Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

faith and works


ያእቆብ 2:24 | 8 Helpful votes

ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነትርእዩ አሎኹም።

Translation | Context
እብራውያን 11:6 | 6 Helpful votes

ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 2:20-24 | 4 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣታ ከንቱ ሰብእምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦብግብሩ ኣይጸደቐንእምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመትትርኢ አሎኻ። እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉዚብል ጽሑፍ ተፈጸመፍቁር ኣምላኽውን ተባህለሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነትርእዩ አሎኹም።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8-10 | 4 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን። ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
እብራውያን 11:1 | 3 Helpful votes

እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ

Translation | Context
ያእቆብ 2:26 | 2 Helpful votes

እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።

Translation | Context
ያእቆብ 2:18 | 2 Helpful votes

ግናኸ ሓደ ሰብ ግዳ፡ ንስኻ እምነት ኣላትካኣነ ኸኣ ግብሪ አሎኒ፡ ይብል ይኸውን። እምብኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒኣነውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ።

Translation | Context
ሮሜ 3:28 | 2 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ሰብ ብዘይ ግብሪ ሕጊ ብእምነት ከም ዝጽጸድቕንብል አሎና።

Translation | Context