Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ዓሻ ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ኺገልጾ እምበር፡ ምስትውዓል ኣይፈቱን እዩ።
Translation | Contextዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን።
Translation | Contextፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ።
Translation | Contextኩራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ እሞ፡ ብመንፈስካ ንኹራ ኣይትተሀወኽ።
Translation | Contextጠቢባንሲ ፍልጠይ ይእርንቡ፡ ኣፍ ዓሻ ግና ናብ ጥፍኣት ቀረባ እዩ።
Translation | Contextጠቢብ ምስ ዓሻ እንተ ተማጐተ፡ ወይ ይዅሪ ወይ ከኣ ይስሕቕ፡ ዕረፍቲ የብሉን።
Translation | Contextዓሻስ ብልቡ፣ ኣምላኽ የልቦን፣ ይብል። ብልሽዋት እዮም፣ ፍንፉን ግብሪ ገበሩ፣ ሓደ እኳ ሰናይ ዚገብር የልቦን። ንእግዚኣብሄር ዚደሊ ለባም እንተሎ ኺርኢ ኢሉስ፣ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ጠመተ። ኵላቶም ዘምቢሎም፣ ብዘለዉ ዅላቶም ረኺሶም፣ ገለ ሰናይ ዚገብር የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን። እዞም ንህዝበይ ከም እንጌራ ዚውሕጥዎ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ዘይጠርዑ ገበርቲ እከይ ኵላቶምሲ፣ ፍልጠትዶ የብሎምን እዮም፧
Translation | Contextከናፍር ጠቢባን ፍልጠት ይዝርግሓ፡ ልቢ እቶም ዓያሱ ግና ኣይከምኡን እዩ።
Translation | Contextኣፍ ዓሻ ንእኡ ጥፍኣቱ እዩ፡ ከናፍሩ ኸኣ ወጽመድ ነፍሱ እየን።
Translation | Contextካብ ዓሻ ርሐቕ፡ ኣብኡ ኸናፍር ፍልጠት ኣይትርረክብን ኢኻ። ጥበብ እቲ ለባምሲ መገዱ ምፍላጥ እዩ፡ ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ጥበራ እዩ። እቶም ዓያሱ ብሓጢኣት ይዋዘዩ፡ ኣብ ማእከል እቶም ቅኑዓት ግና ጽቡቕ ፍቓድ አሎ።
Translation | Contextነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዅሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል።
Translation | Contextንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና።
Translation | Contextሓለንጊ ንፈረስ፡ ልጓም ንኣድጊ፡ በትሪ ንዝባን ዓሻ እዩ። ንስኻ ድማ ንእኡ ኸይትመስልሲ፡ ንዓሻ ኸም ዕሽነቱ ኣይትምለሰሉ። ዓሻ፡ ጠቢብ ከም ዝዀነ ኸይመስሎስ፡ ከም ዕሽነቱ ምለሰሉ። እቲ ብኢድ ዓሻ መልእኽቲ ዚሰድድ ባዕሉ ኣእጋሩ ይቘርጽ እሞ መከራ ይሰቲ። ኣእጋር መጻጕዕ ጠልጠል ይብላ፡ ምስላ ኸኣ ኣብ ኣፍ ዓያሱ ኸምኡ እዩ። ንዓሻ ኽብረት ምሃብሲ፡ ከምቲ ኸረጺት ዕንቊ ናብ ኲምራ እምኒ ምድርባይ እዩ። ምስላ ኣብ ኢድ ዓያሱ ኸም እሾኵ ኣብ ኢድ ሰካር እዩ። እቲ ምስ ዓሻን ምስ ሓላፍ መገድን ዚውዓዓል፡ ከምቲ ንዚረኸበ ዚወግእ ወርዋር ፍላጻ እዩ። ከልቢ ናብ ትፋኡ ኸም ዚምለስ፡ ዓሻ ኸምኡ ንዕሽነቱ ይደጋግሞ። ኣነ ጥበበኛ እየ፡ ዚብል ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፡ ካብ ብኡኡስ ብዓሻ ተስፋ ምግባር ይበልጽ።
Translation | Contextኣነ ግና፡ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ።
Translation | Context