Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

fairness


ምሳሌ 31:9 | 13 Helpful votes

ኣፍካ ኽፈትብቕንዕና ፍረድንሽጉርን ንመስኪንን ብይን ኣውጽኣሎም።

Translation | Context
እብራውያን 6:10 | 10 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን እሞ፡ ብኣኻትኩምሲ፡ ከምዚ እኳ እንተ ተዛረብናዚሐይሽን ንምድሓን ብዚኸውንን ንእመን አሎና።

Translation | Context
ማቴዎስ 20:16 | 8 Helpful votes

ጽዉዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም እሞ ከምኡ እቶም ዳሕሮት ቀዳሞት ኪዀኑ፡ እቶም ቀዳሞት ከኣ ዳሕሮት ኪዀኑ እዮም።

Translation | Context
ያእቆብ 2:1-5 | 8 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተይእምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ። ኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ እንተ ኣተወ፡ ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ አተወ፡ እሞ ነቲ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸደነ እንተ ርኤኹም፡ ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ ንስኻስ ኣብቲ ደው በል፡ ወይስ ኣብዚ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነንብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧ ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየስምዑብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፧

Translation | Context
መክብብ 9:11 | 8 Helpful votes

ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከኣ ጒያ ንፈጣናት፡ ውግእ ንጀጋኑእንጌራ ንጥበበኛታትሃብቲ ነእምሮኛታትሞገስ ንብልህታት ከም ዘይኮነሎም፡ ተመሊሰ ርኤኹ። ግናኸ ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም።

Translation | Context
መዝሙር 106:3 | 8 Helpful votes

ፍርዲ ዚሕልዉኵሉ ጊዜ ጽድቂ ዚገብሩ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ምሳሌ 16:11 | 6 Helpful votes

ሓቀኛ ሚዛንን መምዘንን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ኣብ ከርጺት ዘሎ ዅሉ መምዘኒ ኸኣ ተግባሩ እዩ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:8 | 6 Helpful votes

መወዳእታኡ ኸኣ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦምእትዳናገጹሕውነት እተፍቅሩለዋሃትትሑታት ኩኑ፡

Translation | Context
ገላትያ 3:28 | 5 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
ያእቆብ 2:1 | 4 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተይእምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ።

Translation | Context
ማርቆስ 12:28-31 | 3 Helpful votes

ካብ ጸሓፍቲ ሓደ ኽርክሮም ሰሚዑ ቐረበጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ርእዩ ኸኣ፥ ካብ ኵለን ትእዛዛትሲ ኣየነይቲ እያ ቐዳመይቲ፧ ኢሉ ሐተቶየሱስ መለሰእታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ፥ እስራኤልስማዕእግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንሱ በይኑ እዩ እግዚኣብሄር። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቕሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ። እታ ኻልአይታ እትመልሳ ድማንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቕሮ፡ እያ። ካብ እዚኣተን እትዐቢ ኻልእ ትእዛዝ የልቦን

Translation | Context
ሚክያስ 6:8 | 3 Helpful votes

ኣታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካእግዚኣብሄርሲቅንዕና ኽትገብርምሕረት ከኣ ክትፈቱ፣ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፣ ካባካ ዚደልዮ እንታይ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 20:1-16 | 3 Helpful votes

መንግስተ ሰማያት ነታኽልቲ ወይኑ ሰብ ውዕለት ኪሳማማዕኣንጊሁ ዝወጸ ብዓል ቤት ትመስል። ምስቶም ሰብ ውዕለት ንመዓልቲ ሓደ ዲናር ምስ ተሳማምዔ፡ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ሰደዶም። ድማ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ወጸካልኦት ከኣ ዕዮ ዜብሎም ኣብ ዕዳጋ ደው ኢሎም ረአየ። ንኣታቶም ከኣ፡ ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ እሞ እቲ ዝግባእ ክህበኩም እየ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ኸዱከም ብሓድሽ ድማ ብሳድሰይቲ ሰዓትን ብታስዐይቲ ሰዓትን ኣቢሉ ወጹኡከምኡ ገበረ። ድማ ብመበልዓሰርተው ሓደ ሰዓት ወጺኡካልኦት ደው ኢሎም ረኸበንምንታይከ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ዕዮ ኣብዚ ደው እትብሉ፧ በሎም። ንሳቶም፡ ውዕለት ዜውዕለና ስኢንና፡ በልዎ። ንሱ፡ ንስኻትኩም ድማ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ፡ እቲ ዚግባእ ከኣ ትወስዱበሎም። ምስ መሰየ፡ እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ንኣዛዝ ቤቱ፡ ነቶም ሰብ ውዕለት ጸውዓዮም፡ ካብ ዳሕሮት ጀሚርካ ኸኣ ክሳዕ እቶም ቀዳሞትውዕለቶም ሀቦምበሎእቶም ሰብ መበል ዓሰርተው ሓደ ሰዓት ቀሪቦም ደዲናሮም ተቐበሉ። እቶም ቀዳሞት ምስ ቀረቡ ግና፡ ዚበዝሕ ዚቕበሉ መሰሎም። ንሳቶም ከኣ ደዲናሮም ተቐበሉ። ምስ ተቐበሉ፡ በቲ ብዓል ቤት ኣዕዘምዘሙነዞም ሓንቲ ሰዓት ጥራይ ዝዐየዩ ዳሕሮት፡ ንሕና ድኻም መዓልትን ዳህርን ዝጽርና፡ ምሳና ኣዳላደልካዮምበልዎ። ንሱ ኸኣ መለሰንሓደ ኻባታቶም በሎ፡ ዓርከይ፡ ኣይዐመጽኩኻን። ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሰማማዕካንን፧ ዚብጽሓካ ደኣ ሒዝካ ኺድ። ነዚ ዳሕራይ ድማ ኽንድቲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ እዩ። ወይስ በቲ ገንዘበይ ዝደሌኽዎ ኽገብርዶ ኣይተፈቕደለይን እዩ፧ ወይስ ኣነ ህያዋይ ብምዃነይዶ ዓይንኻ ቐናእ እያ፧ ጽዉዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም እሞ ከምኡ እቶም ዳሕሮት ቀዳሞት ኪዀኑ፡ እቶም ቀዳሞት ከኣ ዳሕሮት ኪዀኑ እዮም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 30:18 | 2 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄርጸጋ ምእንቲ ኺህበኩም ኪጽበ፡ ስለዚውን ምእንቲ ኺምሕረኩም ልዕል ኪብል እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቶም ዚጽበይዎ ዘበሉ ዂላቶም ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ዘጸአት 23:1-33 | 2 Helpful votes

