Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

fig trees


ሉቃስ 13:6-9 | 18 Helpful votes

እዚ ምስላዚ ከኣ በለሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ እተተኽለት በለስ ነበረቶፍረ ደልዩ ናብኣ መጸ፡ ግናኸ ኣይረኸበላን። ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፥ እንሆ፡ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ እናደሌኹ ሰለስተ ዓመት መጺኤኣይረኽብኩላንቍረጻስለምንታይከ ንምድሪ ተባላሹ አላ፧ በሎ። ንሱ ግና፥ ጐይታይ፡ ወሰነ ወሰና ኽሳዕ ዝዅስኵሳ፡ ድዅዒ ኽሳዕ ዝድኵዓ፡ እዛ ዓመት እዚኣ ድማ ሕደጋ። ንዓመታ እንተ ፈረየት፡ ጽቡቕ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ሽዑ ትቘርጻ፡ ኢሉ መለሰሉ።

Translation | Context
ማቴዎስ 21:19-21 | 11 Helpful votes

ኣብ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ርእዩ ናብኣ ኸደቈጽሊ ጥራይ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኣይረኸበላን እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይፍረ፡ በላ። እታ ኦም በለስ ብኡብኡ ነቐጸትደቀ መዛሙርቱ ርእዮም፡ እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ሕጂ ንሕጂ ነቐጸትኢሎም ተገረሙየሱስ መሊሱ በሎም፡ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተዋላወልኩም፡ እዛኦም በለስ ከም ዝዀነቶ ጥራይ ኣይትገብሩን፡ ነዚ ኸረን እኳ፡ ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ውደቕትብልዎ እሞ ከም ኪኸውንኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዅሉ ኸምእትረኽቡብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሉቃስ 21:29-31 | 8 Helpful votes

ሓደ ምስላ ድማ ነገሮም፥ ኣብ ኦም በለስን ኣብ ኵሉ ኦምን ርኣዩምጥጣዑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ ክረምቲ ምቕራቡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዀይኑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ

Translation | Context
ማርቆስ 11:12-14 | 7 Helpful votes

ንጽብሒቱ ድማ ካብ ቢታንያ ኺወጹ ኸለዉ ጠመየብርሑቕ ከኣ ቈጻል በለስ ረአየምናልባሽ ገለ እንተ ረኸበላ ኺርኢ ኸኣ ናብኣ ኸደ። ናብኣ መጺኡ ኸኣ፡ ጊዜ በለስ ኣይነበረን እሞ፡ ቈጽሊ እምበር፡ ገለ እኳ ኣይረኸበላንመሊሱ ድማ፥ ካባኺ ሓደ እኳ ንዘለኣለም ፍረ ኣይብላዕበላደቀ መዛሙርቱውን ሰምዕዎ

Translation | Context
ማቴዎስ 24:32 | 5 Helpful votes

ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩጨነፍራ ምስ ለምለመቈጽላውን ምስ ጠጥዔክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:47-51 | 5 Helpful votes

የሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮብዛዕባኡእንሆጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊበለናትናኤልኣበይ ትፈልጠኒበሎየሱስ ከኣ፥ ፊልጶስ ከይ ጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየካኢሉ መለሰሉናትናኤል ድማረቢንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻኢሉ መለሰሉየሱስ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካካብዚ ዚዓቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱመላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎ።

Translation | Context
ኣንባቆም 3:17-19 | 5 Helpful votes

ኦም በለስ ኣይክትዕምብብን፣ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህብን፣ ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልምግርሁ ምግቢ ኣይኩህቡን እዩ፣ ኣባጊዕ ካብ ደምበ ኺጠፍኣኣሓውን ኣብ ደምቤታት ኪሰኣና እየን። ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል፣ ብኣምላኽ ምድሀነይ እልል ክብል እየ። እግዚኣብሄር፣ እቲ ጐይታሓይለይ እዩ፣ ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፣ ኣብቲ በሪኽ ቦታይውን ኬመላልሰኒ እዩ። ንመሪ ጌታ ብመሰንቆ

Translation | Context
ራእይ 6:13 | 4 Helpful votes

ኦም በለስብርቱዕ ንፋስ ሰሰው ምስ ኣበላ፡ ነቲ ዝጐዔ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ፡ ከምኡ ኸኣ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ወደቑ

Translation | Context
መሳፍንቲ 9:11 | 3 Helpful votes

እቲ በለስ ግና፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ጣዕመይን ጽቡቕ ፍረይንዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም

Translation | Context
ኤርምያስ 24:2 | 2 Helpful votes

እታ ሓንቲ መሶብ፡ ከምቲ ፍልም ዝበሰለ በለስኣዝዩ ጽቡቕ በለስ ነበራ፡ እታ ሓንቲ መሶብ ድማ ምብላዑ ዘይከኣል ኣዝዩ ሕማቕ በለስ ነበራ።

Translation | Context
ያእቆብ 3:10-12 | 2 Helpful votes

ካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእኣሕዋተየእዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ። ወይስ ዔላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ጥዑምን መሪርን ማይ ትፍልፍል እያ፧ ኣቱም ኣሕዋተየኦም በለስዶ ፍረ ኣውልዕ ክትፈሪ ይከኣላ እዩ፡ ወይ ተኽሊ ወይንስ ፍረ በለስ፧ ከምኡኸ እታ ዔላ ጨው ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይከኣላን እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 13:24 | 2 Helpful votes

በታ ቕነ እቲኣ ድሕርዚ መከራዚ ጸሓይ ክትጽልምትወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 30:12 | 2 Helpful votes

ኣብ መሮር ድማ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ረኸቡ፡ ናብ ዳዊት ከኣ ወሰድዎም። ንሱ እንጌራ ኸይበልዔን ማይ ከይሰተየን ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገይሩ ነበረ እሞ፡ እንጌራ ሀብዎ፡ በልዔ ድማ፡ ማይ ኣስተይዎቍራስ ጐግ በለስን ክልተ ዘለላ ወይንን ድማ ሀብዎ። ምስ በልዔ ኸኣ ነፍሱ ተመልሰቶ

Translation | Context
ማቴዎስ 24:30 | 2 Helpful votes

ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም።

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:7 | 2 Helpful votes

ሽዑ ኣዒንቲ ኽልቲኦም ተኸፍታጥራዮም ምዃኖም ድማ ፈለጡቈጽሊ በለስ ኣላጋጊቦም ከኣ ተዐጥቁ

Translation | Context