Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all8 bible verses about
ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።
Translation | Contextኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን።
Translation | Contextባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።
Translation | Contextብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም። ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን። ናይ ክርስቶስ ካብ ኰንኩም፡ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፡ ከምቲ ተስፋውን ወረስቲ ኢኹም።
Translation | Contextእታ ኻልአይታ እትመልሳ ድማ፥ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቕሮ፡ እያ። ካብ እዚኣተን እትዐቢ ኻልእ ትእዛዝ የልቦን።
Translation | Contextኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ። ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ፡ ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ አሎ።
Translation | Contextጓና ምሳኻትኩም ኣብ ሃገርኩም እንተ ተቐመጠ ድማ፡ ኣይትግፍዕዎ። ንስኻትኩምውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ እቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን፡ ከም ንነፍስኻ ኸኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
Translation | Context