Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ንጻድቕ ትባርኾ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸቦ።
Translation | Contextጸጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ይኹን፣ ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና፣ እወ፣ ንተግባር ኣእዳውና ንስኻ ኣስልጦ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ጸሓይን ዋልታን እዩ እሞ፣ እግዚኣብሄር ጸጋን ክብርን ይህብ፣ ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ሰናይ ዘበለ ኣይኸልኦምን እዩ።
Translation | Contextንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ክብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳብ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ።
Translation | Contextኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፣ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፣ ምሸት ብኽያት ይሐድር፣ ንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ።
Translation | Contextኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ።
Translation | Contextወደየ፡ ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውሰኸልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፡ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን። ሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።
Translation | Contextንኣስቴር ጓል ኣቢሓይል፡ ሓወቦ ማርዶካይ፡ ከም ጓሉ ዝሐዛ፡ ናብ ንጉስ ክትአቱ ታራኣ ምስ በጽሔ፡ ብጀካ ሂጋይ፡ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላው ኣንስቲ፡ ዝበላ ኻልእ ኣይደለየትን። ኣስቴር ከአ ኣብ ዓይኒ እቶም ዝረአይዋ ኵላቶም ተፈትወት። ንኣስቴር ድማ ብዓስረይቲ ወርሒ፡ ንሳ ኸኣ ወርሒ ጤቤት፡ ብሳብዐይቲ ዓመት መንግስቱ ኣብ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ናብ ቤት ንጉስ ወሰድዋ። ንጉስ ድማ ንኣስቴር ካብ ኩለን እተን ኣንስቲ ኣብሊጹ ፈተዋ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኸኣ ሐለፋ ኹለን እተን ደናግል ሞገስን ፍቕርን ረኸበት። ኣብ ርእሳውን ዘውዲ መንግስቲ ደፍኣላ። ኣብ ክንዲ ዋሽቲ ድማ ኣንገሳ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንሹማምቱን ንገላውኡን ዓብዩ ምሳሕ ገበረሎም። እቲ ምሳሕ እቲ ኸኣ ስለ ኣስቴር ነበረ እሞ፡ ንሰብ እታ ሃገር ኣዕረፎም፡ ከም ልግስነት ንጉስ ከአ ህያባት ሀበ።
Translation | Contextእምበርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፡ ኢልኹም ኣይትጨነቑ። ነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንዂሉ ጊዜ ኺመርሓካ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንነፍስኻ ኼጽግባ፡ ነዕጽምትኻ ድማ ኬበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ክትከውን ኢኻ።
Translation | Contextጊዜ ምሕረታ እዩ፣ እቲ ምዱብ ጊዜ በጺሑ፣ ባሮትካ ነእማና ኣፍቂሮም፣ ብሓመዳ ኸኣ ጕህዮም እዮም እሞ፣ ክትትንስእ ንጽዮንውን ክትርሕርሓላ ኢኻ።
Translation | Contextበለ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ምገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ በጃኻ፡ ንባርያኻ ኣይትሕለፈኒ።
Translation | Contextየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextዮሴፍ ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ረኸበ፡ የገልግሎውን ነበረ። ኣዛዝ ቤቱ ገበሮ፡ ዘለዎ ዅሉ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሀቦ።
Translation | Contextእቲ ሰበይቲ ዚረክብ ሰናይ ይረክብ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ሞገስ ይቕበል።
Translation | Contextሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።
Translation | Contextመርገም እግዚኣብሄር ኣብ ቤት ረሲእ እዩ፡ ንማሕደር ጻድቃን ግና ይባርኾ። ንሱ ንመላገጽቲ የላግጸሎም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። ጠቢባን ክብሪ ኺወርሱ እዮም፡ ዓያሱ ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ።
Translation | Context