Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

35 bible verses about

female education


ምሳሌ 1:20-21 | 12 Helpful votes

ጥበብ ኣብ ወጻኢ ትጭድር፡ ኣብ ኣደባባያት ድምጻ ተስምዕጫውጫው ኣብ ዘለዎ ጐደና ትጽውዕ፡ ኣብ ኣፍ ደጌታት፡ ኣብ ከተማቃላት ትዛረብ

Translation | Context
ሉቃስ 10:38-42 | 11 Helpful votes

ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ዀነ፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ አተወማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶማርያም እትብሀል ሓብቲ ድማ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቃ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት። ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ከኣ፥ ጐይታይሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራበለቶየሱስ ድማ፥ ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን አሎኺ። እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ አላ፡ ኢሉ መለሰላ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 7:24 | 8 Helpful votes

ጓሉ ድማ ሸኤራ፡ ንሳ ኸኣ ታሕታይን ላዕላይን ቤት-ሖሮንን ዑዜን-ሸኤራን ሰርሔት

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:11-14 | 5 Helpful votes

ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃርኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበርክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋኣይፈቅድን እየ። ኣዳም ኣይተሐብለንሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት።

Translation | Context
ምሳሌ 6:20-27 | 3 Helpful votes

ወደየንትእዛዝ ኣቦኻ ሐልዎንሕጊ ወላዲትካ ኸኣ ኣይትሕደጎኲሉ ጊዜ ኣብ ልብኻ እሰሮ፡ ኣብ ክሳድካውን ኣጥቢቕካ ሐዞ። ካብታ እክይቲ ሰበይቲካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባልሃካስትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸኣ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካይመርሓካበጥ እንተ በልካይሕልወካእንተ ነቓሕካ ድማ፡ የዛርበካብሰሪ ኣመንዝራ ሰበይቲ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፡ ዘማዊት ከኣ ክብርቲ ነፍሲ እያ እትሀድን እሞ፡ ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮብቘላሕታኣውን ኣይትዘርፍካሰብዶ ሓዊ ሐቝፉስ ክዳኑ ኣይነድድን እዩ፡

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 11:3-10 | 3 Helpful votes

ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ። ሰብኣይ ዘበለ ዂሉ ኺጽሊ ወይስ ትንቢት ኪንበ ኸሎ፡ ርእሱ እንተ ተጐልበበንርእሱ የሕስርሰበይቲ ዘበለት ኲላ ግና ክትጽሊ ወይስ ትንቢት ክትንበ ኸላ፡ ርእሳ እንተ ዘይተጐልበበትእዚኣስ ከም ልጽይቲ እያ እሞ፡ ርእሳ ተሕስር እያ። ሰበይቲ ዘይትጒልበብ እንተ ዀነት፡ እምብኣርሲ ጸጒራ ትቈረጽ። ግናኸ ንሰበይቲ ምቚራጽ ወይስ ምልጻይ ጸጕራ ዜነውራ ኻብ ኰነ፡ ትጐልበብ። ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እያ እምበር፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኰነን እሞ፡ ሰብኣይ ምስሊ ኣምላኽን ክብሩን ካብ ኰነስ፡ ርእሱ ኺጒልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ። ሰበይቲውን እያ ምእንቲ ሰብኣይ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብኣይሲ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረንስለዚ ኸኣ ምእንቲ እቶም መላእኽቲ ንሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ምልኪ ኺህልዋ ይግባእ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 15:20 | 2 Helpful votes

ጥበበኛ ውሉድ ነቦኡ የሐጕሶዓሻ ሰብ ግና ንወላዲቱ ይንዕቃ

Translation | Context
ዘዳግም 22:22 | 2 Helpful votes

ሰብኣይ ምስ ምርዕውቲ ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተረክበ፡ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይሙቱ። ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:10 | 2 Helpful votes

ኣብ ሰበይቲ ሰብኣይ ዝዘመወ ሰብ፡ ኣብ ሰበይቲ ብጻዩ ዝዘመወእቲ ዝዘመወን እታ ዝዘመወትን ሞት ይሙቱ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 21:13-15 | 2 Helpful votes

ንሱ ድማ ብድንግልናኣ ዘላ ሰበይቲ የእቱሰበይቲ ኻብ ህዝቡ ድንግል የእቱ እምበር፡ መበለት ወይ ፍትሕቲ ወይ ዝረኸሰት ወይ አመንዝራ ኣየእቱዝቕድሶ ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ዘርኡ ኣብ ማእከል ህዝቡ ኣየርክስ

