Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ።
Translation | Contextኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ክትጽውዑኒ፡ መጺእኩም ድማ ክትልምኑኒ ኢኹም እሞ ክሰምዓኩም እየ። ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስ፡ ክትደልዩኒ ክትረኽቡኒውን ኢኹም። ክርከበልኩም፡ ንምምራኽኩም ክመልሶ፡ ካብ ኲሎም እቶም ናባታቶም ዝሰጐጒኩኹም ህዝብታትን ስፍራታትን ድማ ክእክበኩም እየ። ናብቲ ኻብኡ ዘማረኽኩኹም ስፍራውን ክመልሰኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።
Translation | Contextነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፣ ኣይፈርህን፣ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፣ ረዳእየይ እዩ፣ ኣብ ጸላእተይ ትምኒተይ ክርኢ እየ። ካብ ኣብ ሰብ ምውካልሲ ኣብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይስ። ካብ ኣብ መሳፍንቲ ምውካልሲ ኣብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይስ።
Translation | Contextንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።
Translation | Contextበቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ። በርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።
Translation | Contextብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ ንስጐጕ፡ ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና። ህይወት የሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድውን ኵሉ ሳዕ ሞት የሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር አሎና። ማለት፥ እታ ህይወት የሱስ ኣብቲ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድሲ፡ ንሕና ብህይወት ዘሎና ምእንቲ የሱስ ኢልና ዅሉ ሳዕ ናብ ሞት የሕልፉና አለዉ። እምብኣርሲ ሞት ኣባና ይዓዪ፡ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ትዓዪ አላ። ግናኸ እቲ ንጐይታና የሱስ ዘተንስኦ ንኣናውን ምስ የሱስ ከም ዜተንስኣና እሞ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዜቝመና እናፈለጥና፡ ከምቲ፡ ኣሚነ ስለዚ ተዛረብኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቲ ሓደ መንፈስ እምነት ካብ ዚህልወና፡ ንሕና ድማ ንኣምን፡ ስለዚውን ንዛረብ አሎና። እቲ በቶም ብዙሓት እምብዛ ዝበዝሔ ጸጋ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ምስጋና ምእንቲ ኼዕዝዝ፡ ኵሉ ዚኸውን ዘሎ ምእንታኹም እዩ። እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና። እቲ ዚርኤ ንጊዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፡ ነቲ ዚርኤ ኣይንጥምትን ኢና።
Translation | Contextካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽንን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዋን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextእቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።
Translation | Contextሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን አሎኹ።
Translation | Contextስለዚ ዅሉ ሳዕ እሙንቶ አላትና፡ ብእምነት እምበር፡ ብምርኣይ ኣይኰንናን እንመላለስ ዘሎና እሞ፡ ኣብ ስጋ ሰፊርና ኸሎና፡ ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና፡ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፣ ንሱውን መለሰለይ፣ ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ።
Translation | Contextብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።
Translation | Contextእቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
Translation | Contextኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextእቲ ዚርኤ ንጊዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፡ ነቲ ዚርኤ ኣይንጥምትን ኢና።
Translation | Context