Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

family divided


ሉቃስ 12:51-53 | 23 Helpful votes

ናብ ምድሪዶ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ይመስለኩም አሎ፧ ምፍልላይ ደኣ እምበር፡ ኣይኰነንእብለኩም አሎኹ። ካብ ሕጂ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተ ዀኑሰለስተ ኻብ ክልተ፡ ክልተ ድማ ካብ ሰለሰተ ኪፋላለዩ እዮም። ኣቦ ኻብ ወዱወዲውን ካብ ኣቦኡኣደ ኻብ ጓላጓላውን ካብ ኣዲኣሓማት ካብ መርዓት ወዳ፡ መርዓት ወዲውን ካብ ሓማታ ኺፋላለዩ እዮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:34 | 9 Helpful votes

ናብ ምድሪ ዕርቂ ኸምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰይፊ ደኣ እምበር፡ ዕርቂ ከምጽእ ኣይመጻእኩን።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:35-37 | 8 Helpful votes

ወዲ ኻብ ኣቦኡጓል ካብ ኣዲኣመርዓት ካብ ሓማታ ደኣ ኽፈሊ መጻእኩ እምበር፡ ንሰብ እቶም ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም። እቲ ኻባይ ንቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ

Translation | Context
ቲቶስ 3:3-7 | 8 Helpful votes

ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱዘይእዙዛትግጉያትንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእናብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና። እቲ ናይ መድሓኒና፡ ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕሩ ንሰብን ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሱ ብምሕረት ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነንብጸጋኡ ጸዲቕናብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ

Translation | Context
ሚክያስ 7:6 | 8 Helpful votes

ወዲ ነቦኡ ይንዕቖጓል ኣብ ልዕሊ ኣዲኣመርዓት ከኣ ኣብ ልዕሊ ሓማት ይለዐላንሰብ ጸላእቱ ቤተ ሰቡ ዀይኖም እዮም እሞ፣ ንብጻይ ኣይትእመንዎ፣ ብፈታዊ ድማ ኣይትተአመኑ፣ ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ሕቝፍኻ እትዐርፍውን ደገ ኣፍካ ሐሉ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:8 | 7 Helpful votes

ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:49-56 | 6 Helpful votes

ናብ ምድሪ ሓዊ ኽድርቢ እየ ዝመጻእኩ፡ ሕጅስ ብጀካ ምንዳዱ እንታይ እደሊ ኣሊኹ፧ ዝጥመቓ ጥምቀት ግና ኣላትኒክሳዕ እትፍጸምሲ ኸመይከ ዘይትጸበኒ። ናብ ምድሪዶ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ይመስለኩም አሎ፧ ምፍልላይ ደኣ እምበር፡ ኣይኰነንእብለኩም አሎኹ። ካብ ሕጂ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተ ዀኑሰለስተ ኻብ ክልተ፡ ክልተ ድማ ካብ ሰለሰተ ኪፋላለዩ እዮም። ኣቦ ኻብ ወዱወዲውን ካብ ኣቦኡኣደ ኻብ ጓላጓላውን ካብ ኣዲኣሓማት ካብ መርዓት ወዳ፡ መርዓት ወዲውን ካብ ሓማታ ኺፋላለዩ እዮም። ነቶም ህዝቢ ድማ በሎም፡ ደበና ኻብ ምዕራብ ኪዳባኖ ኸሎ ምስ ርኤኹምሽዑዝናብ ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ ኢኹም፡ ከምኡ ኸኣ ይኸውንንፋስ ደቡብ ኪነፍስ ምስ ርኤኹምውን፥ ሃሩር ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ፡ ከምኡ ድማ ይኸውን። ኣቱም ግቡዛትምምርማር ገጽ ሰማይን ምድርን ትፈልጡ፡ ከመይ ደኣ ነዚ ዘመን እዝስ ዘይትምርምርዎ

Translation | Context
ማቴዎስ 10:35 | 5 Helpful votes

ወዲ ኻብ ኣቦኡጓል ካብ ኣዲኣመርዓት ካብ ሓማታ ደኣ ኽፈሊ መጻእኩ እምበር፡

Translation | Context
ሉቃስ 12:49-53 | 4 Helpful votes

ናብ ምድሪ ሓዊ ኽድርቢ እየ ዝመጻእኩ፡ ሕጅስ ብጀካ ምንዳዱ እንታይ እደሊ ኣሊኹ፧ ዝጥመቓ ጥምቀት ግና ኣላትኒክሳዕ እትፍጸምሲ ኸመይከ ዘይትጸበኒ። ናብ ምድሪዶ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ይመስለኩም አሎ፧ ምፍልላይ ደኣ እምበር፡ ኣይኰነንእብለኩም አሎኹ። ካብ ሕጂ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተ ዀኑሰለስተ ኻብ ክልተ፡ ክልተ ድማ ካብ ሰለሰተ ኪፋላለዩ እዮም። ኣቦ ኻብ ወዱወዲውን ካብ ኣቦኡኣደ ኻብ ጓላጓላውን ካብ ኣዲኣሓማት ካብ መርዓት ወዳ፡ መርዓት ወዲውን ካብ ሓማታ ኺፋላለዩ እዮም።