Translation | Context
ዘሁልቍ 5:11-31 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ንሰብኣይ ሰበይቱ እንተ ጠለመቶዓገብ ከኣ እንተ ዐገበቶ፡ ካልእ ሰብአይ ምስኣ ደቂሱ ድማ ብስጋ እንተ ተራኸባ፡ እዚ ኸኣ ካብ ዓይኒ ሰብኣያ እንተ ተኸወለብሕቡእ እንተ ረኸሰትምስክር ድማ እንተ ዘይተረኽባ፡ ኣብቲ ግብሪውን እንተ ዘይተታሕዘት፡ መንፈስ ቅንኣት ድማ እንተ መጾ፡ ንሳ ብምርካሳ ኸኣ ብሰበይቱ እንተ ቐንኤ፡ ወይ ንሳ ኽይረኸሰት ከላ፡ መንፈስ ቅንኣት እንተ መጾብሰበይቱ ድማ እንተ ቐንኤ፡ ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቱ ናብ ካህን የምጽኣያ፡ ብዛዕባኣ ኸኣ ዓስራይ ኢድ ኤፋ ሓርጭ ስገም ንመስዋእቲ የምጽእ። ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ፡ ክፍኣት ዜዘክር መስዋእቲ ብልዒ እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይከዐዎዕጣንውን ኣይገበሮ። እቲ ኻህን ድማ ኣቕሪቡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ። እቲ ኻህን ድማ ብኣቕሓ መሬት ገይሩ ቅዱስ ማይ ይውሰድ፡ ካብቲ ኣብ ምድርቤት ማሕደር ዘሎ ሓመድ ወሲዱ ኸኣ ኣብቲ ማይ ይግበር። እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኣቢሉ ድማ ርእሲ እታ ሰበይቲ ይቕላዕ፡ ነቲ መስዋእቲ ብልዒ ምዝካር፡ ንሱ ኸኣ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ፡ ኣብ ኢዳ የንብሮ። እቲ ኻህን ከኣ ነቲ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ ኣብ ኢዱ ይሐዝ። እቲ ኻህን ድማ የምሕላ፡ ነታ ሰበይቲ ኸኣ ይበላሰብኣይ እንተ ዘይደቀስኪኣብ ትሕቲ ሰብኣይኪ ኸሎኺ ጠሊምክዮ ዘይረኸስኪ እንት ዄንኪ፡ እዚ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ ኣይጕዳእኪ። ኣብ ትሕቲ ሰብኣይኪ ኸሎኺ ጠሊምክዮ ረኺስኪ እንተ ዄንኪ ግና፡ ብጀካ ሰብኣይኪ ኻልእ እንተ ደቂሱኪ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ብማሕላ መርገም የምሕላእቲ ኻህን ድማ ነታ ሰበይቲእግዚኣብሄር ንሰለፍኪ ብምውዳቑንኸብድኺ ድማ ብምንፋሑእግዚኣብሄር ኣብ ማእከል ህዝብኺ መራገምን መምሓልን ይግበርኪንኸብድኺ ኺነፍሕ ንሰለፍኪ ኸኣ ኬውድቕ፡ እዚ መርገም ዜምጽእ ማይ እዚ ናብ ውሽጥኺ ይእቶይበላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ኣሜን ኣሜን፡ ትበል። እቲ ኻህን ከኣ ነዚ መርገም እዚ ኣብ መጽሓፍ ይጽሐፎ፡ በቲ መሪር ማይ ከኣ ይደምስሶ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ የስትያ፡ እቲ መርገም ዜምጽእ ማይ ድማ ይአትዋ እሞ ኪመራ እዩ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ይውሰዶ፡ ነቲ መስዋኣቲ ብልዒ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚብሄር ይወዝውዞ፡ ናብ መሰውኢውን የቕርቦ። እቲ ኻህን ድማ ካብቲ መስዋእቲ ብልዒ ንመዘከርታ ምሉእ ኢድ ወሲዱ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ፡ ድሕሪ እቲ ነታ ሰበይቲ እቲ ማይ የስትያ። ነቲ ማይ ምስ ኣስተያ ኸኣ፡ ኪኸውን እዩ፡ ንሳ ረኺሳ፡ ንሰብኣያ ድማ ዓገብ ዐጊባቶ እንተ ዀይና፡ እቲ መርገም ዜምጽእ ማይ አትዩ ኺመራ እዩ፡ ከብዳ ኸኣ ይንፋሕሰለፋውን ይወድቕ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ ማእከል ህዝባ መራገሚ ትኸውን። እታ ሰበይቲ ዘይረኸሰት፡ ንሳ ንጽህቲ እንተ ዀይና ኸኣ፡ ሓራ ውጽእቲ እያ፡ ዘርኢ ኸኣ ትረክብሕጊ ቕንኣት እዚ እዩ፡ ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ሰብኣያ ኸላ ጠሊማቶ ምስ እትረክስ፡ ወይ ንሰብኣያ መንፈስ ቅንኣት እንተ መጾብሰበይቱ ኸኣ እንተ ቐንኤ፡ ሽዑ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ፡ እቲ ኻህን ድማ እዚ ሕጊዚ ብዘሎ ይግበረላእቲ ሰብኣይ ከኣ ካብ ክፍኣት ንጹህ ይኸውን፡ እታ ሰበይቲ እቲኣ ድማ ክፍኣታ ትጸውር

