Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ።
Translation | Contextኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።
Translation | Contextበቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።
Translation | Contextንሱ ብምሕረት ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ገበረ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዐሪፉ ኣተንፊሱ እዩ እሞ፡ ንሳ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ናይ ዘለኣለም መፈለጥታ እያ።
Translation | Contextብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።
Translation | Contextንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹም።
Translation | Contextድኻ ምእንቲ ኸይትኸውን፡ ድቃስ ኣይትፍቶ፡ ነዒንትኻ ቋሕ ኣብለን፡ ሽዑ እንጌራ ኽትጸግብ ኢኻ።
Translation | Contextበቲ ጊዜ እቲ ኣነ ኣምላኽ ኲላቶም ዓሌት እስራኤል ክኸውን እየ፡ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እቲ ኻብ ሰይፊ ዘምለጠ ህዝቢ ኣብ በረኻ ጸጋ ረኸበ። ንእስራኤል ከዕርፎ እኸይድ አሎኹ። እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ ተራእየኒ፡ ብናይ ዘለኣለም ፍቕሪ ኣፍቀርኩኺ፡ ስለዚ ኸኣ ብምሕረት ሰሐብኩኺ። ኣቲ ድንግል እስራኤል፡ ከም ብሓድሽ ክሀንጸኪ እየ እሞ ኽትህነጺ ኢኺ። ከም ብሓድሽ ድማ ብኸበሮ ኣጋይጽኪ፡ ብሳዕስዒት ሕጉሳት ክትወጺ ኢኺ። ከም ብሓድሽ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ኣኽራን ሰማርያ ክትተኽሊ ኢኺ፡ እቶም ተኸልቲ ኺተኽሉ፡ ፍሪኡ ኸኣ ኪአርይዎ እዮም። እቶም ሓለውቲ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም፡ ንዑናይ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ናብ ጽዮን ንደይብ፡ ኢሎም ዚጽውዑላ መዓልቲ ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ንያእቆብ ብሓጐስ ድረፉሉ፡ በቲ ርእሲ ህዝብታት እልል በሉ፡ ዓው ኢልኩም ኣመስግኑ እሞ፡ ጐይታይ፡ ንህዝብኻ፡ ነቲ ተረፍ እስራኤል፡ ኣድሕኖ፡ በሉ። እንሆ፡ ካብ ሃገር ሰሜን ከምጽኦም፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኸኣ ክእክቦም እየ። ምስኦም ድማ ዕዉርን ሓንካስን ጥንስትን ቅልውላው ሕርሲ እተታሕዘትን ሐቢሮም፡ ዓብዪ ጉባኤ ዀይኖም ናብዚ ኺምለሱ እዮም። እናበኸዩ ኺመጹ እዮም፡ እናጸለዩ ኽመርሖም እየ። ንእስራኤል ኣቦ ዀይነ እየ፡ ኤፍሬም ድማ በዂሪ ወደይ እዩ እሞ፡ ብዘይዕንቀፉላ ዕርይቲ መገዲ ናብ ወሓዚ ማይ ክወስዶም እየ። ኣቱም ህዝብታት፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ነተን ኣብ ርሑቕ ዘለዋ ደሴታት ከኣ፡ እቲ ንእስራኤል ዝበተኖ ኺእክቦ፡ ከም ጓሳ ንመጓሲኡ ድማ ኪሕልዎ እዩ፡ ኢልኩም ኣውርዩለን። እግዚኣብሄር ንያእቆብ ተበጅይዎ፡ ካብ ኢድ እቲ ኻብኡ ዚሕይል ከኣ ኣናጊፍዎ እዩ እሞ፡ ንሳቶም ኪመጹ፡ ኣብ ከረን ጽዮን ከኣ እልል ኪብሉ እዮም። ናብ በረኸት እግዚኣብሄር፡ ናብ እኽልን ወይንን፡ ናብ ዘይትን ናብቲ ፍረ ኣባጊዕን ኣሓን ሀዲዶም ኪእክቡ እዮም። ነፍሶም ድማ ከምቲ ማይ ዝሰተየ ኣታኽልቲ ኽትከውን እያ፡ ድሕሪ እዚውን ኣይኪቕሕትዉን እዮም። ሽዑ እታ ድንግል ብጓይላ ባህ ኪብላ፡ ኣጒባዝን ኣረገውትን ድማ ሐቢሮም ኪሕጐሱ እዮም። ንሓዘኖም ናብ ሓጐስ ክምልሶን ከጸናንዖምን እየ፡ ድሕሪ ጓሂኦምውን ባህ ከብሎም እየ። ንነፍሲ ኻህናት ብስብሒ ኽጥልሎ እየ፡ ህዝበይ ከኣ ብበረኸተይ ኪጸግብ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዔ፡ ዋይዋይታን መሪር ብኽያትን። ራሄል ንደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ስለ ደቃ ምድባስ ኣበየት። ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር፡ ግብርኺ ዓስቡ ኺረክብ እዩ፡ ካብ ሃገር ጸላኢውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ድምጽኺ ኻብ ዋይዋይታ ዓይንኺ ድማ ካብ ንብዓት ዕገቲ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንዳሕራይኪ ኸኣ ተስፋ ኣሎኪ፡ ደቅኺውን ናብ ዶቦም ኪምለሱ እዮም ይብል እግዚኣብሄር። ኤፍሬም ከኣ፡ ከም ዘይጸረየ ዝራብዕ ጌርካ ቐጻዕካኒ ተቐጻዕኩ ድማ፡ ንስኻ ኢኻ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ እሞ፡ ምለሰኒ ኽምለስ ከኣ እየ፡ ኢሉ ኺግዕር ከሎ ኣጸቢቐ ሰማዕክዎ። ምስ ተመለስኩ፡ ተጠዐስኩ ምስ ተፈለጠኒ ኸኣ፡ ሰለፈይ ወቓዕኩ፡ ጸርፊ ንእስነተይ ጾይረ እየ እሞ፡ ሐፈርኩን ሐነኽኩን። ኤፍሬምዶ ፍቁር ወደይ፡ እቲ ምጭዊ ውሉደይ ኣይኰነን፡ ብዂራ እኳ እንተ ተዛረብክዎ፡ መመሊሰ እዝክሮ አሎኹ እሞ፡ ብምኽንያቱ ኣምዑተይ ተበጢሱ እዩ፡ ኣነየውን ብሓቂ ኽምሕሮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። መሓበርታ መገዲ ኣቑሚ፡ መፈለጥታታት ከኣ ትኸሊ፡ ልብኺ ናብታ ኼድክላ ዝነበርኪ ጐደናን መገድን ኣቕንዒ። እቲ ድንግል እስራኤል፡ ተመለሲ፡ ናብዘን ከተማታትኪ ተመለሲ። እቲ ዓወለኛ ጓል፡ ክሳዕ መኣዝ ዙንዙን ክትብሊ ኢኺ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ሓድሽ ነገር ፈጢሩ እዩ እሞ፡ ሰበይቲ ንሰብኣይ ክትከቦ እያ። እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ካብ ምርኮ ምስ ኣምለስክዎም፡ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ከተማታትን፡ እቲ መሳፍሮ ጽድቂ፡ እቲ ኸረን ቅድስና፡ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ፡ ኢሎም እዚ ቓል እዚ ኸም ብሓድሽ ኪብሉ እዮም። ንዝጸምኤት ነፍሲ ኸርውያ፡ ንዝቓሕተወት ዘበለት ነፍሲ ድማ ከጽግባ እየ እሞ፡ ይሁዳን ኲለን ከተማታታን ሓረስቶትን እቶም ምስ መጓሴታት ዚጒዕዙን ሐቢሮም ኣብኣ ኺነብሩ እዮም። ድሕርዚ ተበራበርኩ እሞ ጠመትኩ፡ ድቃሰይ ከኣ ጠዐመኒ። እንሆ፡ ንቤት እስራኤልን ንቤት ይሁዳን ብዘርኢ ሰብን ብዘርኢ እንስሳን ዝዘርኣለን መዓልታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ከምቲ ኣነ ንምምንቋስን ንምዕናውን ንምጒባእን ንምጥፋእን ንምስቓይን ኣብ ርእሲኦም ዝተጋህኩ፡ ከምኡ ድማ ንምህናጽን ንምትካልን ኣብ ርእሲኦም ክተግህ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። በተን መዓልትታት እቲኣተን ከም ብሓድሽ፡ እቶም ኣቦታት መጺጽ ዘቢብ በልዑ እሞ፡ ነስናን እቶም ውሉድ ከኸውን፡ ኣይኪብሉን እዮም። ነፍሲ ወከፍሲ ብኣበሳኡ ደኣ ይመውት፡ እቲ መጺጽ ዘቢብ ዝበልዔ ኸኣ ኣስናኑ ይዀዂዎ። እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝአትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ኻብ ሃገር ምስሪ ብኢዶም ሒዘ ኸውጽኦም ከሎኹ፡ ምስ ኣቦታቶም ዝአቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን። ኣነ ጐይታኦም ክነሰይሲ፡ ንሳቶም ነቲ ኺዳን ኣፍረስዎ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝአትዎ ኺዳንሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ እሞ፡ ካብ ንእሽትኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ኪፈልጡኒ እዮም፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉ፡ ንእግዚኣብሄር ፍለጦ፡ ኢሎም ድሕርዚ ንሓድሕዶም ኣይኪማሃሩን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። እቲ ጸሓይ ንብርሃን መዓልቲ፡ ሕጋጋት ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ንብርሃን ለይቲ ክኸውን ዘቘመ፡ እቲ ንባሕሪውን ማዕበሉ ኺሀምም ዘናወጸ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እዚ ሕጋጋት እዚ ኻብ ቅድመይ እንተ ተፍኤ፡ ሽዑ ኸኣ ዘርኢ እስራኤል ንሓዋሩ ኣብ ቅድመይ ህዝቢ ኻብ ምዃን ኪጠፍእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ሰማይ ኣብ ላዕሊ እንተ ተለክዔ፡ መሰረት ምድሪውን ኣብ ታሕቲ እንተ ተለክዔ፡ መሰረት ምድሪውን ኣብ ትሕቲ እንተ ተመርመረስ፡ ሽዑ ኣነውን ብሰሪ እቲ ዝገበርክዎ ዂሉ ንዂሎም ዘርኢ እስራኤል ክድርብዮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፡ እተን፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ኻብ ግምቢ ሃናንኤል ክሳዕ ደገ መኣዝን ንእግዚኣብሄር እትህነጸለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። እቲ ገመድ መዓቀኒ ኸኣ ክሳዕ ኲድዂዶ ጋሬብ ትኽ ኢሉ ኺዝርጋሕ እዩ፡ ናብ ጎኣት ኣቢሉውን ኪምለስ እዩ። ኲሉ እቲ ለሰ ሬሳታትን ሓሙዂስትን ኲሉ እቲ ግርሁ ኽወዕ ርበ ቌድሮንን፡ ብሸነኽ ምብራቕ ድማ ክሳዕ እቲ መኣዝን ደገ ኣፍራስን ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ኪኸውን እዩ። ንሓዋሩ ከቶ ኣይኪበርስን ኣይኪፈርስንውን እዩ።
Translation | Contextብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextየሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ።
Translation | Context