ወረ ሓሶት ኣይተልዕልምስክር ሓሶት ክትከውን ኢልካ፡ ኢድካ ምስ ዓማጺ ኣይተልዕልክፉእ ንምግባር ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ኣይትስዐብብገለ ነገር ከኣ ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ዘንቢልካ ፍርዲ ንምቕናን ኣይትዛረብብፍርድስ ነቲ ድኻ ድማ ኣይትደንግጸሉብዕራይ ጸላኢኻ ወይ ኣድጉ ጠፊኡ እንተ ረኸብካናብኡ ምለሰሉኣድጊ ጸላኢኻ ኣብ ትሕቲ ጽዕነቱ ወዲቑ እንተ ርኤኻ እሞ ከይትሕግዞስ ክትሐድጎ እንተ ሐሰብካ፡ ምስኡ ዄንኻ ኣጸቢቕካ ሐግዞ። ነቲ ድኻኻ ብነገሩ ፍትሒ ኣይተቕንነሉ። ካብ ዘረባ ሓሶት ርሐቕ። ኣነ ንረሲእ ኣየጽድቖን እየ እሞ፡ ነቲ ንጹህን ንጻድቕን ኣይትቕተልመማለዲ ነቶም ዚርእዩ የዕውርዘረባ ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ እሞ፡ መማለዲ ኣይትውሰድንስደተኛ ኣይትጽቀጦ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ነፍሲ ስደተኛ ኸመይ ኽም ዝዀነት ትፈልጡ ኢኹም። ሹድሽተ ዓመት ምድርኻ ዝራእፍርያታ ኸኣ ኣእቱ። በታ ሳብዐይቲ ዓመት ግና ድኻ ህዝብኻ ምእንቲ ኺበልዓ፡ ትዕረፍ ሕደጋ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ መሮር ይብልዓዮ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣውሊዕካን ድማ ከምኡ ግበርሹድሽተ መዓልቲ ዕዮኻ ዕየ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና፡ ብዕራይካን ኣድግኻን ምእንቲ ኪዐርፉወዲ እታ ባርያኻን እቲ ስደተኛን ድማ ኬተንፍሱ ዕረፉ። እቲ ዝበልኩኹም ኵሉ ሐልውስም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስመዩካብ ኣፍካ ኣይሰማዕሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመት በዓል ግበረለይ። በቲ ምዱብ እዋን ብወርሒ ኣቢብ፡ ብእኣ ኻብ ግብጺ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሐሉ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ብላዕጥራይ ኢዶም ከኣ ኣብ ቅድመይ ኣይረኣዩ። ናይቲ ኣብ ግራት ዝዘራእካዮ፡ ናይ ቀዳማይ ዕዮኻ በዓል ዓጺድ ሐሉ። እቲ ፍረ ዕዮኻ ኻብ ግራት ምስ ኣከብካ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ናይ ምእካብ በዓል ኣብዕልኵሉ ወዲ ተባዕታይካ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይምጻእደም መስዋእተይ ምስ ብዅዕ እንጌራ ኣይትሰውእስብሒ በዓለይ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደርቀዳማይ በዅሪ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣምጽእንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስል። ኣብ መገዲ ኺሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኬእትወካእንሆ ኣነ መልኣኽ ቀቅድሜኻ ኽልእኽ እየ። ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕድምጹ ኸኣ ስማዕኣይተመርሮስመይ ኣብኡ እዩ እሞ፡ ንበደልኩም ኣይሐድግን እዩ። ድምጹ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ ኣነ ዝብለካ ዅሉ ድማ እንተ ገበርካ፡ ኣነ ንጸላእትኻ እጻልኦምንዚጻረሩኻ ድማ እጻረሮምመልኣኸይ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ እዩ እሞ፡ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን ከነኣናውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ኬእትወካ እዩ። ኣነ ድማ ከጽንቶም እየንኣማልኽቶም ኣይትስገድኣይተገልግሎም ድማ፡ ከም ግብሮም ከኣ ኣይትግበርብጥራስ ደኣ ኣፍርሶም፡ ኣዕኑዶም ከኣ ሓሸምሸም ኣብል። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፡ ንሱ ኸኣ እንጌራኻን ማይካን ኪባርኸልካ እዩ። ሕማም ከኣ ካብ ማእከልካ ኸርሕቕ እየ። ኣብ ሃገርካ እተዋግር ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብንፍቕዲ መዓልትታትካ ድማ ክመልኦ እየ። ናብቶም እትመጾም ኵሎም ህዝብታት መፍርሄይ ቀቅድሜኻ ኽሰድድከሸብሮም ድማ እየ። ንዅሎም ጸላእትኻ ኸኣ ካባኻ ከም ዚሀድሙ ኽገብሮም እየ። ንሃዋውያንን ንከነኣናውያንን ንሔታውያንን ካብ ቅድሜካ ዚሰጉ ተናኸስቲ ጽንጽያ ቀቅድሜኻ ኽሰድድ እየ። እታ ምድሪ ምእንቲ ኸይትባድምኣራዊት መሮር ከኣ ከይበዝሑኻብሓንቲ ዓመት ካብ ቅድሜካ ኣይሰጎምን እየ። ተፋሪኻ ነታ ምድሪ ኽሳዕ እትወርሳ በብቕሩብ ካብ ቅድሜኻ ኽሰጎም እየ። ነቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ኣብ ኣእዳውኩም ክህበኩም እየ፡ ካብ ቅድሜኻ ኸኣ ክትሰጎም ኢኻ እሞ፡ ሽዑ ዶብካ ኻብ ባሕሪ ኤርትራ ኽሳዕ ባሕሪ ፍልስጥኤም፡ ካብ በረኻ ድማ ክሳዕ እቲ ርባ ኽገብሮ እየ። ምሳታቶም ኰነ ምስ ኣማልኽቶም ኪዳን ኣይትእቶንኣማልኽቶም እንተ ኣገልገልካ፡ ኣዚ መፈንጠራ ኪዀነካ እዩ እሞ፡ ንኣይ ንምብዳል ምእንቲ ኸየስሕቱኻስ ኣብ ምድርኻ ኣይንበሩ

Translation | Context
ያእቆብ 3:17 | 2 Helpful votes

እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊትልእምቲሰማዕምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤትብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16-17 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራኣምላኽ ንወዱዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን

Translation | Context
ሮሜ 2:11 | 2 Helpful votes

ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን

Translation | Context