Translation | Context
ዘሌዋውያን 15:19-23 | 2 Helpful votes

ሰበይቲ ድማጻግነ ብምዃና ደም ካብ ስጋኣ እንተ ተኻዕዋ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትርከስዝተንከያ ዘበለ ኸኣ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹንብጻግኒኣ ዝደቀሰቶ ዂሉ ነገር ርኹስ ይኹን፡ ኮፍ ዝበለቶ ኸኣ ርኹስ ይኹንመደቀሲኣ ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብብማይ ከኣ ይተሐጸብክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹንንሳ ኾፍ ዝበለቶ ዂሉ ነገር ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብብማይ ከኣ ይተሐጸብክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹንነቲ መደቀሲኣ ወይ ኮፍ ኢላቶ ንዝነበረት ኣቕሓ ምስ ዚትንኪክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።

Translation | Context
ዘሁልቍ 27:1-11 | 2 Helpful votes

ኣዋልድ ጸሎፎሓድ ወዲ ሔፈር፡ ወዲ ጊልኣድ ወዲ ማኪር ወድ ምናሴ፡ ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ከኣ ቀረባስም እተን ኣዋልዱ ድማ እዚ ነበረ፡ ማሕላኖዓሖግላሚልካቲርጻ። ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ሹማምትን ኲሉ ኣኼባን ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢለንኣቦና ኣብ በረኻ ሞተ፡ ንሱ ኸኣ ብሓጢኣቱ ሞተ እምበር፡ ኣብ ማእከል እቶም በቲ ኣኼባ ቆራሕ ናብ ልዕሊ እግዚኣብሄር እተአከቡ ኣይነበረንኣወዳት ድማ ኣይነበርዎንወዲ ስለ ዘይነበሮስስለምንታይ ስም ኣቦና ኻብ ማእከል ዓሌቱ ዚጠፍእ፡ ኣብ ማእከል ሓወቦታትና ርስቲ ሀበና፡ በላ። ሙሴ ድማ እቲ ነገረን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረበእግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦኣዋልድ ጸሎፍሓድ እተዛረባኦ ሓቂ እዩ። ኣብ ማእከል ሓወቦታተን ርስቲ ሀበንእቲ ርስቲ ኣቦኤን ናባታተን ኣሕልፎንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦምሰብወዲ ኸይሐደገ እንተ ሞተእቲ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎጓል እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ እቲ ርስቱ ነሕዋቱ ሀብዎምኣሕዋት እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ እቲ ርስቱ ንሓወቦታቱ ሀብዎምኣቦኡ ኣሕዋት እንተ ዜብሉ ድማ፡ እቲ ርስቱ ኻብ ዓሌቱ ንዚቐርቦ ዘመዱ ሀብዎ፡ ንሱ ይውረሶ። እዚ ኸኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ንደቂ እስራኤል ሕጊ ፍርዲ ይኹን።

Translation | Context
ምሳሌ 13:1 | 2 Helpful votes

ለባም ውሉድ ተግሳጽ ኣቦኡ ይሰምዕመላገጺ ግና መግናሕቲ ኣይሰምዕን።

Translation | Context
ዘዳግም 22:13-21 | 2 Helpful votes

ሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ፡ ምስ ኣተዋ ኸኣ እንተ ጸልኣ፡ ዜነውር ነገር ድማ እንተ ኣሰከማ፡ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ወሰድክዋምስ ቀረብክዋ ግና ድንግልና ኣይረኸብኩላን፡ ኢሉ ኽፉእ ስም እንተ ኣውረየላ፡ ሽዑ ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን ምልክት ድንግልና እታ ጓል ወሲዶም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ኣብ ደገ የውጽእዋኣቦ እታ ጓል ከኣ ነቶም ዓበይቲ ይበሎምነዚ ሰብኣይ እዚ ጓለይሰበይቱ ኽትከውን፡ ሀብክዎ፡ ንሱ ኸኣ ጸልኣ። እንሆ ድማ፡ ንጓልካ ድንግልና ኣይረኸብኩላን፡ ኢሉ ዜነውር ነገር ኣሰከማ። ምልክት ድንግልና ጓለይ እዚ እዩ። ነቲ ኽዳና ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ይዘርግሕዎ። ሽዑ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ነቲ ሰብኣይ ወሲዶም ይቕጽዕዎንድንግል እስራኤል ክፉእ ስም ስለ ዘውረየላሚእቲ ሲቃል ብሩር የዕድይዎ፡ ነቦ እታ ጓል ድማ ይሀብዎሰበይቱ ከኣ ትኹን፡ ብዅሉ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልንእቲ ነገር ሓቂ እንተ ዀነ ግና፡ እታ ጓል ድንግልና እንተ ዘይተረኽባ፡ ሽዑ ነታ ጓል ናብ ደገ ቤት ኣቦኣ የውጽእዋ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ብምምንንዛራ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረትእቶም ሰብ እታ ኸተማኣ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዋ፡ ትሙትክፉእ ዘበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ

