Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

faith and healing


ያእቆብ 5:15 | 10 Helpful votes

እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 11:24 | 7 Helpful votes

ስለ፥ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩም እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:19 | 7 Helpful votes

ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:9 | 6 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካበለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድርብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 3:16 | 5 Helpful votes

ብስሙ ምእማን ከኣ፡ ስሙ ነዚ እትርእይዎን እትፈልጥዎን ሰብኣይ ኣጽንዖ፡ እታ ብእኡ ምእማን ድማ ነዚ ኣብ ቅድሚ ዂላትኩም ምሉእ ጥዕና ሀበቶ

Translation | Context
ማርቆስ 5:25-34 | 5 Helpful votes

ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ብብዙሓት ሓኪማት ብዙሕ ተሰቀየትኵሉ ገንዘባውን ወድኤትግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይጠቐማን። ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዔትክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬዅክሐዊ እየኢላ አላ እሞ፡ ብማእከል እቶም ህዝቢ ብድሕሪኡ መጺኣ ኽዳኑ ተንከየትብኡብኡ ዓይኒ ደማ ነቐጸ፡ ካብ ሕማማ ከም ዝሐወየት ከኣ ንነፍሳ ተፈለጣሽዑ የሱስካብኡ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ብውሽጡ ተፈሊጥዎ፡ ናብቶም ህዝቢ ግልጽ ኢሉ፡ መን እዩ ኽዳነይ ዝተንከየበለደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ህዝቢ ኺደፍኣካ ትርኢ አሎኻ፡ ንስኻ ግና፡ መን ተንከየኒትብልበልዎ። ነታ እዚ ዝገበረት ኪርኢ ድማ ግልጽ ግልጽ በለ። እታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ ኣብኣ ዝዀነ ነገር ፈሊጣ ነበረት እሞ ፈሪሃራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ ዅሉ እቲ ሓቂውን ነገረቶ። ንሱ ኸኣ፡ ጓለየእምነትኪ ኣድሓነትኪብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዓዪበላ

Translation | Context
ያእቆብ 5:14 | 5 Helpful votes

ኣብ ምኣእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄርዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
ኢሳይያስ 53:5 | 4 Helpful votes

ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና

Translation | Context
ማቴዎስ 15:28 | 4 Helpful votes

ሽዑ የሱስኣቲ ሰበይቲእምነትኪ ዓባይ እያ፡ ከም ዝደሌኽዮ ይኹነልኪኢሉ መለሰላ። ካብታ ሰዓት እቲኣ ጓላ ሐወየት

Translation | Context
ያእቆብ 5:14-16 | 3 Helpful votes

ኣብ ምኣእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄርዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ። እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።

Translation | Context
ማቴዎስ 9:28-29 | 3 Helpful votes

ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ዕዉራት ናብኡ መጹየሱስ ድማ፡ እዚ ምግባር ከም ዚከኣለኒዶ ትኣምኑ ኢኹም፧ በሎም። ንሳቶም፡ እወ ጐይታይበልዎ። ሽዑ፡ ከም እምነትኩም ይኹነልኩም፡ ኢሉ ኣዒንቶም ተንከየ

Translation | Context
ማቴዎስ 8:5-8 | 3 Helpful votes

ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጺኡጐይታይ ቈልዓይ መጽጕዑ ኣብ ገዛይ ወዲቑብዙሕ ከኣ ይቕንዞ አሎ፡ እናበለ ለመኖየሱስ ድማ፡ እኔኹ፡ መጺኤ ኽሕውዮ እየ፡ በሎ። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉጐይታይ፡ ኣነ፡ ንስካ ናብ ቤተይ ክትኣቱ፡ ኣይበቕዕን፡ እየ እሞ፡ ሓንቲ ቓል ጥራይ ደኣ በልቈልዓይ ድማ ይሐዊ

Translation | Context
ማርቆስ 5:34 | 2 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ ጓለየእምነትኪ ኣድሓነትኪብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዓዪበላ

Translation | Context
ማቴዎስ 10:1 | 2 Helpful votes

ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑንርኹሳት መናፍስቲ ኼውጽእዎምን ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ኬሕውዩን ስልጣን ሀቦም

Translation | Context
ማቴዎስ 13:58 | 2 Helpful votes

ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን።

Translation | Context
ማቴዎስ 8:2 | 2 Helpful votes

እንሆለምጻም መጺኡጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ሰገደሉ

Translation | Context
ኢሳይያስ 41:10 | 2 Helpful votes

ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 14:8-10 | 2 Helpful votes

ሓደ ሰብኣይኣእጋሩ ዝሞተ፡ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ጀሚሩ ዝማህመነ፡ ተዛዊሩ እኳ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ልስጥራ ተቐሚጡ ነበረ። ንሱ ጳውሎስ ኪዛረብ ከሎ ሰምዔ። ጳውሎስ ድማ ተኲሩ ጠመቶ ኪሐዊ እምነት ከም ዘላቶ ምስ ረአየድምጹ ዓው ኣቢሉ፡ ትኽ ኢልካ በእጋርካ ደው በል፡ በሎ። ብድድ ኢሉ ኸኣ ተዛወረ

Translation | Context
ማቴዎስ 9:29 | 2 Helpful votes

ሽዑ፡ ከም እምነትኩም ይኹነልኩም፡ ኢሉ ኣዒንቶም ተንከየ

Translation | Context
ሮሜ 8:1 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን

Translation | Context