስቢ አሎ፡ ትጽቢትካ ኸኣ ከንቱ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ልብኻ ዅሉ መዓልቲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀልዎ እምበር፡ ብሓጢኣተኛታት ኣይቕናእ።
Translation | Contextእቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ንዅሉ ኽፍኣትን ኵሉ ጕርሕን ግብዝናን ቅንእን ኵሉ ሕሜትን ኣርሕቕዎ።
Translation | Contextልቦም ግፍዒ እዩ ዚሐስብ፡ ከናፍሮም ድማ ክፋኣት እየን ዚዛረባ እሞ፡ በቶም እኩያት ኣይትቕናእ፡ ምሳታቶም ክትነብርውን ኣይትድለ።
Translation | Contextፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡
Translation | Contextንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና።
Translation | Contextኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን አሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን።
Translation | Contextበለ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰብ ዚወጽእ ደኣ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። ካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ ይወጽእ እዩ እሞ፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ስስዔ፡ ክፍኣት፡ ጕርሒ፡ ቅለት፡ ቅንኣት፡ ጸርፊ፡ ኵርዓት፡ ዕሽነት። እዚ ዅሉ ኽፉእ ካብ ውሽጢ እዩ ዚወጽእ፡ ንሰብ ከኣ የርክሶ።
Translation | Contextንሱ ብኽትዕን ብዜብእስ ዘረባን ሐሚሙ እዩ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ዘይፈልጥ ንፉሕ እዩ። ካብዚ እዩ ቕንኢ፡ ባእሲ ጸርፊ፡ ሕሱም ጥርጥር፡ ናይቶም ሓሳቦም ዝጠፍኤን ሓቂ ዝሰኣኑን ሰባት ብርቱዕ ጽልኢ ዝመጽእ፡ ካብ ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ርሐቕ። እዚኣቶም ኣምልኾስ መገባብሮ ረብሓ ኸም ዝዀነ እዩ ዚመስሎም።
Translation | Contextዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን።
Translation | Contextእኩይ ሰብ ውሬታ የብሉን፡ ቀንዴል ረሲኣን ከኣ ይጠፍእ እዩ እሞ፡ በቶም እከይ ዚገብሩ ኣይተንጽርጽር፡ በቶም ረሲኣን ኣይትቕናእ።
Translation | Context