Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

faith in god


እብራውያን 11:6 | 11 Helpful votes

ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 11:1 | 7 Helpful votes

እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ

Translation | Context
እብራውያን 11:1-40 | 6 Helpful votes

እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ። ብእኣ እዩ ነቶም ዓበይቲ እተመስከረሎምዓለም ብቓል ኣምላኽ ከም እተፈጥረትከምኡውን እቲ ዚርኤ ኻብ ዘይርኤ ኸም ዝዀነብእምነት ነስተውዕሎ አሎና። ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበኣምላኽ ብናይ መባኡ ኺምስክረሉ ኸሎ፡ ጻድቕ ምዃኑ ብእኣ ተመስከረሉብምዉቱ ኸኣ ገና ብእኣ ገይሩ ይዛረብ አሎ። ሄኖክሞት ምእንቲ ኸይርኢብእምነት ገዓዘቅድሚ ምግዓዙ ንኣምላኽ ከም ዘስመረተመስኪሩሉ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞኣይተረኽበንብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ። ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረአየ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወብእኣ ገይሩ ንዓለም ኰነናነቲ ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀነኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዔኤብእምነት ተኣዘዘናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣንመሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። ሳራ እኳ ጊዜኣ ምስ ሐለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረአየቶዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት። ስለዚ ድማ ካብ ሓደ፡ ንሱውን ከም ምዉት ክነሱስ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ዘይቝጸር ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ዝምብዛሖም ተወልዱ። እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑብእምነት ሞቱ። እቶም ከምዚ ዚብሉ ኸኣ ሃገሮም ከም ዚደልዩየርእዩ አለዉ። ነታ ዝወጹላ ሃገር ሐሲቦም እንተ ዝዀኑስኪምለሱ ጊዜ ነይርዎምሕጂ ግና እትሐይሽ፡ ማለት ሰማያዊትይናፍቑ አለዉ፡ ስለዚ ድማ ኣምላኽከተማ ኣዳሊውሎም አሎ እሞ፡ ኣምላኾም ኪብሃል ብኣታቶም ኣይሐፍርን እዩ። ኣብርሃም ምስ ተፈተነብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ። እቲ ተስፋ እተቐበለ ነቲ፡ ብይስሃቅ ዘርኢ ኺጽወዓልካ እዩ፡ ተብሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮኣምላኽ ካብ ምዉታት ድማ ኬተንስኦ ኸም ዚከአሎ ሐሲቡ፡ ካብኡውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦይስሃቅ ብናይቲ ዚመጽእ ነገር ንያእቆብን ንኤሳውን ብእምነት ባረኾም። ያእቆብ ኪመውት ከሎ፡ ንደቂ ዮሴፍ ንነፍሲ ወከፎም ብእምነት መረቖም፡ ኣብ ኣንፊ በትሩ ተመርኵሱ ኸኣ ሰገደዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ ብዛዕባ ምውጻእ ደቂ እስራኤል ብእምነት ኣዘከረብዛዕባ ኣዕጽምቱውን ትእዛዝ ሃበ። ሙሴ ምስ ተወልደወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮምብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሐብእዎኣዋጅ እቲ ንጉስውን ኣይፈርሁንሙሴ ምስ ዓበየወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃልብእምነት ኣበየ እሞ፡ ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ፡ ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዓጊሱ ጸንዔ እሞ፡ ነቲ ዅራ ንጉስ ከይፈርሄብእምነት ንግብጺ ሐደጋ። እቲ በዅሪ ዜጥፍእ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቀርቦምብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ገበረ። ብእምነት ከም ብንቑጽ ምድሪ ገይሮም ንባሕሪ ኤርትራ ተሳገርዎግብጻውያን ግና ከምኡ ኺገብሩ ምስ ፈተኑተዋሕጡቀጽሪ ያሪኮ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎብእምነት ወደቐረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ እተቐበለቶምብእምነት ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍኤትን። እሞኸ ብዛዕባ እኒ ጊዴዎን፡ እኒ ባራቅ፡ እኒ ሳምሶን፡ እኒ ይፍታሄ፡ እኒ ዳዊትን ሳሙኤልን ነብያትን እንታይ ክብል እየ፧ ብዛዕባኦም ከየዘንትወልኩም ጊዜ ይሐጽረኒ እዩ። ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ሰዓሩጽድቂ ገበሩ፡ ነቲ ተስፋ እተገብሮ ረኸቡኣፍ ኣናብስ ዓጸዉንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፡ ካብ ስሕለት ኣስያፍ ደሐኑካብ ድኻም በርትዑ፡ ኣብ ውግእ ሐየሉንሰራዊት ኣህዛብ ኣህደምዎምኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦምካልኦትውን ተሰቀዩ እሞ፡ ዚሐይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ምሕረት ኣይደለዩንገሊኣቶም ድማ ብልግጫን ብመግረፍትን፡ ኣብ ልዕሊ እዚውን ብመቝሕን ማእሰርትን ተፈተኑ። ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙተፈተኑተሰይፎም ሞቱኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኺዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑጸበቦምሓሳረ መከራ ጸገቡ፡ ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ። ብጀካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ኸይበጽሑስኣምላኽ ብዛዕባና ዚሐይሽ ስለ ዝሐለየእዚኦም ኵላቶምብእምነት ተመስኪሩሎም ዘሎ፡ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን

Translation | Context
ዮሃንስ 5:24 | 4 Helpful votes

እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለአኸኒ ዚአምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 12:2 | 4 Helpful votes

እንሆ፡ ኣምላኽሲ ምድሓነይ እዩ፡ እእመን ኣይፈርህን ድማ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓይለይን መዝሙረይን እዩ እሞ፡ ንሱ ምድሓነይ ኰነ።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8 | 4 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።

Translation | Context
ማቴዎስ 17:20 | 3 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጎደለትብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስዚሰኣነኩም ውን የልቦን

Translation | Context
ሮሜ 1:17 | 3 Helpful votes

ከምቲ ጽሑፍጻድቕ ግና ብእምነት ይነብር፡ ዚብል፡ እቲ ጽድቂ ኣምላኽ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ ይገሃድ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 10:17 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 16:31 | 2 Helpful votes

ንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8-9 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።

Translation | Context
ያእቆብ 2:19 | 2 Helpful votes

ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን አሎኻጽቡቕ ገበርካኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም።

Translation | Context
ያእቆብ 2:14-26 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብእምነት ኣላትኒእንተ በለግብሪ ግና ካብ ዘይትህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱሙቑጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕምከምኡ ኸኣ እምነትግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ። ግናኸ ሓደ ሰብ ግዳ፡ ንስኻ እምነት ኣላትካኣነ ኸኣ ግብሪ አሎኒ፡ ይብል ይኸውን። እምብኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒኣነውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ። ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን አሎኻጽቡቕ ገበርካኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም። ግናኸ፡ ኣታ ከንቱ ሰብእምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦብግብሩ ኣይጸደቐንእምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመትትርኢ አሎኻ። እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉዚብል ጽሑፍ ተፈጸመፍቁር ኣምላኽውን ተባህለሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነትርእዩ አሎኹም። ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶምብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶምብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧ እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።

Translation | Context
ገላትያ 2:16 | 2 Helpful votes

ሰብ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ እምበር፡ ብግብሪ ሕጊ ኸም ዘይጸድቕ ካብ ፈለጥና ግና፡ ኵሉ ስጋ ብግብሪ ሕጊ ዘይጸድቕ ስለ ዝዀነ፡ ንሕና ኸኣ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ ብእምነት ብክርስቶስ ምእንቲ ኽንጸስቕ ብክርስቶስ የሱስ ኣመንና።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:24 | 2 Helpful votes

ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩምብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም እሞስለዚ እየ፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም።

Translation | Context
ሮሜ 5:1 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና።

Translation | Context
ሉቃስ 8:41-50 | 2 Helpful votes

እንሆ ኸኣ፡ ያኢሮስ ዝስሙ ሰብኣይ መጸ፡ ንሱ ድማ መራሕ ቤት ጸሎት እዩ። ኣብ እግሪ የሱስ ወዲቑ ናብ ቤቱ ኺአቱ ለመኖሓንቲ ጓል ጥራይ፡ ንሳ ኸኣ ጓል ዓሰርተው ክልተ ዓመት እትኸውንነበረቶንሳ ንሞት ቀሪባ ነበረትኪኸይድ ከሎ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ይደፍእዎ ነበሩ። እንሃ፡ ካብ ዓሰረተው ክልተ ዓመት ሒዛ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ኵሉ ገንዘባ ንሓኪማት ወድኤት፡ ግናኸ ሓደ እኳ ኺፍውሳ ኣይከኣለንብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየትብኡብኡ እቲ ምኽዓው ደማ ኣቋረጸየሱስ ከኣ፥ መን እዩ ዝተንከየኒበለኵሎምኣይፋልናን፡ ምስ በሉጴጥሮስ ምስቶም ምስኡ ዘልዉ ዀይኑመምህር፡ እዞም ህዝቢ ይደፍኡኻን ይጸቕቱኻን አለዉ፡ ንስኻ ድማ፥ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ ትብል፡ በሎየሱስ ግና፥ ካባይ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ይፍለጠኒ አሎ እሞ፡ ዝተንከየንስ አሎበሎእታ ሰበይቲ ድማ ከም ዘይተሓብኤት ምስ ረአየትራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ህዝቢ ድማ፡ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝተንከየቶ፡ ሽዑ ንሽዑውን ከም ዝሐወየትነገረቶ። ንሱ ኸኣ፥ ኣጆኺ ጓለይእምነትኪ ኣሕወየትኪብሰላም ኪዲበላ። ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎሓደ ኻብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎትጓልካ ሞይታ፡ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ፡ እናበለ መጸየሱስ ሰሚዑኣይትፍራህእመን ደኣ እሞ ክትሐዊ እያ፡ ኢሉ መለሰሉ

Translation | Context