Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

falling away


1ይ ጢሞቴዎስ 4:1 | 14 Helpful votes

በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶምንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ።

Translation | Context
እብራውያን 6:4-6 | 13 Helpful votes

ነቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን ዝበርሃሎም እቲ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ዝጠዓሙተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስውን ዝዀኑ፡ እቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ እታ እትመጽእ ዓለምን ከኣ ዝጠዓሙ፡ እንተ ወደቑንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዚሰቕልዎ ብግሁዶውን ዜላግጹሉ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ብሓድሽ ንንስሓ ኺሕደሱ ኣይከአሎምን እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 11:3 | 10 Helpful votes

ግናኸ ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሐታ፡ ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጠፍእ እፈርህ አሎኹ።

Translation | Context
ራእይ 2:4-5 | 9 Helpful votes

ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ ኣሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ። እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮእንተ ዘይኰነስ ክመጸካእንተ ዘይተነሳሕካውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ

Translation | Context
እብራውያን 3:12-19 | 9 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተየሎሚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዓዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዓሸዎ ኸይተርር እሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህሉተጠንቀቑ። ነታ መጀመርታ እሙንቶና ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሓዝናያስተማቐልቲ ክርስቶስ ኴንና አሎና። ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩምከምቲ ብነድሪ ልብኹም ኣይተትርሩእናተባህለሰሚዖም ዘነደርዎኸ ኣየኖት እዮም፧ እቶም ሙሴ መሪሕዎም ካብ ግብጺ ዝወጹ ዅላቶም ደይኰኑንንንመንከ እዩ ኣርብዓ ዓመት ዝዀረየሎምነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ ሬሳኦም ኣብ በረኻ ዝወደቐ ደይኰነን፧ ንንመንከ እዩ ኣብ ዕረፍቱ ኸይኣትዉ ዝመሐለ፧ ነቶም ዘይተኣዘዙ ደይኰነን፧ ብሰሪ ዘይምእማን ኪኣትዉ ኸም ዘይከኣሉውንንርኢ አሎና።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 2:20-22 | 7 Helpful votes

ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ካብታ ርኽሰት ዓለም ኣምሊጦም፡ ከም ብሓድሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ፡ ካብ ቀዳማዮምሲ ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዚኸውን። ማለት፡ ንሳቶም እናፈለጥዋ ኻብቲ እተዋህቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዚምለሱስ፡ ነታ መገዲ ጽድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሔሾም ነይሩከምቲ እቲ ምስላ ሓቂከልቢ ናብ ትፍኡ ተመልሰሓሰማውን ተሐጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት፡ ዚብሎ በጺሕዎም አሎ።

Translation | Context
ሮሜ 11:19-22 | 7 Helpful votes

ምናልባሽ ንስካ፡ ኣና ምእንቲ ኽትከል እዮም እቶም ጨነፍር እተሰብሩትብል ትኸውን። ጽቡቕ፡ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፡ ንስኻ ግና ሳላ ዝኣመንካ ደው ኢልካ አሎኻ። ፍራህ ደኣ እምበር ብልብኻ ኣይትተዓበኣምላኽ ነቶም ካብ ባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ኻብ ዘይነሐፎምንዓኻውን ኣይኪንሕፈካን እዩ። እምብኣርሲ ናይ ኣምላኽ ለውሃትን ጭከናን ተመልከት፡ ኣብቶም ዝወደቑ ጭከናኡ፡ ንኣኻ ግና፡ ኣብቲ ለውሃቱ እንተጸናዕካ፡ ለውሃት ኣምላኽ። እንተ ዘይኰነስ ንስኻውን ክትቁረጽ ኢኻ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:10-13 | 5 Helpful votes

ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃህቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ።

Translation | Context
ራእይ 3:11 | 4 Helpful votes

ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ። ሓደ እኳ ኣኽሊልካ ኸይዝርፈካስነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሐዞ

Translation | Context
ያእቆብ 1:12 | 4 Helpful votes

ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:16 | 3 Helpful votes

ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰሞዑኻን ከተድሕን ኢኻ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:19-20 | 3 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ዘምበለሓደ ኸኣ እንተ መለሶ፡ እቲ ንሓጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዚመልሶንነፍሱ ኻብ ሞት ከም ዜድሕንብዝሒ ሓጢኣትውን ከም ዝኸድንይፍለጥ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 9:27 | 2 Helpful votes

ንኻልኦት እናሰበኽኩ፡ ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:1-51 | 2 Helpful votes

የሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኸደ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ግና መሊሱ፡ እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ አሎኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎምእዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ ቐረቡየሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ። ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህብኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃህቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ። እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ። እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ - ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘለዉ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይሌኤን። ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን። ሽዑ ገለ፡ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ፡ እንተ በለኩምኣይትእመንዎ። ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕቱዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። እንሆኣቐዲመ ነገርኩኹምእንሆ፡ ኣብ በረኻ አሎ፡ እንተ በሉኹምኣይትውጽኡ። እንሆ ኣብ ቤት አሎ እንተበሉኹምውን ኣይትእመኑበርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኺእከቡ እዮም። ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምትወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም። ንመላእኽቱ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም። ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩጨነፍራ ምስ ለምለመቈጽላውን ምስ ጠጥዔክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡእዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ሰማይን ምድርን ኪሐልፍቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑመላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡ ማይ ኣይሂ መጺኡንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡንምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን፡ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ። ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። ግናኸ ፍለጡበዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ። እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡጐይታይ ይድንጕ እዩ፡ እንተ በለ፡ ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር፡ ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትንጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ ብዘይፈላጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ። ኣብ ክልተ ኺጭንድሖዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 4:9-10 | 2 Helpful votes

ቀልጢፍካ ናባይ ክትመጽእ ፍጠንዴማስ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈትይዋ እዩ እሞ፡ ሐደገኒ ናብ ተሰሎንቄውን ከደክሬስኬስ ናብ ገላትያቲቶስ ናብ ደልማይታ ኸዱ።

Translation | Context