Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

false prophets


1ይ ዮሃንስ 4:1-6 | 10 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነንእዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ፡ ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም አሎ። ኣቱም ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም አሎኹም። ንሳቶምሲ ኻብ ዓለም እዮም፡ ስለዚ ኻብ ዓለም ይዛረቡ አለዉ፡ ዓለምውን ትሰምዖም አላ። ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓናእቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ስሕተትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 8 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ

Translation | Context
ማቴዎስ 7:15 | 7 Helpful votes

ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 2:1 | 6 Helpful votes

ግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:24 | 5 Helpful votes

ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕቱዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም።

Translation | Context
ማርቆስ 7:6-9 | 4 Helpful votes

ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኣቱም ግቡዛትከምቲ ጽሑፍ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሃሩብከንቱ እዮም ዜምልኹኒ ዚብል፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ ተነበየትእዛዝ ኣምላኽ ሐዲግኩምስርዓት ሰብ ትሕልዉ አሎኹም፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮንብዙሕ ካልእ ድማ ነዚ ዚመስልን ትገብሩ አሎኹም። ስርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስኩምሲ ጽቡቕ ደኣ።

Translation | Context
ሮሜ 16:18 | 4 Helpful votes

ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎምእምዕደኩም አሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎንብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ

Translation | Context
ዘዳግም 18:20 | 3 Helpful votes

እቲ ብድፍረቱ ብስመይ ዘይኣዘዝክዎ ቓል ዚዛረብ ነብዪ፡ ወይ ብስም ካልኦት ኣማልኽቲ ዚዛረብ፡ እቲ ነብዪ እቲ ይሙት

Translation | Context
ዘዳግም 18:20-22 | 3 Helpful votes

እቲ ብድፍረቱ ብስመይ ዘይኣዘዝክዎ ቓል ዚዛረብ ነብዪ፡ ወይ ብስም ካልኦት ኣማልኽቲ ዚዛረብ፡ እቲ ነብዪ እቲ ይሙትብልብኻ ድማ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ከመይ ጌርና ንፈልጦ፡ እንተ በልካ፡ እቲ ነብዪ ብስም እግዚኣብሄር ምስ ተዛረቦእቲ ነገር እንተ ዘይኰነ፡ እንተ ዘይመጸ፡ እዚ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ምዃኑ ምልክት ይኹንካ። እዚ እቲ ነብዪ ብድፍረት እተዛረቦ እዩ፡ ኣይትፍርሃዮ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 11:13-15 | 2 Helpful votes

ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶትዚጥብሩ ዓየይቲርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም። ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ። ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልግልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉዓብዪ ነገር ኣይኰነንመወዳእታኦም ግና ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:21 | 2 Helpful votes

ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይጐይታይዚብለኒ ዅሉመንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 14:33 | 2 Helpful votes

ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም።

Translation | Context
ራእይ 20:10 | 2 Helpful votes

እቲ ዘስሐቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም።

Translation | Context
ኤርምያስ 23:26 | 2 Helpful votes

እዝስ ኣብ ልቢ እቶም ሓሶት ዚንበዩ ነብያትነብያት ጥበራ ልቦምክሳዕ መኣዝ ኪጸንሕ እዩ፧

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 4:3 | 2 Helpful votes

ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕክትገንሕክትቀጽዕክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ።

Translation | Context
ራእይ 2:2 | 2 Helpful votes

ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻንነቶም እኩያት ሰባትውን ክትጾሮም ከም ዘይከኣልካንነቶም ሃዋርያት ኢና ዚብሉ እሞ ዘይኰኑተዐዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮምንእፈልጥ አሎኹ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 2:3 | 2 Helpful votes

ብስስዔ ብዘረባ ጥበራ ገይሮም፡ መናገዲ ኺገብሩኹም እዮም፡ ፍርዶም ካብ ቀደም ኣይዐርፍን ጥፍኣቶምውን ኣይድቅስን እዩ።

Translation | Context