Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።
Translation | Contextንረሲእሲ እኩይ ኪረኽቦ እዩ፡ ግብሪ ኢዱ ኺፍደ እዩ እሞ፡ ወይለኡ። ገፋዕቲ ህዝበይ ቈልዑ እዮም፡ ኣንስቲ ኸኣ ይገዝእኦ ኣለዋ። ዎ ህዝበይ፡ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ኸኣ የጥፍእዋ ኣለው።
Translation | Contextዴቦራ ድማ፡ ነብዪት ሰበይቲ ላጲዶት፡ ንሳ በታ ጊዜ እቲኣ ንእስራኤል ትፈርድ ነበረት።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ቃሉ ይህብ፣ እተን ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን።
Translation | Contextንሳቶም ከኣ ምስ ኣመናዘ የግልሱ፣ ምስ ዘመውቲ ኣንስቲውን ይስውኡ አለዉ እሞ፣ ኣዋልድኩም ምስ መንዘራ መራዕኹምውን ምስ ዘመዋ፣ ኣነ ኣይክቐጽዔንን እየ። ኣእምሮ ዜብሉ ህዝብስ ከውድቕ እዩ።
Translation | Contextኣነ ካብ ሃገር ግብጺ ኣውጺኤካ፡ ካብ ቤት ባርናት ኣድሒነካ፡ ንሙሴን ኣሮንን ሚርያምን ከኣ ቀቅድሜኻ ሰዲደዮም እየ እሞ፡
Translation | Contextጓሉ ድማ ሸኤራ፡ ንሳ ኸኣ ታሕታይን ላዕላይን ቤት-ሖሮንን ዑዜን-ሸኤራን ሰርሔት።
Translation | Contextከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ፡ ሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ።
Translation | Contextንዝናምዶ ኣቦ ኣልይዎ፧ ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለዶኸ መን እዩ፧ በረድ ካብ ከርሲ መን እዩ ዚወጽእ፧ ንኣስሓይታ ሰማይከ ዝወለዶ መን እዩ፧ ማያት ከም እምኒ ዀይኑ ይስወር፡ ዝባን እቲ ዓሚቚውን ይረግእ።
Translation | Contextኪኸዱ ኸለዉ ድማ ዀነ፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ አተወ። ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶ። ማርያም እትብሀል ሓብቲ ድማ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቃ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት። ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራ፡ በለቶ። የሱስ ድማ፥ ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን አሎኺ። እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ አላ፡ ኢሉ መለሰላ።
Translation | Contextከምቲ ኣደ ንውሉዳ እተጸናንዕ፡ ከምኡ ኸጸናንዓኩም እየ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኽትጸናንዑ ኢኹም።
Translation | Contextበታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ ምስ ተንስኤ፡ ነታ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዘውጽኣላ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ቅድም ተራእያ።
Translation | Contextሽዑ ኻህን ሒልቂያን ኣሒቃምን ዓክቦርን ሻፋንን ዓሳያን ናብ ነብዪት ሑልዳ፡ ሰበይቲ ሻሎም ሓላው ክዳውንቲ፡ ከዱ፡ ንሱ ወዲ ጢቅዋ ወዲ ሓርሓስ እዩ። ንሳ ድማ ኣብ የሩሳሌምስ ኣብታ ኻልአይቲ ኽፍሊ ትቕመጥ ነበረት። ንእኣ ድማ ተዛረብዋ።
Translation | Contextንሱ ኣብ ቤት ጸሎት ብትብዓት ኪምህር ጀመረ። ጵርስኪላን ኣኪላስን ምስ ሰምዕዎ ኸኣ፡ ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ፡ በለ።
Translation | Contextኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ።
Translation | Contextያዔል፡ ሰበይቲ ሔበር ቄናዊ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን፡ ኣብ ድንኳን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን። ንሱ ማይ ለመነ እሞ ጸባ ሀበቶ፡ ብመሳተያ ኽቡራት ገይራ ርግኦ ኣቕረበትሉ። ኢዳ ናብ ሸኻል፡ የማነይታ ኸኣ ናብ ሞደሻ ዓየይቲ ዘርግሔት፡ ንሲሰራ ድማ ወቕዓቶ፡ ኣብ ርእሱ ሸኸለትሉ፡ መታልሑ ኣንኵላውን ኣሕለፈቶ። ኣብ መንጎ ኣእጋራ ቚልዕጽ ኢሉ ወደቐ፡ በጥ ከኣ በለ፡ እወ፡ ኣብ ምንጎ ኣእጋራ ቚልዕጽ ኢሉ ወደቐ፡ ኣብቲ እተቘልዐጸሉ፡ ኣብኡ ሞይቱ ወደቐ።
Translation | Context