Translation | Context
1ይ ነገስት 11:3 | 2 Helpful votes

ሾብዓተ ሚእቲ ንግስታት ኣንስትን ሰለስተ ሚእቲ ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ። እተን ኣንስቱ ኸኣ ልቡ ኣዘንበላኦ

Translation | Context
ዘዳግም 22:28-30 | 2 Helpful votes

ሓደ ሰብኣይ ሓንቲ ዘይተሐጽየት ድንግል ጓል እንተ ረከበ እሞ ሒዙ እንተ ደቀሳ፡ እንተ ተረኽቡ ኸኣ፡ እቲ ምስኣ ዝደቀሰ ሰብኣይ ነቦ እታ ጓል ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይሀቦኣነዊርዋ እዩ እሞ፡ ሰበይቱ ትዅንብዅሉ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልንሰብ ሰበይቲ ኣቦኡ ኣይውሰድወሰን ክዳን ኣቦኡ ኣይቕላዕ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 18:18 | 2 Helpful votes

ብህይወታ ኸላ ሕፍረታ ብምቕላዕ ከተቕንኣ ሰበይቲ ምስናይ ሓብታ ኣይተእቱ

Translation | Context
ዘፍጥረት 38:1-30 | 2 Helpful votes

በቲ ወርሓት እቲ ኸኣ ዀነ፡ ይሁዳ ኻብ ኣሕዋቱ ወሪዱ፡ ናብ ሒራ ዝስሙ ኣዱላዊ ሰብኣይ ኣተወይሁዳ ኣብኡ ጓል ሱዓ ዝስሙ ከነኣናዊ ሰብኣይ ረአየወሲዱ ኸኣ ኣተዋንሳ ጠነሰት ወዲውን ወለደትስሙ ድማ ዔር ኣውጽኣትሉ። ደጊማ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደትስሙ ድማ ኦናን ኣውጽኣትሉ። ከም ብሓድሽ ከኣ ደጊማ ወዲ ወለደትስሙውን ሼላ ኣውጽኣትሉ። ንእኡ ኽትወልድ ከላ፡ ይሁዳ ኣብ ከዚብ ነበረ። ይሁዳ ድማ ንዔር በዅሪ ወዱ ታማር ዝስማ ሰበይቲ ኣምጽኣሉዔር በዅሪ ይሁዳ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ቀተሎ። ሽዑ ይሁዳ ንኦናን፥ ናብ ሰበይቲ ሓውካ እቶ እሞ ውረሳንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣቝምበሎኦናን ግና እቲ ዘርኢ ንእኡ ኸም ዘይከውን ፈለጠ። ኰነ ኸኣ፡ ናብ ሰበይቲ ሓዉ ምስ ዚአቱንሓዉ ዘርኢ ምእንቲ ኸይህብ ኢሉ፡ ናብ ምድሪ ኸዐዎእቲ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰነ እሞ፡ ንእኡ ድማ ቀተሎ። ሽዑ ይሁዳ፡ ንሱ ድማ ከም ኣሕዋቱ ኸይመውት ኢሉ፡ ንታማር ሰበይቲ ወዱወደይ ሼላ ኽሳዕ ዚዐቢ ኺዲ፡ ኣብ እንዳ ኣቦኺ መበለት ኴንኪ ተቐመጢ፡ በላ። ታማር ድማ ኸይዳ ኣብ እንዳ ኣቦኣ ተቐመጠትድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ድማ ጓል ሹዓ ሰበይቲ ይሁዳ ሞተትይሁዳ ምስ ተጸናንዔ፡ ንሱ ምስ ሒራ ኣዱላማዊ ፈታዊኡ ናብቶም ኣባጊዑ ዚቘርጹ ናብ ቲምናት ደየበንታማር ድማ፡ እንሆ፡ ሓሙኺ ኣባጊዑ ኪቘርጽ ናብ ቲምናት ይድይብ አሎ ኢሎም ነገርዋ። ንሳ ኸኣ፡ ሼላ ዓብዪ ኽንሱ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ከምዘይተዋህበት ረአየት እሞ፡ ክዳን ምብልውናኣ ኣንቢራመጐልበቢ ተጐልቢባ ኣብ ጥቓ መገዲ ቲምናት ኣብ ዘላ ደገ ዔናይም ተቐመጠትይሁዳ ምስ ረአያገጻ ሸፊና ነበረት እሞ ኣመንዝራ መሰለቶ። ንሱ ኸኣ ሰበይቲ ወዱ ምዃና ኣይፈለጠን እሞ፡ ኣብቲ ጥቓ መገዲ ናብኣ ኣግሊሱበጃኺ፡ ናባኺ ኽኣቱ ሕደግኒ፡ በላ። ንሳ ድማ፡ ናባይ ክትኣቱስ እንታይ እሞ ትህበኒበለቶ። ኣነ ኻብ መጓሰይ ጥቦት ማሕስእ እሰደልኪበላ። ንሳ ኸኣ፡ ክሳዕ እትሰደለይከ ታሕዚዶ ትህበኒ ኢኻ፧ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ታሕዙ እሞ ኽህበኪበለቀለቤትካን ማዕተብካን እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻንበለትሀባ እሞ አተዋ ኽኣ፡ ንሳውን ካብኡ ጠነሰትተንሲኣ ኸኣ ከደትመጐልበቢኣ ኣንቢራ ድማ ክዳን ምብልውናኣ ተኸድነትይሁዳ እቲ ታሕዚ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ኽወስድብኢድ እቲ ኣዱላማዊ ፈታዊኡ ጥቦት ማሕስእ ሰደደላ። ንሱ ግና ኣይረኸባን። ነቶም ሰብ እታ ቦታ እቲኣ፡ እታ ኣብ ኤናይም ኣብ መገዲ ተቐሚጣ ዝነበረት ኣመንዝራ ኣበይ እያ ዘላኢሉ ሐተተኣብዚ ኣመንዝራ ኣይነበረትንበሉ። ናብ ይሁዳ ተመልሊሱ ድማ፡ ኣይረኸብክዋን፡ እቶም ሰብ እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ኣብዝስ ኣመንዝራ ኣይነበረትን፡ ኢሎም በሎይሁዳ ድማ፡ እንሆ፡ እዚ ጥቦትዚ ሰዲደ፡ ንስኻ ኸኣ ኣይረኸብካያን እሞ፡ መላገጺ ኸይንኸውንሲ፡ ትውሰዶበለ። ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ንይሁዳታማርሰበይቲ ወድኻ ዘምያ፡ እንሆ ኸኣ ብዝሙት ጠኒሳ አላ፡ ኢሎም ነገርዎ። ይሁዳ ድማ፡ ኣውጽእዋ እሞ ትንደድበለምስ ኣውጽእዋ ድማ፡ ናብ ሓሙኣ፡ ኣነ ኻብ በዓል እዚ እየ ጠኒሰ ዘሎኹ፡ ኢላ ሰደደት። እዚ ቐለቤት እዚ፡ እዚ መዓትብ እዚ፡ እዛ በትሪ እዚኣንሲ ናይ መን ከም ዝዀና፡ እስኪ ኣለሊ በጃኻ፡ ድማ በለትይሁዳ ኸኣ ኣለልይዎንወደይ ሼላ ካብ ዘይሀብክዋስካባይ ንሳ ትቐንዕ፡ በለ። ድሕርቲ ግና ኣይፈለጣን። ኰነ ኸኣ፡ ብጊዜ ሕርሳ እንሆ፡ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበረ። ኰነ ድማ ክትወልድ ከላ፡ እቲ ሓደ ኢዱ ኣውጽኤእታ መሕረሲት ከኣ፡ እዚ ቕድም ወጸ፡ ኢላ ቀይሕ ፈትሊ ወሲዳ ኣብ ኢዱ ኣሰረትሉኰነ ድማንሱ ኢዱ ምስ መለሰ እንሆ፡ ሓዉ ወጸ። ንሳ ኸኣ፡ ከመይ ሰንጢቕካ ባዕልኻ ወጻእካ፧ በለትስሙ ድማ ፋሬስ ተባህለብድሕሪኡ ኸኣ እቲ ኣብ ኢዱ ቐይሕ ፈትሊ ዝነበሮ ሓዉ ወጸስሙ ድማ ዘራሕ ተባህለ

Translation | Context
ዘፍጥረት 38:8-10 | 2 Helpful votes

ሽዑ ይሁዳ ንኦናን፥ ናብ ሰበይቲ ሓውካ እቶ እሞ ውረሳንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣቝምበሎኦናን ግና እቲ ዘርኢ ንእኡ ኸም ዘይከውን ፈለጠ። ኰነ ኸኣ፡ ናብ ሰበይቲ ሓዉ ምስ ዚአቱንሓዉ ዘርኢ ምእንቲ ኸይህብ ኢሉ፡ ናብ ምድሪ ኸዐዎእቲ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰነ እሞ፡ ንእኡ ድማ ቀተሎ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:9 | 2 Helpful votes

