Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

finding a job


ዮሃንስ 15:7 | 8 Helpful votes

ኣባይ እንተ ጸናዕኩምቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም

Translation | Context
ፊልጲ 4:19 | 7 Helpful votes

ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 90:17 | 6 Helpful votes

ጸጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ይኹን፣ ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና፣ እወ፣ ንተግባር ኣእዳውና ንስኻ ኣስልጦ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:14 | 6 Helpful votes

ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩምክገብረልኩም እየ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:6 | 6 Helpful votes

ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 11:24 | 5 Helpful votes

ስለ፥ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩም እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሉቃስ 11:9 | 4 Helpful votes

ኣነ ኸኣ፡ ዚልምን ዘበለ ይቕበልዚደሊ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃህዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ኺውሃበኩምድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ እብለኩም አሎኹ

Translation | Context
ያእቆብ 1:1-27 | 4 Helpful votes

ያእቆብ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ሰላም ይብሎም አሎ። ኣሕዋተየበበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩምንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ። ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖኪውሀቦውን እዩ። እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምንክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ። እቲ ለጠቕ ዝበለ ሓው ግና ልዕል ብምባሉ ይመካሕ። እቲ ሃብታምውንከም ዕምባባ ሳዕሪ ኺሐልፍ እዩ እሞ፡ ብውርደቱ ይመካሕ። ጸሓይ ምስ ዋዒኣ ትወጽእ እሞ፡ ነቲ ሳዕሪ ተንቅጾ፡ እቲ ዕምባባኡ ኸኣ ይረግፍደመት ትርኢቱ ድማ ይጠፍእ፡ ከምኡውን እቲ ሃብታም ብመገዱ ኺሐርር እዩ። ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ። ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበልነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰትንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ። ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተይኣይትስሐቱጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድበዅሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ እዩ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደናፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን። ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎገበርቲ ቓል ኩኑርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዖ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ። ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:7 | 3 Helpful votes

ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ

Translation | Context
ሉቃስ 18:1 | 3 Helpful votes

ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ፡ ብምስላ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኡሉ፡

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 3 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 3 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:24 | 3 Helpful votes

ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎንሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:13 | 2 Helpful votes

ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ።

Translation | Context
መዝሙር 37:3-5 | 2 Helpful votes

ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብሰናይ ድማ ግበር ኣብታ ሃገር ተቐመጥእምነት ከኣ ድለ። ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ። መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ፣ ኣብኡ ተወከል፣ ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ።

Translation | Context
መክብብ 9:10 | 2 Helpful votes

ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እተረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ

Translation | Context
ኤፌሶን 1:11 | 2 Helpful votes

ንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ክብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳብ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ።

Translation | Context