Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

faith healing


ያእቆብ 5:15 | 11 Helpful votes

እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:13-16 | 10 Helpful votes

ኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊሕጉስዶ አሎ፧ ይዘምር። ኣብ ምኣእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄርዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ። እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።

Translation | Context
ሉቃስ 8:50 | 6 Helpful votes

የሱስ ሰሚዑኣይትፍራህእመን ደኣ እሞ ክትሐዊ እያ፡ ኢሉ መለሰሉ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:7-10 | 6 Helpful votes

ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ። እዚ ኻባይ ኪርሕቕብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካበለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድርብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳርብምስጓጕብጸበባ እሕጐስ እየ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 19:11-12 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ብኢድ ጳውሎስ ብዙሕ በይኑ ዝዀነ ተኣምራት ገበረመኣረምያኡ ወይስ ክዳኑ ኻብ ዝባኑ ወሲዶም ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ ሕማሞም ይሐድጎምርኹሳት መናፍስቲውን ካባታቶም ይወጹ ነበሩ።

Translation | Context
እብራውያን 11:6 | 4 Helpful votes

ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 9:27-31 | 3 Helpful votes

የሱስ ካብኡ ምስ ሐለፈክልተ ዕዉራት ዓው ኢሎም፡ ወዲ ዳዊትምሐረናእናበሉ ሰዐብዎ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ዕዉራት ናብኡ መጹየሱስ ድማ፡ እዚ ምግባር ከም ዚከኣለኒዶ ትኣምኑ ኢኹም፧ በሎም። ንሳቶም፡ እወ ጐይታይበልዎ። ሽዑ፡ ከም እምነትኩም ይኹነልኩም፡ ኢሉ ኣዒንቶም ተንከየኣዒንቶምውን ተኸፍታየሱስ ድማ፡ ሓደ እኳ ኸይፈልጥ ተጠንቀቑ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛረቦም። ንሳቶም ግና ወጺኦም ኣብ ኵላ እታ ሃገር ኣውረዩ

Translation | Context
ዘዳግም 28:1-68 | 3 Helpful votes

ኪኸውን ድማ እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕካ እንተ ገበርካዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ኽብ ኬብለካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ እዚ ዅሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ። ንስኻ ኣብ ከተማ ብሩኽ ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮር ድማ ብሩክ ትኸውን። ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርካን ፍረ ማልካን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ከኣ ብሩክ ይኸውን። መሶብካን መልወሲካን ብሩኽ ይኸውን። ንስካ ኣብ ምእታውካ ብሩክ ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ብሩኽ ትኸውን። ነቶም ዚልዐሉኻ ጸላእትኻእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኻ ተሰዐርቲ ይገብሮም፡ ብሓንቲ መገዲ ይወጹኻካብ ቅድሜካ ድማ ብሾብዓተ መገዲ ይሀድሙእግዚኣብሄር ኣብ ቆፎኻን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካን በረኸት ይእዝዘልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ድማ ኪባርከካ እዩ። ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሐሎኻ፡ ብመገዱውን እንተ ኸድካስ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝመሐለልካ ንእኡ እተቐደሰ ህዝቢ ገይሩ ኼቚመካ እዩ። ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ፡ ብስም እግዚኣብሄር ከም እተጸዋዕካ ይርእዩ እሞ፡ ይፈርሁኻ። ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኺህበካነቦታትካ ዝመሐለሎም ምድሪ ኣብ ፍረ ኸርስኻን ኣብ ፍረ ማልካን ኣብ ፍረ ምድርካን እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ኬብዝሓካ እዩ። ዝናም ምድርኻ ብጊዜኡ ምእንቲ ኺህብ እሞ፡ ኵሉ ተግባር ኢድካ ድማ ኪባርኸእግዚኣብሄር እቲ ጽቡቕ መዝገቡሰማይኪኸፍተልካ እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ከተለቅሕ ኢካ፡ ንስኻ ግና ገለ እኳ ኣይትልቃሕን ኢኻ። ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡ ካብዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም እንተ ዘየግለስካንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሎም ደድሕሪኦም እንተ ዘይሰዐብካ ድማ፡ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብረካንብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን። ግናኸ ኪኸውን እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ንምግልባሩ ድማ እንተ ዘይተጠቀቕካ፡ እዚ ዅሉ መርገም ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ። ንስኻ ኣብ ከተማ ርጉም ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮርውን ርጉም ትኸውን። መሶብካን መልወሲኻን ርጉም ይኸውን። ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ድማ ርጉም ይኸውን። ንስኻ ኣብ ምእታውካ ርጉም ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ርጉም ትኸውን። ንኣይ ሐዲግካ ኽፉእ ስለ ዝገበርካክሳዕ እትጠፍእን ቀልጢፍካ ኽሳዕ እትጸንትንእግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካ መርገምን ዕግርግርን ተግሳጽን ኪሰደልካ እዩ። ካብታ ኽትወርሳ እትኸዳ ዘሎኻ ምድሪ ኽሳዕ ዜብርሰካ፡ እግዚኣብሄር ፌራ ኼልግበልካ እዩ። እግዚኣብሄር ብምምሳንን ብዓሶን ብረስንን ብዋዕን ብሴፍን ብሓርኢ እኽልን ብዋግን ኪወቕዓካ እዩ፡ ክሳዕ እትበርስ ድማ፡ ኪሰጕኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ዘሎ ሰማይካ ኣስራዚ ኪኸውን እዩ፡ ኣብ ትሕቴኻ ዘላ ምድሪ ከኣ ሓጺን ክትከውን እያ። እግዚኣብሄር ዝናም ምድርካ ተጐጓን ሓመድን ኪገብሮ እዩ፡ ክሳዕ እትጠፍእ፡ ካብ ሰማይ ኪወርደካ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ተሰዓሪ ይገብረካ፡ ብሓደ መገዲ ትወጾምብሾብዓተ መገዲ ኸኣ ካብ ቅድሚኦም ትሀድም፡ ናብ ኵሎም መንግስትታት ምድሪ ድማ ትዛባዕሬሳታትካ ንዂሎም ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ኪኸውን እዩ፡ ዚሰጎም ከኣ የልቦንእግዚኣብሄር ከም ዘይትፍወስ ገይሩ ብናይ ግብጺ ሕበጥን ብምጕለንጭዋን ብዓበቕን ብመበላይን ገይሩ ኸኣ ኪወቕዓካ እዩ። እግዚኣብሄርብጽለላን ብዑረትን ብስምባድ ልብን ኪወቕዓካ እዩ። ዕዉር ብጸልማት ሃሰስ ከም ዚብል ድማ፡ ብቐትሪ ሃሰስ ክትብል ኢኻ፡ ኣብ መገድታትካውን ኣይቐንዓካንወርትግ ጥቑዕን ዝሙትን ትኸውን፡ ዜድሕነካ ኸኣ የልቦንሰበይቲ ትሕጸ፡ ግናኸ ካልእ ይድቅሳቤት ትሰርሕ፡ ግናኸ ኣይትነብራንወይኒ ትተክል፡ ፍረ ግና ኣይትእክበሉንብዕራይካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ይሕረድካብኡ ግና ኣይትበልዕን፡ ኣድግኻ ኻብ ቅድሜኻ ይዝረፍኣይምለሰካን ከኣ፡ ኣባጊዕካ ንጸላእትኻ ይወሀባዚረድኣካ ኸኣ የልቦንኣወዳትካን ኣዋልድካን ንኻልእ ህዝቢ ይወሀቡኣዒንትኻ ድማ ምሉእ መዓልቲ እናርኣያኦም ብሃረርታኦም ቀባሕባሕ ይብላ፡ ኣብ ኢድካ ግና ሓይሊ የልቦን። ፍረ ምድርኻን ብዘሎ ጻዕርኻን ድማ ዘይትፈልጦ ህዝቢ ኺበልዖ እዩ። ወርትግ ከኣ ጥቑዕን ጽቑጥን ትኸውን። ኣዒንትኻ ዚርእያኦ ዅሉ ነገር ብምርኣይካ ኽትጽለል ኢኻ፡ እግዚኣብሄር ብሕሱም ክትሐውየሉ ዘይትኽእል ሕበጥ ኣብ ብርክኻን ኣብ ዳንጋኻን ካብ ከብዲ እግርኻ ኽሳዕ መንበስበስታ ርእስኻ ኺወቕኻካ እዩ። እግዚኣብሄር ንኣኻን ነቲ ኣብ ልዕሌኻ እተንግሶ ንጉስካን ንስኻን ኣቦታትካን ናብ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኺሰደካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲንዕንጨይትን