Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ምእንቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህያው ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ስጋ ኺጠፍእሲ፡ እንሆ ድማ፡ ኣነ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ኸምጽእ እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ኺመውት እዩ።
Translation | Contextነታ ቐዳመይቲ ዓለም ድማ ካብ ዘይነሐፋስ፡ ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ኸኣ፡ ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሐለዎ።
Translation | Contextአዘዘ እሞ፣ ማዕበላት ዜልዕል ህቦብላ ንፋስ ኣተንስኤ። ናብ ሰማይ ደየቡ፣ ናብ መዓሙቚ ወረዱ፣ ነፍሶም ብመከራ መኸኸት። ከም ሰካር ኣሕወዝወዙን ሰንከልከል በሉን፣ ኵሉ ጥበቦም ከኣ ጠፍኤ። ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፣ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣውጽኦም። ንህቦብላ ናብ ህድኣት ለወጦ፣ ማዕበላት ከኣ ዝግ በሉ። ስለ ዝሀድኤ ተሐጐሱ፣ ናብቲ ዝደለይዎ ወደብ ድማ ኣብጽሖም።
Translation | Contextከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትውን ነበሩ። ማይ ኣይሂ ድማ መጸ ንዅሎምውን ኣጥፍኤ።
Translation | Contextትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደት፡ ማለት ሾሞንተ ነፍሲ፡ ብማይ ዝደሐናላ፡ ነቶም ቀደም ዘይአመኑ ሰበኸሎም።
Translation | Contextኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ንኖህን ነቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ዅሎም ኣራዊትን ኵሉ እንስሳን ዘከረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ምድሪ ንፋስ ኣንፈሰ፡ እቲ ማይ ከኣ ጐደለ። ናይቲ መዓሙቝ ዓይኒ ማያትን መሳዅቲ ሰማይን ተዐብሰ። ሰርቢውን ካብ ሰማይ ጸሓየ። እቲ ማይ ድማ ኻብ ምድሪ እናተመልሰ ኸደ። ኣብ መወዳእታ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኸኣ እቲ ማይ ጐደለ። ብሳብዓይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ መዓልቲ፡ እታ መርከብ ኣብ ኣኽራን ኣራራት ዐረፈት። እቲ ማይ ከኣ ክሳዕ ዓስረይቲ ወርሒ እናጐደለ ኸደ። ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ርእሲ እቲ ኣኽራን ተራእየ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ ኣርብዓ መዓልቲ ኖህ ነቲ ኣብ መርከብ ዝሰርሖ መስኰት ከፈቶ። ኳዅ ድማ ሰደደ፡ ንሱ ከኣ ማይ ካብ ምድሪ ኽሳዕ ዚነጽፍ፡ ንየው ነጀው ይማላለስ ነበረ። ድሕርዚ ድማ ማይ ካብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ጐዲሉ እንተ ዀነ ኺርኢ፡ ካብቲ ዘለዎ ርግቢ ሰደደ። ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ማይ ስለ ዝነበረ ግና፡ እታ ርግቢ እግራ እተዕርፈላ ኣይረኸበትን እሞ፡ ናብኡ ናብ መርከብ ተመልሰቶ። ኢዱ ዘርጊሑ ወሰዳ፡ ናብኡ ኸኣ ናብ መርከብ ኣእተዋ። ገና ኻልእ ሾብዓተ መዓልቲ ጸኒሑ ድማ፡ ነታ ርግቢ መሊሱ ኻብ መርከብ ሰደዳ። እታ ርግቢ ኣጋ ምሸት ተመልሰቶ፡ እንሆ ኸኣ ልሙዕ ቈጽሊ ኣውልዕ ኣብ ኣፋ ሒዛ ነበረት። ሽዑ ኖህ ማይ ካብ ምድሪ ኸም ዝነጸፈ ፈለጠ። ገና ኻልእ ሾብዓተ መዓልቲ ጸኒሑ ድማ ነታ ርግቢ ሰደዳ። ድሕሪ ደጊም ናብኡ ኣይተመልሰትን። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መበል ሹድሽተ ሚእትን ሓደን ዓመቱ ንኖህ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ነጸፈ። ሽዑ ኖህ ናሕሲ መርከብ ቀሊዑ ረአየ፡ እንሆ ኸኣ ገጽ እታ ምድሪ ነቒጻ ነበረት። ኣብ ካልኣይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን መዓልቲ እታ ምድሪ ነቐጸት። ኣምላኽ ድማ ንኖህ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንስኻን ሰበይትኻን ደቅኻን፡ ኣንስቲ ደቅኻ ኸኣ ምሳኻ፡ ካብ መርከብ ውጹ። ምሳኻ ዘሎ ዅሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ፡ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ለመምታን ኣብ ምድሪ ኺስስኑ፡ ምሳኻ ኣውጽኣዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ይፋረዩን ይባዝሑን። ሽዑ ኖህ፡ ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ከኣ ምስኡ ወጹ። ኵሉ ኣራዊትን ኵሉ ለመምታን ኵለን ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ዚዋሳወስ ዘበለ ዅሉን ድማ በብዓሌቶም ካብ መርከብ ወጹ። ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ ካብ ንጹህ እንስሳ ዘበለን ካብ ኵለን ንጹሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸኣ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣዕረገ። እግዚኣብሄር ድማ እዚ ጥዑም መኣዛ ኣጭነወ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብልቡ፡ ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ብሰሪ ሰብ ንምድሪ መሊሰ ኣይረግማን። ድሕሪ ደጊምሲ ኸምቲ ዝገበርክዎ፡ ህያው ንዘበለ ዅሉ መሊሰ ኣይክወቅዕን እየ። ምድሪ ኽሳዕ ዘላ፡ ዘርእን ዓጺድን፡ ዛሕልን ዋዕን፡ ሓጋይን ክረምትን፡ መዓልትን ለይትን ኣየቋርጽን እዩ፡ በለ።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
Translation | Contextኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ ካብ ንጹህ እንስሳ ዘበለን ካብ ኵለን ንጹሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸኣ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣዕረገ።
Translation | Contextእተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን።
Translation | Contextጐይታየ፣ ወሓይዝ ኣልዐሉ፣ ወሓይዝ ድምጾም ኣልዐሉ፣ ወሓይዝ ህማሞም ኣልዐሉ።
Translation | Contextእዚ ንኣይ ከምቲ ማያት ኖህ እዩ እሞ፡ ማያት ኖህ ኣብ ምድሪ መሊሱ ኸይውሕዝ ከም ዝመሐልኩ፡ ከምኡውን ከይቊጥዓክን ከይገንሓክን እምሕል አሎኹ።
Translation | Context