Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all7 bible verses about
ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።
Translation | Contextኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእ እዩ፡ ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ።
Translation | Contextኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ እንተሎ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶ።
Translation | Contextንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኹም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ።
Translation | Contextዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።
Translation | Contextኣበሳኡ እተሐድገሉ፣ ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር በደሉ ዘይጽብጽበሉ፣ ኣብ መንፈሱውን ልግሚ ዜብሉ ሰብ ብጹእ እዩ። ስቕ ኢለ ኸሎኹ፣ ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ኣዕጽምተይ ዘርጋሕጋሕ በለ። ለይትን መዓልትን ኢድካ ኸበደትኒ እሞ፣ ከም ብሃሩር ሓጋይ ማራይ ነቐጸ። ሓጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ፣ በደለይውን ኣይሰወርኩን፣ ንእግዚኣብሄር ኣበሳይ ክናዘዘሉ እየ፣ በልኩ። ንስኻውን እከይ ሓጢኣተይ ይቕረ በልካለይ። ስለዚ ደጊ ዘበለ ዅሉ ብእትርከበላ ጊዜ ይልምነካ፣ ብሓቂ ብርቱዕ ውሒዝ እንተ ደፍኤውን፣ ኣይኪበጽሖን እዩ። ንስኻ ኸውለይ ኢኻ፣ ካብ ጸበባ ትሕልወኒ፣ ብእልልታ ምድሓን ትኸበኒ፣ ኣነ ኽምህረካ፣ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፣ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ። ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም፣ ናባኻ ምቕራብ ስለ ዝአበየ፣ ብልባብን ብልጓምን ዚግርሑ ኣፍራስን ኣባቕልን ኣይትኹኑ። ንረሲእ ብዙሕ ስቓይ አለዎ፣ ነቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል ግና፣ ንእኡ ብጸጋ ኪኸቦ እዩ። ኣቱም ጻድቃን፣ ብእግዚኣብሄር ተሐጐሱ፣ ባህ ድማ ይበልኩም፣ ኣቱም ቅኑዓት ልቢ ዅላትኩም፣ እልል በሉ።
Translation | Context