ንእምንንከተምልኽ ኢኻ። ኣብቶም እግዚኣብሄር ናባታቶም ዚመርሓካ ዅሎም ህዝብታት ከኣ መገረምን መመሰልን መድረፍን ትኸውን። ኣብ ግራትካ ብዙሕ ዘርኢ ተምጽእ፡ ግናኸ ኣንበጣ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ሒደት ትእክብወይኒ ትተክል ትዅስኵሶ ኸኣ፡ ግናኸ፡ ሓሰኻ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ወይኒ ኣይትሰትየሉን፡ ገለ እኳ ድማ ኣይትእክብን። ኣብ ኵሉ ሃገርካ ኣውልዕ ይዀነልካ፡ ግናኸ፡ እቲ ኣውልዕካ ኺርግፍ እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይትልከንኣወዳትን ኣዋልድን ትወልድ፡ ግናኸ፡ ተማሪኾም ኪኸዱ እዮም እሞ፡ ንኣኻ ኣይኰኑን። ኵሉ ኣእዋምካን ፍረ ምድርኻን ኵብኵብታ ኺወርሶ እዩ። ኣብ ማእከልካ ዘሎ ስደተኛ ኣብ ልዕሌኻ ልዕል ልዕል ይብል፡ ንስኻ ግና ንታሕቲ ንታሕቲ ትወርድንሱ ኼለቅሓካ እዩ፡ ንስኻ ግና ኣይተለቅሖን፡ ንሱ ርእሲ ኪኸውን እዩ፡ ንስኻ ግና ጭራ ትኸውን። እቲ ዝአዘዘካ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ክትሕሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ዅሉ መርገም ኪወርደካ፡ ክሳዕ እትጠፍእ ድማ ኪሰጐካን ኬርክበካን እዩ። ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ንዘለኣለም ንትእምርትን ተኣምራትን ኪዀኑ እዮም። ኵሉ መሊኡካ ኸሎስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ባህ ኢሉካ ብጽቡቕ ልቢ ስለ ዘየገግልገልካዮ፡ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልካ ጸላእትኻ ኣብ ጥሜትን ኣብ ጽምኣትን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝኦም ኢኻ። ክሳዕ ዜጥፍኣካ ኸኣ፡ ኣርዑት ሓጺን ኣብ ክሳድካ ኼንብረልካ እዩ። ቋንቋኡ ዘይትሰምዖ ህዝቢከም ንስሪ ዚነፍር ህዝቢ፡ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕካብ ወሰን ምድሪ፡ ናባኻ ኼምጽእ እዩ። ጨካን ዝገጹ ህዝቢገጽ ኣረጊት ርእዩ ዘይሐፍርንናእሽቱ ድማ ዘየናሕሲ። ክሳዕ እትጠፍእ ከኣ፡ ፍረ ኸብትኻን ፍረ ምድርኻን ኪበልዕ እዩ፡ ክሳዕ ዜጥፍኣካስርናይ ዀነ፡ ወይኒ ዀነ፡ ዘይቲ ዀነ፡ ምውላድ ላምካ ዀነ፡ ምፍራይ ኣባጊዕካ ዀነ፡ ኣይገድፈልካን እዩ። እቲ ንስኻ እትኣምኖ ነዋሕትን ጽኑዓትን መናድቕካ ኣብ ኵሉ ሃገርካ ኽሳዕ ዚፈርስብዅሉ ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ። ኣብ ኵላ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ። በቲ ጸላኢኻ ከቢቡ ዜጽብበልካ ጸባብስጋ እቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ ኣወዳትካን ኣዋልድካንፍረ ኸርስኻ ኽትበልዕ ኢኻ። ኣባኻ እቲ ቚጽይጽይ ዚብልን ብዙሕ ሕንቁቕን ሰብ ንሓዉን ነታ ኣብ ሕቚፉ እትድቅስ ሰበይቱን ነቶም ዝተረፉ ትርፊ ደቁን ብኽፉእ ዓይኒ ይርእዮም። በቲ ጸላኢኻ ኸቢቡ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ፡ ካልእ ነገር ኣይተርፎን እሞ፡ ካብቲ ዚበልዖ ስጋ ውሉዱ ንሓደ ኻባታቶም ምእንቲ ኸይህብ፡ ኣባኻ እታ ቚጽይጽይ እትብልን ሕንቅቕትንብሕንቃቔአን ቚጽይጽይ ምባላን ከብዲ እግራ ምድሪ ንምርጋጽ ክትፍትን ዘይደለየት ሰበይቲ ኸኣ ነቲ ኣብ ሕቚፋ ዘሎ ሰብኣያን ንወዳን ንጓላን ድማ ብኽፉእ ዓይኒ ትርእዮም። በቲ ጸላኢኻ ኸቢቡ ኣብ ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ ዅሉ ነገር ስኢና እያ እሞ፡ ነቲ ኻብ መንጎ ኣእጋራ ዝወጸ መወዳሕንትን ነቶም ዝወለደቶም ደቃን ተሐቢኣ ኽትበልዖም እያ። ነዚ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ እተጻሕፈ ዅሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኽትገብሮ እንተ ዘይተጠንቀቕካ፡ ነዚ ምስጉንን መፍርህን ዝዀነ ስምእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ከኣ እንተዘይፈራህካእግዚኣብሄር መቕዘፍትኻን መቕዘፍቲ ዘርእኻን ዜገርም፡ ብርቱዕ፡ ዓብዪ እሞ ዚድንጒ መቕዘፍቲሕሱም እሞ ዚድንጒ ሕማም ኪገብር እዩ። ነቲ ዝፈራህካዮ ዅሉ ሕማም ግብጺ ናብ ልዕሌኻ ኺመልሶ እዩ እሞ ኺለግበካ እዩ። ክሳዕ እትጠፍእ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ ዘይተጻሕፈ ዅሉ ሕማምን ኵሉ መቕዘፍትን ኬምጽኣልካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካኣብ ክንዲ እቲ ቐደም ምብዛሕኩም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝነበርኩም፡ ብቝጽሪ ሒደት ክትተርፉ ኢኹም። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ጽቡቕ ኪገብረልኩም ኬብዝሓኩምን ብኣኻትኩም ባህ ከም ዝበሎ፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ብምጥፋእኩምን ፋሕ ብምባልኩምን ባህ ኪብሎ እዩ። ካብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ክትምንቈሱ ኢኹም። እግዚኣብሄር ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኵሎም ህዝብታት ፋሕ ኬብለካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንስኻን ኣቦታትካን ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲንዕጨይትን ንእምንን ከተገልግል ኢኻ። ኣብ ማእከል እቶም ህዝብታት እቲኦም ከኣ ህድኣት ኣይትረክብን፡ ንኸብዲ እግርኻ ድማ ዕረፍቲ የልቦን፡ ኣብኡ ግና እግዚኣብሄር ዜንቀጥቅጥ ልብን ዝሐመቐት ዓይንን ዝማህመነት ነፍስን ኪህበካ እዩ። ህይወትካ ኣብ ቅድሜኻ ጠልጠል ትብል፡ ለይትን መዓልትን ከኣ ትፈርህ፡ ብህይወትካ ኣይትእመንን። በቲ እትፈርሆ ፍርሃት ልብኻን በቲ እትርእዮ ትርኢት ዓይንኻን ብጊሓት፡ ወይ እንተ ዚመሲ ደኣ፡ ክትብል፡ ምሸት ከኣ፡ ወይ እንተ ዚወግሕ ደኣ፡ ክትብል ኢኻ። በታ፡ ደጊም መሊስካ ኣይትርእያን፡ ዝበልኩኻ መገዲእግዚኣብሄር ብመራኽብ ገይሩ ናብ ግብጺ ኺመልሰካ እዩ። ኣብኡ ድማ ባሮትን ኣግራድን ክትኰኑ፡ ንርእስኹም ናብቶም ጸላእትኹም ክትሸጡ ኢኹም። ዚዕድግ ከኣ የልቦን

