Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

3 bible verses about

forcing


ማቴዎስ 23:1-39 | 18 Helpful votes

ድሕርዚ ኸኣ የሱስ ነቶም ህዝብን ንደቀ መዛሙርቱን ተዛረቦም ከምዚ ኢሉ፡ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም አለዉ። ስለዚ ዚብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሐልዉን፡ ግናኸ፡ ይብሉ ደኣ እምበር፡ ኣይገብሩን እዮም እሞ፡ ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ። ከቢድን ምጽዋሩ ዘይምሽውን ጾር ጠሚሮምንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ፡ ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን። ኵሉ ግብሮምሰብ ምእንቲ ኺርእዮም ይገብሩክታባውቶም ይግፍሑዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ። ኣብ ምሳሕ ስፍራ ኽብሪ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኣብ ኣውራ ምቕማጥ ይቕመጡ።ዕዳጋ ኺሳለምዎምብሰብውን መምህራን ኪብሀሉ ይፈትዉ። ንስኻትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡ መምህራን ኣይትብሀሉ፡ ንስካትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም። ኣቦኹም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ፡ ሓደ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ። መራሒኹም ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ። እቲ ኻባኻትኩም ዚበልጽሲ ግዙእኩም ይኹን። ርእሱ ዘልዐለ ኺሐስር፡ ርእሱ ዘትሐተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩ። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንንመንግስተ ሰማያት ንሰብ ትዐጽዉሉ፡ ንርእስኹም ኣይትአትውዋን፡ ነቶም ኪአትውዋ ዚደልዩ ድማ ኪአትዉ ኣይትሐድግዎምን ኢኹም እሞ፡ ውይለኹም። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንንቤት መበለታት ትበልዑንምኽንያትውን ጸሎት ተንውሑ አሎኹም። ስለዚ ዝገደድ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንንሓደ ጵሮሴሊት ክትገብሩ ባሕርን ምድርን ትዞሩ፡ ምስ ኰነ ኸኣ ካዕበትኩም ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኩም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ብቤት መቕደስ ዚምሕል ደሓን እዩ፡ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ንዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ እትብሉ ዕዉራት መራሕቲወይለኹም። ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትን፡ ኣየናይ ይዐቢወርቅዶ ወይስ እታ ንወርቂ እትቕድሶ ቤተ መቕደስብመሰውኢ ዚምሕል ደሓን እዩ፡ በቲ ኣብ ርእሲኡ ዘሎ ቝርባን ዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ ትብሉ። ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትንኣየናይ ይዐቢቍርባንዶ ወይስ እቲ ንቝርባን ዚቕድሶ መሰውኢ፧ እምብኣርስከ እቲ ብመሰውኢ ዚምሕል፡ ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዅሉን ይምሕል አሎ። እቲ ብቤተ መቕደስ ዚምሕል ከኣ፡ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዚነብርን ይምሕል አሎ። እቲ ብሰማይ ዚምሕልዝፋን ኣምላኽን በቲ ኣብኡ ዚቕመጥን እዩ ዚምሕል። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ጨና ኣዳም፡ ካብ ሽላን፡ ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ ፍርዲምሕረትእምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምግሕዳግ ይግባእ። ኣቱም ቃርማ እተጽርዩገመል ከኣ እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንንዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ትሐጽቡውሽጡ ግና ከትርን ስስዔን ምሉእ እዩ እሞ፡ ወይለኹም። ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ፡ ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ጽሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽርዮ። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንንወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርኤውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹምከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትረአይዎ፡ እቲ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓምጻን ምሉእ እዩ። ኣቱም ግቡዛት ጸሓትን ፈሪሳውያንንመቓብር ነብያት ትሰርሑመቓብር ጻድቃንውን ትስልሙ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹምብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተ ንኸውንሲ፡ ኣብቲ ደም ነብያት ኣይምተጸንበርናን፡ ትብሉ አሎኹም። እምበኣርስኸ ደቂ ቐተልቲ ነብያት ምዃንኩም ባዕላትኩም ትምስክሩ አሎኹም። ንስኻትኩም መስፈር ኣቦታትኩም መልኡኣቱም ኣትማን፡ ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን፡ ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧ ስለዚ እንሆነብያት ጠቢባንን ጸሓፍትን እልእከልኩም አሎኹ። ንገሊኦም ትቐትሉን ትሰቕሉን፡ ንገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ጸሎትኩም ትገርፉ፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ትሰጕዎም አሎኹም። እቲ ኻብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ፡ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራክያስ፡ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዅሉ ጻድቕ ደም ኣባኻትኩም ኪበጽሕ እዩ። እዚ ዅሉ ነዚ ወለዶ እዚ ኸም ዚበጽሖብሓቂ እብለኩም አሎኹ። የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ፡ ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦምክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም። ደጊም፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም እሞ፡ እንሆቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:1-25 | 7 Helpful votes

