Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
እዚ ምስላዚ ከኣ በለ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ እተተኽለት በለስ ነበረቶ። ፍረ ደልዩ ናብኣ መጸ፡ ግናኸ ኣይረኸበላን። ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፥ እንሆ፡ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ እናደሌኹ ሰለስተ ዓመት መጺኤ፡ ኣይረኽብኩላን። ቍረጻ፡ ስለምንታይከ ንምድሪ ተባላሹ አላ፧ በሎ። ንሱ ግና፥ ጐይታይ፡ ወሰነ ወሰና ኽሳዕ ዝዅስኵሳ፡ ድዅዒ ኽሳዕ ዝድኵዓ፡ እዛ ዓመት እዚኣ ድማ ሕደጋ። ንዓመታ እንተ ፈረየት፡ ጽቡቕ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ሽዑ ትቘርጻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
Translation | Contextኣብ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ርእዩ ናብኣ ኸደ። ቈጽሊ ጥራይ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኣይረኸበላን እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይፍረ፡ በላ። እታ ኦም በለስ ብኡብኡ ነቐጸት። ደቀ መዛሙርቱ ርእዮም፡ እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ሕጂ ንሕጂ ነቐጸት፧ ኢሎም ተገረሙ። የሱስ መሊሱ በሎም፡ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተዋላወልኩም፡ እዛኦም በለስ ከም ዝዀነቶ ጥራይ ኣይትገብሩን፡ ነዚ ኸረን እኳ፡ ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ውደቕ፡ ትብልዎ እሞ ከም ኪኸውን፡ ኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዅሉ ኸምእትረኽቡ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextሓደ ምስላ ድማ ነገሮም፥ ኣብ ኦም በለስን ኣብ ኵሉ ኦምን ርኣዩ። ምጥጣዑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ ክረምቲ ምቕራቡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዀይኑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ።
Translation | Contextንጽብሒቱ ድማ ካብ ቢታንያ ኺወጹ ኸለዉ ጠመየ። ብርሑቕ ከኣ ቈጻል በለስ ረአየ፡ ምናልባሽ ገለ እንተ ረኸበላ ኺርኢ ኸኣ ናብኣ ኸደ። ናብኣ መጺኡ ኸኣ፡ ጊዜ በለስ ኣይነበረን እሞ፡ ቈጽሊ እምበር፡ ገለ እኳ ኣይረኸበላን። መሊሱ ድማ፥ ካባኺ ሓደ እኳ ንዘለኣለም ፍረ ኣይብላዕ፡ በላ። ደቀ መዛሙርቱውን ሰምዕዎ።
Translation | Contextምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ፡ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።
Translation | Contextየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ፥ እንሆ፡ ጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ፡ በለ። ናትናኤል፥ ኣበይ ትፈልጠኒ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ፊልጶስ ከይ ጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየካ፡ ኢሉ መለሰሉ። ናትናኤል ድማ፥ ረቢ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ፧ ካብዚ ዚዓቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱ፡ መላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎ።
Translation | Contextኦም በለስ ኣይክትዕምብብን፣ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህብን፣ ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልም፣ ግርሁ ምግቢ ኣይኩህቡን እዩ፣ ኣባጊዕ ካብ ደምበ ኺጠፍኣ፣ ኣሓውን ኣብ ደምቤታት ኪሰኣና እየን። ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል፣ ብኣምላኽ ምድሀነይ እልል ክብል እየ። እግዚኣብሄር፣ እቲ ጐይታ፣ ሓይለይ እዩ፣ ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፣ ኣብቲ በሪኽ ቦታይውን ኬመላልሰኒ እዩ። ንመሪ ጌታ ብመሰንቆ።
Translation | Contextኦም በለስ፡ ብርቱዕ ንፋስ ሰሰው ምስ ኣበላ፡ ነቲ ዝጐዔ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ፡ ከምኡ ኸኣ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ወደቑ።
Translation | Contextእቲ በለስ ግና፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ጣዕመይን ጽቡቕ ፍረይንዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም።
Translation | Contextእታ ሓንቲ መሶብ፡ ከምቲ ፍልም ዝበሰለ በለስ፡ ኣዝዩ ጽቡቕ በለስ ነበራ፡ እታ ሓንቲ መሶብ ድማ ምብላዑ ዘይከኣል ኣዝዩ ሕማቕ በለስ ነበራ።
Translation | Contextካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ። ወይስ ዔላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ጥዑምን መሪርን ማይ ትፍልፍል እያ፧ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኦም በለስዶ ፍረ ኣውልዕ ክትፈሪ ይከኣላ እዩ፡ ወይ ተኽሊ ወይንስ ፍረ በለስ፧ ከምኡኸ እታ ዔላ ጨው ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይከኣላን እዩ።
Translation | Contextበታ ቕነ እቲኣ ድሕርዚ መከራዚ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ።
Translation | Contextኣብ መሮር ድማ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ረኸቡ፡ ናብ ዳዊት ከኣ ወሰድዎም። ንሱ እንጌራ ኸይበልዔን ማይ ከይሰተየን ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገይሩ ነበረ እሞ፡ እንጌራ ሀብዎ፡ በልዔ ድማ፡ ማይ ኣስተይዎ፡ ቍራስ ጐግ በለስን ክልተ ዘለላ ወይንን ድማ ሀብዎ። ምስ በልዔ ኸኣ ነፍሱ ተመልሰቶ።
Translation | Contextሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም።
Translation | Contextሽዑ ኣዒንቲ ኽልቲኦም ተኸፍታ፡ ጥራዮም ምዃኖም ድማ ፈለጡ። ቈጽሊ በለስ ኣላጋጊቦም ከኣ ተዐጥቁ።
Translation | Context