Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all9 bible verses about
እግዚኣብሄር ቃሉ ይህብ፣ እተን ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን።
Translation | Contextኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።
Translation | Contextበተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም።
Translation | Contextንሱ ኣብ ቤት ጸሎት ብትብዓት ኪምህር ጀመረ። ጵርስኪላን ኣኪላስን ምስ ሰምዕዎ ኸኣ፡ ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ።
Translation | Contextዴቦራ ድማ፡ ነብዪት ሰበይቲ ላጲዶት፡ ንሳ በታ ጊዜ እቲኣ ንእስራኤል ትፈርድ ነበረት።
Translation | Contextከምቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ቅዱሳን ዚግበር ዘሎ፡ ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ፡ ስቕ ይበላ። ከምቲ ሕጊ ዚብሎ ድማ ይገዝኣ።
Translation | Contextኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ።
Translation | Contextሽዑ ኻህን ሒልቂያን ኣሒቃምን ዓክቦርን ሻፋንን ዓሳያን ናብ ነብዪት ሑልዳ፡ ሰበይቲ ሻሎም ሓላው ክዳውንቲ፡ ከዱ፡ ንሱ ወዲ ጢቅዋ ወዲ ሓርሓስ እዩ። ንሳ ድማ ኣብ የሩሳሌምስ ኣብታ ኻልአይቲ ኽፍሊ ትቕመጥ ነበረት። ንእኣ ድማ ተዛረብዋ።
Translation | Contextኣነ ካብ ሃገር ግብጺ ኣውጺኤካ፡ ካብ ቤት ባርናት ኣድሒነካ፡ ንሙሴን ኣሮንን ሚርያምን ከኣ ቀቅድሜኻ ሰዲደዮም እየ እሞ፡
Translation | Context