ዝዀነ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝረገመሞት ይሙትነቦኡን ነዲኡን ረጊሙ እዩ እሞ፡ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 12:2-5 | 2 Helpful votes

ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦምሰበይቲ እንተ ጠነሰትወዲ ኸኣ እንተ ወለደትሾብዓተ መዓልቲ ትርከስ፡ ከምቲ ብመዓልትታት ሕማም ጻግኒኣ ትርከስብሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ስጋ ዕልቦኡ ይገዘር። በቲ ደም ንጽህናኣ ኸኣ ሰላሳን ሰለስተን መዓልቲ ትቀመጥመዓልትታት ምንጽሃ ኽሳዕ ዚመልአ ቅዱስ ነገር ኣይትተንኪ ናብ መቕደስውን ኣይትእቶ። ጓል እንተ ወለደት ግና፡ ከምቲ ብእዋን ጻግኒአ ኽልተ ሰሙን ትርከስ፡ በቲ ደም ጽርየታ ኸኣ ስሳን ሹድሽተን መዓልቲ ትቀመጥ

Translation | Context
ዘፍጥረት 18:9-16 | 2 Helpful votes

ንሳቶም ድማ፡ ሰበይትኻ ሳራኸ ኣበይ አላ፧ በልዎ ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ድንኳን እንሃ፡ በለ። ሽዑ ንሱ፡ ንዓመታ ኸምዚ ቕንያት እዚ ርግጽ ክምለሰካ እየ፡ ሰበይትኻ ሳራ ድማ እንሃ፡ ሽዑ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በለ። ሳራ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ድንኳን ከላ፡ እዚ ሰምዔት። ሕጂ ድማ ኣብርሃምን ሳራን ዕለቶም ዘብጽሑ ኣሪጎም ነበሩ፡ ንሳራ ድማ እቲ ልምዲ ደቂ ኣንስትዮ ገዲፍዋ ነበረ። ሳራ ኸኣ ብልባ ኸምዚ ኢላ ሰሓቐትድሕሪ እርግናይዶ ፍትወት ኪልዓለኒጐይታይ ድማ ኣሪጉ እዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም፡ ስለምንታይ ሳራኣሪገ ኸሎኹስብሓቂ ውሉድ ክወልድ እየ፧ ኢላ ሰሓቐትንእግዚኣብሄርዶ ዚጨንቆ ነገር አለዎንዓመታ ኸምዚ ቅንያት እዚ ብምዱብ ጊዜ ኽምለሰካ እየ። ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በሎ። ሽዑ ሳራ፡ ሰምቢዳ ነበረት እሞ፡ ኣይሰሓቕኩንኢላ ኣሉ በለት። ንሱ ግና፡ ኣይፋልስሒቕኪ እባ ደኣበላ። እቶም ሰባት ድማ ካብኡ ተንስኡንሶዶም ገጾም ከኣ ቀንዑ፡ ኣብርሃምውን ከፋንዎም ምሳታቶም ከደ

Translation | Context
ዘዳግም 24:1-4 | 2 Helpful votes

ሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ እሞ እንተ ኣእተዋ፡ ይኸውን ድማ፡ ዜሕፍር ነገር ስለ ዝረኽበላኣብ ቅድሚኡ ሞገስ እንተ ዘይረኸበት፡ መጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ ይሀባካብ ቤቱውን ይስደዳ። ካብ ቤቱ ምስ ወጸት ድማ፡ ከይዳ ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ እቲ ኻልኣይ ሰብኣይውን እንተ ጸልአመጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ እንተ ሀባካብ ቤቱ ድማ እንተ ሰደዳ፡ ወይ እቲ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ፡ ዝወሰዳ ኻልኣይ ሰብኣይ እንተ ሞተእንድሕሪ ረኸሰትእቲ ዝሰደዳ ቐዳማይ ሰብኣያሰበይቱ ኽትከውንመሊሱ ኺወስዳ ኣይኽእልን። እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ነታ እግዚእብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ሓጢኣት ኣይተምጽኣላ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:4-24 | 2 Helpful votes

በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምድርን ሰማይን ዝፈጠረላ መዓልቲ ምስ ተፈጥሩወለዶ ሰማይን ምድርን እዚ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ገና ኣየዝነመን ነበረ፡ ንምድሪ ዚዐዪ ሰብውን ኣይነበረን እሞ፡ ገና ገለ ኦም መሮር ኣይነበረንሳዕሪ መሮር ከኣ ሓንቲኳ ኣይበቘለትን ነበረት። ግናኸ ንዅሉ ዝባን ምድሪ ዜስቲ ግመ ኻብ ምድሪ ይወጽእ ነበረ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኤድን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ተኸለነቲ ዝገበሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ምርኣዩ ዜብህግምብላዑ ዝጥዑም ኵሉ ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ፡ ኣብ ማእከል ገነት ከኣ ኦም ህይወት፡ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ድማ። ንገነት ዜስቲ ርባ ከኣ ካብ ኤድን ይውሕዝ ነበረ። ካብኡ ድማ ተፈላልዩ ኣርባዕተ ጨንፈር ኰነስም እቲ ሓደ ፒሶን እዩ። ነሱ ነታ ወርቂ ዘለዋ ዅላ ምድሪ ሓዊላ ይኸብብወርቂ እታ ምድሪ እቲኣ ድማ ጽቡቕ እዩ። ኣብኡ ብዶላህን ክቡር ዕንቍን አሎስም እቲ ኻልኣይ ርባ ድማ ጊሆን እዩ፡ ንሱ ንዅላ ምድሪ ኩሽ ይዞራስም እቲ ሳልሳይ ርባ ኸኣ ሄዴቄል እዩ፡ ንሱ ብቕድሚ ኣሶር ኣቢሉ ዚኸይድ እዩ። እቲ ራብዓይ ርባ ድማ ኤፍራጥስ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱኪዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤድን አቐመጦእግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፡ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ አዘዞ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነንንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ፡ በለእግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንዅሉ ኣራዊት መሮርን ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ ምድሪ ገበረእንታይ ከም ዚሰምየን ምእንቲ ኺርኢ ኸኣ ናብ ሰብ ኣምጽኤን። ነቲ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ዅሉ፡ እቲ ሰብ ከም ዘውጽኣሉስሙ ንሱ ዀነ። ሰብ ድማ ንዅሉ እንስሳን ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ሰስሙ ሀቦ። ንሰብ ግና ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ኣይተረኽበትንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ነቲ ሰብኣይ ከቢድ ድቃስ ኣውደቐሉደቀሰ ድማ። ካብ መሰንገሊኡ ኸኣ ሓንቲ ወሰደ፡ ኣብ ስፍራኣ ድማ ስጋ መልኣእግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ኻብ ሰብኣይ ዝወሰዳ መሰንገለሰበይቲ ገይሩ፡ ሰርሓ እሞ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፥ እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ፡ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞሰበይቲ ትብሀልበለስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 30:2-15 | 2 Helpful votes

ሙሴ ኸኣ ንሓላቑ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ እዚ እዩኢሉ ተዛረቦምሰብ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔወይ ምሒሉ፡ ገለ ነገር ይትረፈኒ ብምባል፡ ነፍሱ ብማሕላ እንተ ኣሰረቃሉ ኣየፍርስከምቲ ኻብ ኣፉ ዝወጸ ዅሉ ይግበርሰበይቲ ድማ ብጊዜ ንእስነታኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔት፡ ብገለ ማእሰር ከኣ እንተ ተኣስረትኣቦኣ ድማ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰርን እንተ ሰምዔ፡ እሞ ኣቦኣ ብዛዕባ እዚ ስቕ እንተ በለ፡ ኲሉ መብጽዓኣ ይቑምእቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ዅሉ መእሰሪ ኸኣ ይቑም። ኣቦኣ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኣ ግና፡ ኲሉ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰርን ኣይቑም። ኣቦኣ እዩ ዝኸልኣ እሞ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ይቕረ ኺብለላ እዩ። ተማባጺዓ ኸላ፡ ወይ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ቓል እንተ መለቛ እሞ፡ ብእኡ ነፍሳ ኣሲራ ኸላ ኣብ ሰብኣይ እንተ ተአትወትእቲ ሰብኣያ ኸኣ ሰሚዑ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ እንተ በለ፡ እቲ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰሪኣ ድማ ይቑም። እቲ ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኣ ግና፡ ንሱ ነቲ መብጽዓኣን ነቲ ብእኡ ነፍሳ ዝአሰረትሉ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ዝመለቘ ቓልን ከንቱ ይገብሮእግዚኣብሄር ከኣ ኪሐድገላ እዩ። ናይ መበለት ወይ ናይ ፍትሕቲ ሰበይቲ መብጾኣ ግናነፍሳ ዝኣሰረትሉ ዅሉ ይቑመላኣብ ቤት ሰብኣያ ኸላ ድማ፡ እንተ ተማባጽዔት ወይ ብናይ ማሕላ መእሰሪ ነፍሳ እንተ ኣሰረትሰብኣያ ኸኣ ሰሚዑ ስቕ እንተ በለ እሞ እንተ ዘይከልኣ፡ ኲሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ ዅሉ መእሰሪ ድማ ይቑም። ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ፈጺሙ ኸንቱ እንተ ገበሮ ግና፡ ብዛዕባ መብጽዓኣ ወይ ብዛዕባ እቲ እተኣስረትሉካብ ኣፋ ዝወጾ ዅሉ ኣይቐውምን። ሰብኣያ እዩ ኸንቱ ዝገበሮ፡ እግዚኣብሄር ድማ ይቕረ ኺብለላ እዩነፍሳ ኸተትሕት ኢላ እተማባጾዓቶ ዅሉ ወይ ናይ ማሕላ መእሰሪ ዘበለ ሰብኣያ የቚሞ፡ ሰብኣያ ኸኣ ከንቱ ይገብሮሰብኣያ ኻብ መዓልቲ ንመዓልቲ ስቕ እንተ በለ ግና፡ ንዅሉ መብጾዓኣን ንዅሉ ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ መእሰሪኣን ኣቘሞበታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣቘሞ።

