Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

29 bible verses about

familiar spirits


ዘሌዋውያን 19:31 | 8 Helpful votes

ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ

Translation | Context
ኢሳይያስ 8:19 | 5 Helpful votes

ነቶም ብሕሽዂሽዂን ብሰላሕ ላሕን ዚዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ፡ እንተ በሉኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ህዝቢዶ ንኣምላኹ ኣይሐትትን፡ ብዛዕባ ህያዋንሲ ንምውታትዶ ይሐትት እዩ፧ ኢልኩም ምለሱሎም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 19:3 | 5 Helpful votes

መንፈስ ግብጺ ኣብ ውሽጡ ጥራዩ ኪኸውን እዩ፡ ንምኽሩ ድማ ከንቱ ኽገብሮ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ንጣኦታትን ነስማተኛታትን ንጠንቈልትን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ኪሐቱ እዮም።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:6 | 5 Helpful votes

ናብቶም መናፍስቲ ጥንቈላ ዘለውዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ብምንዝርና ኽትስዕቦም ኢላ እትምለስ ነፍሲ፡ ኣነ ገጸይ ናብታ ነፍሲ እቲኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ መንጎ ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 16:16-18 | 4 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና። ንሳ ኸኣ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ባሮት ልዑል ኣምላኽ እዮም፡ መገዲ ምድሓን ከኣ ይምህሩኹም አለዉ፡ ኢላ እናጨደረት፡ ኣስኣሰር ጳውሎስን ኣስኣሰርናን ሰዐበት። ከምዚ እናበለት ከኣ፡ ብዙሕ መዓልቲ ገበረትጳውሎስ ድማ ጒህዩግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስካብኣ ኽትወጽእብስም የሱስ እእዝዘካ አሎኹ፡ በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወጸ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 33:6 | 4 Helpful votes

ንሱ ኣብ ወዲ ሂኖም ንደቁ ብሓዊ ኣሕለፎም፡ ብደበና ብተመን ገይሩ ድማ ይፈልጥ ነበረ፡ ኣስማት ይገብርን ይጥንቊልን ነበረመንፈስ ጠንቈላ ዘለዎምን መውደቕቲ ዛዕጐልን ድማ ኣከበ፡ ምእንቲ ኬዀርዮ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፉእ ገበረ

Translation | Context
ዘዳግም 18:10 | 4 Helpful votes

ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ

Translation | Context
2ይ ነገስት 23:24 | 4 Helpful votes

ዮስያስ ድማ ቃላት እቲ ኣብቲ ኻህን ሒልቂያ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝረኸቦ መጽሓፍ ተጽሒፉ ዘሎ ሕጊ ምእንቲ ኬቕውም ኢሉ፡ ነቶም መናፍስቲ ዚሐቱን ንጠንቈልትን ንኣማልኽቲ ቤትን ንጣኦታትን ኲሉ እቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ንእተራእየ ጽያፋትን ኣደዶ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:27 | 3 Helpful votes

ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ መንፈስ ጥንቈላ እንተለዎ፡ ወይ መውደቕ ዛዕጐል እንተ ዀነ፡ ሞት ይሙትብዳርባ እምኒ ይቕተልዎም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

Translation | Context
ገላትያ 5:20 | 3 Helpful votes

ኣምልኾ ጣኦትጥንቈላጽልኢባእሲቅንኢቍጥዓሻራምፍልላይዝርግርግ

Translation | Context
ራእይ 21:8 | 3 Helpful votes

እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 21:6 | 3 Helpful votes

ንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎብደበናን ብተመንን ገይሩ ድማ ይጥንቊል ነበረ፡ መናፍስቲ ዚሐቱን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ከኣ ገበረ። ምእንቲ ኬዀርዮስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፋእ ገበረ

