Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ዳንኤል ግና፣ ብሉጽ መንፈስ ሐዲርዎ ነበረ እሞ፣ ካብቶም ራእስታትን መሳፍንትን በለጸ፣ እቲ ንጉስ ድማ ኣብ ብዘላ መንግስቲ ኼርእሶ ሐሰበ።
Translation | Contextብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።
Translation | Contextነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።
Translation | Contextንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠት ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን አሎኹ።
Translation | Contextካብቶም ተቓናቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዚብሎ ክፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ብንጹህ ትምህርቲ፡ ብምርዛን፡ መንቅብ ብዜብሉ ጥዑይ ዘረባ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእሰኻ ኣርኣያ ግበር።
Translation | Contextግናኸ ብዅሉ፡ ብእምነትን ብቓልን ብፍልጠትን ብጸዓት ዘበለን ብፍቕርኹም ንኣናውን ከም ዝዓዘዝኩም፡ በዚ ጸጋ እዚ ኸኣ ዕዙዛት ንምዃን ተጠንቀቑ።
Translation | Contextኣብቲ እቲ ንጉስ ቤልሻጽር ኢሉ ዘውጽኣሉ ዳንኤል ብሉጽ መንፈስን ፍልጠትን ምስትውዓልን ምትርጓም ሕልምን ምግላጽ ምስጢርን ምቕናዕ እተጠላለፈ ነገርን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ሕጂ ዳንኤል ይጸዋዕ፡ ንሱውን ነቲ ትርጓሜ ኼፍልጠካ እዩ።
Translation | Contextእቲ ብፍልጠት ክብሩን ደግነቱን ዝጸውዓና ኣምላኻዊ ሓይሉ ንህይወትን ንፍርሃት እግዚኣብሄርን ዚኸውን ኵሉ ኻብ ዚህበና፡ ብእኡ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ዝረኸብና፡ ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት ወጺእኩም፡ ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡
Translation | Contextንሰብ ዘይኰነስ ከም ንጐይታ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡ። ባርያ ዀነ ጭዋ ዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዝገበረ ኻብ ጐይታ ኸም ዚቕበሎ፡ ፍለጡ።
Translation | Contextኣብ ዕዮኡ ፈጣን ዝዀነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፡ ንሱ ኣብ ቅድሚ ነገስታት እዩ ዚቐውም፡ ኣብ ቅድሚ ታሕቶት ሰባት ኣይቀውምን።
Translation | Contextንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም።
Translation | Contextነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይተፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ።
Translation | Contextምስክራትካ ምስትንታነይ እዩ እሞ፣ ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ለባም ኰንኩ።
Translation | Context