Translation | Context
መክብብ 7:26-28 | 2 Helpful votes

ካብ ሞት ዚመርርውን ረኸብኩ፡ እዚኣ መርበብ እትመስል፡ ልባ ኸኣ መፈንጠራኣእዳዋ ድማ መቑሕ ዝዀነት ሰበይቲ እያ። ንኣምላኽ ባህ ዜብሉ ኻብኣ ይመሉቑሓጥእ ግና ብእአ ይተሐዝ። እቲ ሰባኺ ድማ፡ ናብ ምስትውዓል ክበጽሕስ በብሓደ እናሐዝኩ፡ እንሆ እዚ ረኸብኩይብልነፍሰይ ግና እትደልዮ እሞ ዘይረኸበቶ አሎ፡ ካብ ሽሕሲ ሓደ ሰብኣይ ረኺበ፡ ኣብ ማእከል ኩላቶም ግና ሓንቲ ሰበይቲ ኣይረኸብኩን።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 5:13 | 2 Helpful votes

ዳዊት ድማ ድሕርቲ ኻብ ኬብሮን ምምጻኡ መሊሱ ኣንስቲ ወሰንን ኣንስትን ካብ የሩሳሌም ወሰደንዳዊት ከኣ ካልኦት ኣወዳትን ኣዋልድን ተወልዱሉ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 14:34-35 | 2 Helpful votes

ከምቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ቅዱሳን ዚግበር ዘሎ፡ ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ፡ ስቕ ይበላከምቲ ሕጊ ዚብሎ ድማ ይገዝኣንሰበይቲ ኣብ ማሕበር ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞገለ ኺምሃራ እንተ ደለያኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ

Translation | Context
ማርቆስ 3:31-35 | 2 Helpful votes

ኣዲኡን ኣሕዋቱን መጹብወጻኢ ደው ኢሎም ከኣ ጸዋዕቲ ለአኹሉ። ብዙሕ ህዝቢ ኺቢብዎ ተቐሚጡ ነበረ እሞ፡ እንሆ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኣብ ወጻኢ አለዉ ይደልዩኻውን አለዉ፡ በልዎመሊሱኣደይ መን እያ፡ ኣሕዋተይከ እንመን እዮም፧ በሎምነቶም ከቢቦምዎ ተቐሚጦም ዘለዉ ጠሚቱ ኸኣ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉሓወይን ሓብተይን ኣደይንሲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ዘበለ ዅሉ እዩ፡ በሎም።

Translation | Context
ዘዳግም 22:7 | 2 Helpful votes

ምእንቲ ኺጽብቐልካመዓልትታትካ ኸኣ ኪነውሕሲ፡ ነታ ኣደ ትኺድ ሕደጋ፡ እቶም ጨጨውታ ድማ ንኣኻ ውሰዶም

Translation | Context
ሉቃስ 14:26 | 2 Helpful votes

ናባይ ዚመጽእ እንተሎ እሞ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱንህይወቱውን ከይተረፈት፡ እንተ ዘይጸልኤወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 54:4 | 2 Helpful votes

ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩ እሞ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተበጃዊኺ እዩ፡ ንሱ ኣምላኽ ኲሉ ምድሪውን ይበሀል። ስለዚ ኣይክትሐፍርን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂኣይክትንውርን ኢኺ እሞ ኣይትሕነኺ፡ ኤረ ነውሪ ንእስነትኪ ኽትርስዒጸርፊ ምብልውናኺ ድማ ድሕርዚ ኣይክትዝክርን ኢኺ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:32 | 2 Helpful votes

ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 38:8 | 2 Helpful votes

ሽዑ ይሁዳ ንኦናን፥ ናብ ሰበይቲ ሓውካ እቶ እሞ ውረሳንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣቝምበሎ

Translation | Context