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 28:3-25 | 3 Helpful votes

ሳሙኤል ድማ ሞይቱ ነበረ፡ ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ኣልቂሶምሉስ፡ ኣብታ ኸተማኡ ኣብ ራማ ቐቢሮምዎ ነበሩ። ሳኦል ድማ መንፈስ ጥንቈላ ንዘለዎምን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ካብታ ሃገር ሰጒጕዎም ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ከቲቶም መጺኦም፡ ኣብ ሹኔም ሰፈሩሳኦል ድማ ንብዘሎ እስራኤል ኣኽተተ፡ ኣብ ጊልቦዓ ኸኣ ሰፈሩ። ሳኦል ድማ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ምስ ረአዮ ፈርሄልቡ ኸኣ ኣዝዩ ተሸበረሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ፡ እግዚኣብሄር ግና ብሕልምታት ኰነ፡ ብኡሪም ኰነ፡ ብነብያት ኰነ ኣይመለሰሉን። ሽዑ ሳኦል ንገላዉኡ፡ ናብኣ ኸይደ ኽጥይቓስመንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ ድለዩለይበሎም። እቶም ገላዉኡ ኸኣ፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ እንሃ፡ ኣብ ዔን-ዶር አላ፡ በልዎ። ሳኦል ድማ ትርኢቱ ለዊጡ ኻልእ ክዳን ተኸዲኑ፡ ንሱ ኽልተ ሰባትውን ምስኡ ዀይኖም ብለይቲ ናብታ ሰበይቲ መጹ፡ በጃኺ ብመንፈስ ጥንቈላ ጌርኪ ጠንቍልለይ፡ ነቲ ኣነ ዝብለኪ ኸኣ ኣተንስእለይበላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ሳኦል ዝገበሮ፡ ነቶም መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ካብዛ ሃገር ከም ዘጽነቶም፡ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ፡ ስለምንታይከ ኸተቕትለኒ ኢልካ መጻወድያ ትገብረለይ፧ በለቶሳኦል ድማ፡ በዚ ነገር እዝስ ገለ ቕጽዓት እኳ ኸም ዘይረኸበኪህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለላ። ሽዑ እታ ሰበይቲ፡ ንመንከ ኸተንስአልካበለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ንሳሙኤል አተንስእለይበላ። እታ ሰበይቲ ድማ ንሳሙኤል ምስ ረአየቶ፡ እታ ሰበይቲ ንሳኦል፡ ንስኻ ሳኦል ክነስኻ ደኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ ዝጠበርካኒኢላ ዓው ኢላ ጨደረት። እቲ ንጉስ ከኣ፡ ኣይትፍርሂ፡ እንታይ ግዳ ትርእዪ ኣሎኺ፡ በለ። እታ ሰበይቲ ድማ ንሳኦል፡ ሓደ ኣምላኽ ካብ ምድሪ ኺወጽእ እርኢ አሎኹ፡ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ትርኢቱኸ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ በላ። ንሳ ድማ፡ ባርኖስ እተኸድነ ኣረጊት ሰብአይ ይወጽእ አሎ፡ በለት። ሽዑ ሳኦል፡ ንሱ ሳሙኤል ምዃኑ ፈሊጡብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደሳሙኤል ድማ ንሳኦል፡ ስለምንታይ ኢኻ ኸተተንስኣኒ ዘዕገርገርካኒበሎሳኦል ከኣ፡ ኣነ ኣዝዩ ጸቢቡኒ አሎ፡ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡኒ አለዉ፡ እግዚኣብሄር ድማ ረሐቐኒብነብያት ኰነ፡ ብሕልምታት ኰነ ኣይመልሰለይን፡ ስለዚ ኸኣ እቲ ዝገብሮ ኽትነግረኒ ኢለ ጸዋዕኩኻ፡ በሎ። ሳሙኤል ድማ በለእግዚኣብሄር ካብ ረሐቐካ ጸላኢኻውን ካብ ኰነ ደኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ እትጥይቐኒእግዚኣብሄርሲ ከምቲ ብኣይ እተዛረቦ ገበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድካ መንጢሉ ንብጻይካ ንዳዊት ሂብዎ እዩ። ነቲ ቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕካን፡ ከምቲ ንዱድ ኵራኡ ድማ ኣብ ኣማሌቅ ስለ ዘይገበርካንስለዚ እግዚኣብሄር በዛ መዓልቲ እዚአ እዚ ነገር እዚ ገበረካእግዚኣብሄር ንእስራኤል ከኣ ምሳኻ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኺህበኩም እዩ። ጽባሕ ድማ ንስኻን ደቅኻን ምሳይ ክትኰኑ ኢኹም። ንሰራዊት እስራኤልውን እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ። ሽዑ ሳኦል በቲ ዘረባ ሳሙኤል ኣዝዩ ፈሪሁብኡብኡ ብምሉእ ቊመቱ ናብ ምድሪ ወደቐ፡ ምልእቲ መዓልትን ምልእቲ ለይትን ከኣ እንጌራ ኣይበልዔን እሞ፡ ገለ ሓይሊ እኳ ኣይነበሮን። እታ ሰበይቲ ድማ ናብ ሳኦል መጺአኣዝዩ ከም ዝሰምበደ ርእያ፡ እንሆ፡ ገረድካ ቓልካ ሰሚዓነፍሰይ ከኣ ኣብ ኢደይ ኣንቢረ እቲ ዝበልካኒ ዘረባ ተአዘዝኩ። ሕጂ ኸኣ በጃኻ፡ ንስኻ ዘረባ ገረድካ ስማዕመገዲ ኽትከይድ ከሎኻ፡ ምእንቲ ሓይሊ ኽትረክብሲ፡ ቊራስ እንጌራ ኣብ ቅድሜኻ ኸንብረልካ ብላዕ፡ በለቶ። ንሱ ግና፡ ኣይበልዕንኢሉ ኣበየ። ሽዑ እቶም ገላዉኡ፡ ምስታ ሰበይቲ ዀይኖም ግዲ በልዎ። ቃሎም ሰሚዑ ኸኣ፡ ካብ ምድሪ ተንሲኡ፡ ኣብ ዓራት ተቐመጠ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ስቡሕ ብተይ ነበራ፡ ተቐላጢፋ ድማ ሐረደቶሓርጭ ወሲዳ ኸኣ ኣቘምጢዓ ቕጫ ሰንከተት። ኣብ ቅድሚ ሳኦል ኣብ ቅድሚ ገላዉኡን ቀረበትሎም፡ ንሳቶም ከኣ በሊዖም ተንስኡ፡ በታ ለይቲ እቲአውን ከዱ