ከምኡ ሰማይን ምድርን ኵሉ ሰራዊቶምን ተፈጸሙኣምላኽ ከኣ ነቲ ዝገበሮ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ፈጸሞብሳብዓይቲ መዓልቲ ድማ ኻብቲ ዝገበሮ ዅሉ ግብሩ ዐረፈኣምላኽ ከኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኵሉ ግብሩ ብእኣ ስለ ዝዓረፈ፡ ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን። በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምድርን ሰማይን ዝፈጠረላ መዓልቲ ምስ ተፈጥሩወለዶ ሰማይን ምድርን እዚ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ገና ኣየዝነመን ነበረ፡ ንምድሪ ዚዐዪ ሰብውን ኣይነበረን እሞ፡ ገና ገለ ኦም መሮር ኣይነበረንሳዕሪ መሮር ከኣ ሓንቲኳ ኣይበቘለትን ነበረት። ግናኸ ንዅሉ ዝባን ምድሪ ዜስቲ ግመ ኻብ ምድሪ ይወጽእ ነበረ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኤድን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ተኸለነቲ ዝገበሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ምርኣዩ ዜብህግምብላዑ ዝጥዑም ኵሉ ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ፡ ኣብ ማእከል ገነት ከኣ ኦም ህይወት፡ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ድማ። ንገነት ዜስቲ ርባ ከኣ ካብ ኤድን ይውሕዝ ነበረ። ካብኡ ድማ ተፈላልዩ ኣርባዕተ ጨንፈር ኰነስም እቲ ሓደ ፒሶን እዩ። ነሱ ነታ ወርቂ ዘለዋ ዅላ ምድሪ ሓዊላ ይኸብብወርቂ እታ ምድሪ እቲኣ ድማ ጽቡቕ እዩ። ኣብኡ ብዶላህን ክቡር ዕንቍን አሎስም እቲ ኻልኣይ ርባ ድማ ጊሆን እዩ፡ ንሱ ንዅላ ምድሪ ኩሽ ይዞራስም እቲ ሳልሳይ ርባ ኸኣ ሄዴቄል እዩ፡ ንሱ ብቕድሚ ኣሶር ኣቢሉ ዚኸይድ እዩ። እቲ ራብዓይ ርባ ድማ ኤፍራጥስ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱኪዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤድን አቐመጦእግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፡ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ አዘዞ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነንንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ፡ በለእግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንዅሉ ኣራዊት መሮርን ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ ምድሪ ገበረእንታይ ከም ዚሰምየን ምእንቲ ኺርኢ ኸኣ ናብ ሰብ ኣምጽኤን። ነቲ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ዅሉ፡ እቲ ሰብ ከም ዘውጽኣሉስሙ ንሱ ዀነ። ሰብ ድማ ንዅሉ እንስሳን ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ሰስሙ ሀቦ። ንሰብ ግና ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ኣይተረኽበትንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ነቲ ሰብኣይ ከቢድ ድቃስ ኣውደቐሉደቀሰ ድማ። ካብ መሰንገሊኡ ኸኣ ሓንቲ ወሰደ፡ ኣብ ስፍራኣ ድማ ስጋ መልኣእግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ኻብ ሰብኣይ ዝወሰዳ መሰንገለሰበይቲ ገይሩ፡ ሰርሓ እሞ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፥ እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ፡ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞሰበይቲ ትብሀልበለስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ። እቲ ሰብኣይን ሰበይቱን ድማ ኽልቲኦም ጥራዮም ነበሩ፡ ኣይሓንኩን ከኣ ነበሩ።

Translation | Context
ሮሜ 3:20 | 7 Helpful votes

ሕግስ ሓጢኣት እዩ ዜፍልጥ እሞ፡ ስለዚ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድሚኡ ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ የልቦን

Translation | Context