Translation | Context
ገላትያ 2:20 | 3 Helpful votes

ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 13:58 | 2 Helpful votes

ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን።

Translation | Context
ዮሃንስ 20:30-31 | 2 Helpful votes

የሱስ ድማ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዘይተጻሕፈ ኻልእ ብዙሕ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ። ግናኸ የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑኣሚንኩምውን ብስሙ ህይወት ኽትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ

Translation | Context
ማቴዎስ 17:14-20 | 2 Helpful votes

ናብቲ እኩብ ህዝቢ ምስ በጽሑሓደ ሰብኣይ ናብኡ ቐሪቡ ኢድ ነስኣሉ፡ በሎውን፡ ጐይታይንወደይ ምሐረለይሕማም ባርያ በብወርሒ ይለዐሎ፡ ሓሳር ድማ የጽግቦ። ንሱ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓዊብዙሕ ሳዕ ድማ ኣብ ማይ ይወድቕ እሞ፡ ናብ ደቀ መዛሙርትኻ ኣምጺኤዮስምሕዋዩ ሰኣኑ። የሱስ ግና መለሰ በለውንኣታ ዘይእሙንን ቄናንን ወለዶክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፧ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፧ ናብዚ ናባይ ኣምጽእዎየሱስ ገንሖእቲ ጋኔን ከኣ ካብኡ ወጸእቲ ቘልዓ ድማ ካብታ ሰዓት እቲኣ ሒዙ ሐወየ። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም ናብ የሱስ መጺኦምስለምንታይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ በልዎየሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጎደለትብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስዚሰኣነኩም ውን የልቦን

Translation | Context
ማርቆስ 16:17-18 | 2 Helpful votes

ነቶም ዚአምኑውን እዚ ተኣምራት እዚ ኺስዕቦም እዩ፥ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡብሓድሽ ልሳን ከኣ ኪዛረቡኣትማን ኪሕዙ እዮም፡ ዚቐትል እንተ ሰተዩ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪጐድኦምን እዩ፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ኬንብሩ ንሳቶምውን ኪሐውዩ እዮም።

Translation | Context