Translation | Context
ራእይ 22:15 | 3 Helpful votes

እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመናዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም።

Translation | Context
ዘዳግም 18:14 | 3 Helpful votes

እቶም ንስኻ እትወርሶም ህዝብታት፡ ነቶም ብደበና ዚፈልጡን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ይሰምዑ፡ ንኣኻ ግን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ዝበለ ኣይፈቐደልካን

Translation | Context
ዳንኤል 2:27 | 2 Helpful votes

ዳንኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ ነዛ ንጉስ ዙሐተላ ዘሎኢ ምስጢርስ እቶም ጠቡባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን ንንጉስ ኪነግርዎ ኣይኽኣሉን እዮም፣ ኢለ መለሰ

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 10:13 | 2 Helpful votes

ሳኦል ከኣ ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላውን ነታ ጠንቋሊት ምኽሪ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ብዝበደሎ በደል ሞተ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 16:16 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና

Translation | Context
ናሆም 3:4 | 2 Helpful votes

እዚ ኸኣ ብሰሪ እቲ ብዝሒ ምንዝርና ናይታ ንህዝብታት ብምንዝርናንዐሌታት ከኣ ብጠንቈላ እትሸይጥ መልክዔኛ ኣመንዝራ፣ ፈላጥ ተንቋሊት እዩ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 9:22 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ዮራም ንየሁ ምስ ረአዮየሁደሓን ዲኻበለ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ናይ ኣዴኻ ኢዛቤል ምንዝርናን እቲ ብዙሕ ኣስማታን ክሳዕ ዘሎእንታይ ደሓኑ እዩ፧ በለ

