Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፣ እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ።
Translation | Contextጻድቃን የእውዩ፣ እግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎም። እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም። ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ። ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሄን፣ ሓንቲ እኳ ኣይትስበርን።
Translation | Contextሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ፡ ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከኣላ እዩ፧ ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ።
Translation | Contextወዲ ኻብ ኣቦኡ፡ ጓል ካብ ኣዲኣ፡ መርዓት ካብ ሓማታ ደኣ ኽፈሊ መጻእኩ እምበር፡ ንሰብ እቶም ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም። እቲ ኻባይ ንቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ።
Translation | Contextኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Contextኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።
Translation | Contextበቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።
Translation | Contextማለት ኵሉ እቲ ሕጊ፡ ብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር፡ ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽ ንየሩሳሌም ከምዚ ይብላ አሎ፣ ኢልካውን በላ፣ ሱርክን ወለዶኽን ካብ ሃገር ከንኣናውያን እዩ፣ ኣቦኺ ኣሞራዊ እዩ፣ ኣዴኺ ኸኣ ሔታዊት እያ ብናይ ምውላድክስ፣ በታ እተወለድክላ መዓልቲ እትቢ ሕምብርትኺ ኣይተኣትበን፣ ምእንቲ ኽትጸርይስ ብማይ ኣይተሐጸብክን፣ ብጨው ኣይተቐባእክን፣ ኣይተጠቕለልክንውን። በታ እተወለድክላ መዓልትስ ነፍስኺ ስለ እተናዕቀ፣ ኣብቲ ጋህ ዝበለ መሮር ደኣ ተደርቤኺ። ሓደ ግዛዕ ካብዚ ኺግብረልኪ ኢሉ ራሕሪሑ ብለውሃቱ ቍሊሕ ዝበለኪ ዓይኒ የልቦን። ብኣኺ ሐለፍኩ፣ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕል ክትብሊ ኸሎኺ ኸኣ ርኤኹኺ እሞ፣ ኣቲ ኣብ ደምኪ ዘሎኺ፣ ብህይወት ንበሪ፣ በልኩኺ። እወ ኣብ ደምኪ ዘሎኺ ብህይወት ንበሪ፣ በልኩኺ። ከም ብቝሊ ግራሁ ኣኣላፋት ገይረ ኣብዛሕኩኺ። ንስኺ ድማ ዘለግ በልኪ፣ ዓቤኺ፣ ኣዚኺ ኸኣ መልካዕኪ፣ ኣጥባት ገበርኪ፣ ጸጕርኺውን በቘለ፣ ግናኸ ንስኽስ ጥራይክን ዕርቕትን ነበርኪ። ብኣኺ ሐሊፈ ርኤኹኺ፡ እንሆ፡ ኸኣ፡ ጊዜኺ፡ እቲ ጊዜ ፍትወት ነበረ። ዘፈር ክዳነይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሔ፡ ዕርቃንኪ ኸወልኩ። መሐልኩልኪ፡ ኺዳን ኣቶኹልኪ፡ ናተይውን ኰንኪ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ብማይ ሐጸብኩኺ፣ ካብ ደምኪ ኣጽሬኹኺ፣ ብዘይቲ ድማ ቀባእኩኺ። ብወርቀዘቦ እተጠልፈ ኸደንኩኺ፣ ብቘርበት የባራረብ ሳእኒ ቐጻዕኩልኪ፣ ብሻሽ ኣዕጠቕኩኺ፣ ብሃሪውን ከደንኩኺ። ብስልማት ሰለምኩኺ፣ ኣብ ቀላጽምኪ ኣምባር፣ ኣብ ክሳድኪ ኸኣ ሕንጥልጥል ኣሰርኩልኪ። ቀለቤት ኣብ ኣፍንጫኺ፣ ኵትሻ ኣብ ኣእዛንኪ፣ ዘውዲ ግርማ ድማ ኣብ ርእስኺ ገበርኩልኪ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።
Translation | Context