Translation | Context
ዳንኤል 1:1-21 | 3 Helpful votes

ንመግስቲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጸ ከበባውንእግዚኣብሄር ድማ ንዮኣቂም ንጉስ ይሁዳን ካብ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ከኣ ሓደ ኽፍልን ኣብ ኢዱ ሀቦ። ናብ ሃገር ሲንኣር ናብ ቤት ኣምላኹ ወሰዶም፣ ነቲ ኣቓሑውን ኣብ ቤት መዝገብ ኣምላኹ ኣእተዎ። እቲ ንጉስ ከኣ ንኣሽፈናዝሓለቓ እቶም ስሉባቱ፣ ካብ ደቂ እስራኤል፣ ካብ ዓሌት ንጉስን ካብ ወለዶ ጭዋታትን መንእሰያት ኬምጽእ ነገሮ። እዚኣቶም ከኣ ጕድለት ዜብሎም መልክዔኛታት ብዅሉ ጥበብ ኣስተውዓልትን ምሁራትን ኣእምሮኛታትን ኣብ ኣደራሽ ንጉስ ምቛም ዚኽእሉን ኪዀኑ፣ ናይ ከለዳውያን መጻሕፍትን ቋንቋን ከኣ ኪምህርዎም፣ ኢሉ ነገሮ። እቲ ንጉስ ድማ ካብቲ ብልዒ ንጉስን ካብቲ ንሱ ዚሰትዮ ወይንን ጸጽባሕ ድርጎ ሰርዓሎምሰለስተ ዓመት ኪምገቡድሕሪዚውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኪቘሙ፣ ኢሉ ኣዘዘ። ኣብ ማእከል እዚኣቶም ድማ ካብ ደቂ ይሁዳዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ነበሩ። እቲ ሓለቓ ስሉባት ከኣ ስማት ኣውጽኣሎም፣ ንዳንኤል ቤልሻጽርንሃናንያ ሲድራቅንሚሻኤል ሚሳቅንኣዛርያ ድም ኣዓብድ-ኔጎ ኢሉ ሰመዮምዳንኤል ግና፣ በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዚሰትዮ ወይንን ከይረክስብልቡ ሐለነ፣ ብግዲ ኸይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖኣምላኽ ከኣ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ስሉባት ሞገስ ምሕረትን ሀቦ። እቲ ሓለቓ ስሉባት ከኣ ንዳንኤል፣ ኣነ ነቲ መብልዕኩምን መስቴኹምን ዘዳረገኩም ጐይታይ ንጉስ እፈርሆ አሎኹ። ንገጽኩምሲ ኻብ ናይቶም መሳቱኹም መንእሰያት ዐቢሩ እንተ ረኸቦ፣ ሽዑ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕጽዕዋ እፈርህ አሎኹ፣ በሎ። ሽዑ ዳንኤል ነቲ፣ እቲ ሓለቓ ስሉባት ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝሸሞ መጋቢ፣ ጥረ እንበልዖ ማይ ከኣ እንሰትዮ ሂብካዓሰርተ መዓልቲ እሞ ንባሮትካ ተዐዘበና። ደሓር ገጽናን ገጽ እቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑን ኣብ ቅድሜኻ ይርኤ፣ ሽዑ ንባሮትካ ኸምቲ ዝርኤኻዮ ግበረና፣ በሎ። ንሱ ድማ ነዚ ነገርዚ ሕራይ ኢሉ፣ ዓሰርተ መዓልቲ ተዐዘቦም። እተን ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ተወድኣ ኸኣ፣ ካብ ኵሎም እቶም መብልዕ ንጉስ ዝበልዑ መንእሰያት ዝበለጸ፣ በሪሁን ሀጢሮምን ተራእዩ። ሽዑ እቲ መጋቢ ነቲ ድርጎኦም ብልዕን ዚሰትይዎ ወይንን ኣትሪፉጥረ ሀቦምኣምላኽ ከኣ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰያት እዚኦም ፍልጠት፣ ብዅሉ መጻሕፍትን ጥበብን ከኣ ምስትውዓል ሀቦምዳንኤል ድማ ኵሉ ራእያትን ሕልምታትን የስተውዕል ነበረ። እታ፣ እቲ ንጉስ ኪኣትዉላ ኢሉ ዝመደባ መዓልቲ ምስ በጽሔት፣ እቲ ሓለቓ ስሉባት ኣብ ቅድሚ ነቡካድነጻር ኣኣተዎም። እቲ ንጉስ ከኣ ተዛረቦም፣ ካብ ኵላቶም ድማ ከም ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝበለ ኣይተረኽበን። ንሳቶምውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቈሙ። ብዛዕባ እቲ ንጉስ ዝጠየቖም ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ኵሉ ነገር፣ ካብቶም ኣብ ግዝኣቱ ዝነበሩ ጠቢባንን ፈለጥትን ዓሰርተ ኢድ በሊጾም ረኸቦምዳንኤል ድማ ክሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ ጸንሔ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:25 | 3 Helpful votes

ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብታ ቝመቱ ሓንቲ እመት ምውሳኽ ዚክእል መን አሎ፧

Translation | Context
ዘፍጥረት 25:28 | 2 Helpful votes

ይስሃቅስጋ ሃድን መቂርዎ ነበረ እሞ፡ ንኤሳው ይፈቱ ነበረ። ርብቃ ግና ንያእቆብ ትፈቱ ነበረት።

Translation | Context
ማርቆስ 3:31 | 2 Helpful votes

ኣዲኡን ኣሕዋቱን መጹብወጻኢ ደው ኢሎም ከኣ ጸዋዕቲ ለአኹሉ

Translation | Context