Translation | Context
ኤርምያስ 1:1-19 | 2 Helpful votes

ኤርምያስ ወዲ ህልቅያ፡ ካብ ዓሌት እቶም ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዝነበሩ ኻህናት እተናገሮ ቓል። ናብኡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ግዝኣት ዮስያስወዲ ኣሞን ንጉስ ይሁዳቃል እግዚኣብሄር መጸ። ከምኡውን ብዘመን ዮኣቂምወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ እታ መወዳእታ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት ግዝኣት ጼድቅያስወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ ነቲ የሩሳሌም እተማረኸትሉ ኣብ ሓምሳይ ወርሒ መጾ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ እሞ፡ ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ። ኣነ ድማ፡ ኣይ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ገና ቘልዓ እየ እሞ፡ እንሆ፡ ክዛረብ ኣይክእልን እየ፡ በልኩእግዚኣብሄር ግና በለኒ፡ ናብ ዝልእከካ ዂሉ ኺድ፡ እቲ ዝእዝዘካ ዂሉ ድማ ተዛረብ እምበር፡ ቈልዓ እየ ኣይትበል። ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮምይብል እግዚኣብሄርእግዚኣብሄር ከኣ ኢዱ ዘርግሔ እሞ ኣፈይ ተንከየ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኤንብር አሎኹርኤሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስትታትን ክትምንቊስን ከተፍርስን ከተዖኑን ከተጥፍእን ክትነድቕን ክትተክልን ኣቚመካ እየ፡ በለኒ። ድሕሪ እዚውን፡ ኣታ ኤርምያስ፡ እንታይ ትርኢ አሎኻ፧ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ። ኣነ ድማ፡ ጨንፈር ኦም ለውዚ እርኢ አሎኹ፡ በልኩእግዚኣብሄር ከኣ፡ ንቓለይ ክተግሃሉን ከም ዚፍጸም ክገብሮን እየ እሞ፡ ጽቡቕ ርኢኻበለኒቃል እግዚኣብሄር ድማ ካልኣይ ጊዜ ናባይ መጺኡ፡ እንታይ ትርኢ አሎኻ፧ በለኒ። ኣነውን፡ ገጹ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዚፈልሕ ድስቲ እርኢ አሎኹ፡ በልኩ። ሽዑ እግዚኣብሄር በለኒሕሰም ካብ ሰሜን ናብቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዂሎም ኪፍኖ እዩ። እንሆ፡ ናይ ሰሜን መንግስትታት ዓሌት ኲሎም ክጽውዕ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ንሳቶም ከኣ መጺኦም ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣፍ ደጌታት የሩሳሌምን ኣብቲ ኸባቢኣ ዘሎ ዂሉ ቕጽርን ኣብ ዂለን ከተማታት ይሁዳን መመንበሮም ኬንብሩ እዮም። ብሰሪ ዂሉ ኽፍኣቶም ንኣይ ስለ ዝሐደጉን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ስለ ዝዐጠኑን ንግብሪ ኢዶም ስለ ዝሰገዱንፍርደይ ክነግሮም እየ። እምበኣርሲ ንስኻ ሕቜኻ ተዐጠቕተንስእ እሞ እቲ ኣነ ዝእዝዘካ ዂሉ ንገሮም። ኣነ ኣብ ቅድሚኦም ፈራህ ከይገብረካስ፡ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይትፍራህ። እንሆ፡ ኣነ ንዂሉ ምድርን ንነገስታት ይሁዳን ንሹማምታን ንኻህናታን ንህዝቢ ሃገራን ከም እተዐርደት ከተማን ከም ዓንዲ ሓጺንን ከም ቀጽሪ ኣስራዝን ገይረ ሎም ኣቚመካ እየ። ኪዋግኡኻ እዮም፡ ግናኸ ምእንቲ ኸናግፈካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ዘዳግም 18:11 | 2 Helpful votes

ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ።

Translation | Context
ራእይ 18:23 | 2 Helpful votes

ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፡ ኵሎም ኣህዛብ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ብርሃን ቀንዴል ከቶ ኣይኪበርህን እዩ፡ ድሪ ደጊምሲ ኣባኺ ድምጺ መርዓዊ ድምጺ መርዓትውን ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 8:9 | 2 Helpful votes

ስምኦን ዚብሀል ጠንቋሊ ሰብኣይ ግና ካብ ቀደም ሒዙ ኣብታ ኸተማ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ዓብዪ እየ ብምባሉ ንህዝቢ ሰማርያ የስተንክሮም ነበረ።

Translation | Context
ዘዳግም 18:10-12 | 2 Helpful votes

ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም

Translation | Context
ዘዳግም 18:9-14 | 2 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን። እቶም ንስኻ እትወርሶም ህዝብታት፡ ነቶም ብደበና ዚፈልጡን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ይሰምዑ፡ ንኣኻ ግን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ዝበለ ኣይፈቐደልካን

