Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተይ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላዉ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውን፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ። ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡
Translation | Contextስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ሐለፈ።
Translation | Contextንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን።
Translation | Contextሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ።
Translation | Contextነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextመርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ መልኣኽ ድማ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ንሱውን ነቲ ገበል፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን፡ ሐዞ፡ እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ፡ ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ። እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ኸኣ፡ ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን፡ ዐጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሐተመ። ድሕርዚ ንቕሩብ ጊዜ ኺፍታሕ ይግባእ እዩ። ዝፋናት ድማ ርኤኹ፡ ኣባታቶም ከኣ ተቐመጡ፡ ፍርዲውን ተዋህቦም። ነፍሳት እቶም ምእንቲ ምስክር የሱስን ምእንቲ ቓል ኣምላኽን እተሰየፉ፡ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ከኣ ዘይሰገዱ፡ ማሕተሙውን ኣብ ግምባሮም ወይስ ኣብ ኣእዳዎም ዘይተቐበሉ ድማ ርኤኹ። እዚኣቶም ህያዋን ኰኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ። እቶም ዝተረፉ ምዉታት ግና እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ህይወት ኣይረኸቡን። እዚ እቲ ቐዳማይ ትንስኤ እዩ። ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን። እተን ሽሕ ዓመት ምስ ተፈጸማ ኸኣ፡ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኺፍታሕ፡ እሞ ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዚነብሩ ኣህዛብ፡ ንጎግን ማጎግን ኬስሕቶም፡ ንውግእውን ምእንቲ ኺእክቦም፡ ኪወጽእ እዩ፡ ቍጽሮም ድማ ከም ሑጻ ባሕሪ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ግፍሒ ምድሪ ኸኣ ወጹ፡ ንሰፈር እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍቅርቲ ኽተማን ድማ ከበቡ። ካብ ሰማይ ከኣ ሓዊ ወሪዱ በልዖም። እቲ ዘስሐቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም። ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርኤኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሀደሙ፡ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን። ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ፡ መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት፡ ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ። ዝኰነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።
Translation | Contextእቲ ውህበት ከኣ ብመጠን እቲ ሓጢኣት ዝገበረ ሐደ ሰብኣይ ኣይኰነን። ፍርዲ ኻብ ሓደ ንዂነኔ መጸ፡ እቲ ውህበት ጸጋ ግና ካብ ብዙሕ ኣበሳ ንምጽዳቕ መጸ።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Contextሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህብኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃህቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሳድሰይቲ መዓልቲ።
Translation | Context