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 19:19 | 2 Helpful votes

ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዂሉ ኣንደድዎዋጋኡ እንተ ተጸብጸበ ኸኣ፡ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኰይኑ ተረኽበ

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 10:13-14 | 2 Helpful votes

ሳኦል ከኣ ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላውን ነታ ጠንቋሊት ምኽሪ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ብዝበደሎ በደል ሞተንእግዚኣብሄር ኣይጠየቐን፡ ስለዚ ቐተሎ፡ ነታ መንግስቲ ኸኣ ናብ ዳዊት ወዲ እሴይ ኣዛወራ

Translation | Context
ሮሜ 1:1-32 | 2 Helpful votes

ጳውሎስ ባርያ የሱስ ክርስቶስሃዋርያ ኪኸውን እተጸውዔንወንጌል ኣምላኽ እተፈልየ፡ ኣቐዲሙ ብነብያቱ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘተስፈዎብዛዕባ ወዱብስጋ ኻብ ዘርኢ ዳዊት እተወልደ፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ ካብ ምዉታት ብምትንሳኡብመንፈስ ቅዱስና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ እተጋህደ፡ ስለ ስሙ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ምእዛዝ እምነት ክንተክል፡ ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን እተቐበልና፡ ንስኻትኩም ከኣ ምሳታቶም ጽዉዓት የሱስ ክርስቶስ ኢኹም፡ ኣብ ሮሜ ንዘሎኹም ጽዉዓትን ቅዱሳንን ፍቁራት ኣምላኽ ኲላትኩም። ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይሃሉኹም። እምነትኩም ኣብ ኲላ ዓለም ስለ እተወርየትቅድሚ ዂሉ ብዛዕባ ዂላትኩም ንኣምላኸይ ብየሱስ ክርስቶስ ኤመስግኖ አሎኹ። ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩምክርእየኩም እናፍቕ አሎኹ፡ ማለት፡ በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት፡ - ናትኩምን ናተይን፡ ኣባኹምን ምሳኹምን፡ - ምእንቲ ኽንጸናናዕሲ፡ ብዘይ ምቊራጽ ከም ዝሐስበኩምብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰለጠንስ፡ ብገለ መገዲ ኣብ መወዳእታ ናባኻትኩም ክመጽእብጸሎተይ ኲሉ ሳዕ ከም ዝልምን፡ እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ። ኣቱም ኣሕዋተይከምቲ ኣብቶም ካልኦት ኣህዛብኣባኻትኩምውን ፍረ ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም ንምምጻእ፡ ምኽረይ ከም ዝቘረጽኩ፡ ክሳዕ ሕጂ ግና ከም እተኸልከልኩ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ። ንጽርኣውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን ንለባማትን ንዓያሱን ዕዳ አሎኒ። ስለዚ ብናይ ርእሰይሲ ኣብ ሮሜ ንዘሎኹምውን ወንጌል ክሰብከልኩም ተዳልየ አሎኹ። ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊንዚኣምን ዘበለ ዂሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ። ከምቲ ጽሑፍጻድቕ ግና ብእምነት ይነብር፡ ዚብል፡ እቲ ጽድቂ ኣምላኽ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ ይገሃድ እዩ። ቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ። ኣምላኽ ገሊጹሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ፡ ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩእዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ። ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ። ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜንንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉንኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም። ስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦምደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ። ከምቲ ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዘየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሀቦምዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስስዔ፡ ክፍኣት ዝመልኦምምሉኣት ቅንኣትቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰልእከይ፡ መሕሸዂሸዂቲ፡ ሓመይቲኣብ ኣምላኽ ጽሉኣትገፋዕቲኲሩዓትተዘሃርቲተጣበብቲ እከይንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ደናቚርቲ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዜብሎም፡ ዘይድንግጹ፡ እዚኣቶም፡ ነቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም፡ ነቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እናፈለጥዎ ኽነሶምሲ፡ ምስቶም ዚገብርዎ ድማ ይሰምሩ አለዉ እምበር፡ ዚገብርዎ ጥራይ ኣይኰኑን።

Translation | Context