Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።
Translation | Contextንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኹም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሐድገልኩም፡ ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ አሎኩም፡ ሕደጉሉ።
Translation | Contextነፍሲ ዝቐተለ ዘበለ እቲ ቐታሊ ብኣፍ ምስክር ይቀተል፡ ምስክር ሓደ ግና ንሞት ነፍሲ ምስክር ኣይኹን።
Translation | Contextኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም።
Translation | Contextግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።
Translation | Contextሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ፡ ጐይታይ፡ ሓወይ እንተ በደለንስ፡ ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ በሎ። የሱስ በሎ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር፡ ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን።
Translation | Contextነቶም ቀዳሞት፡ እቲ ዝቐተለ ኺፍረዶ እዩ እሞ፡ ኣይትቕተል፡ ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና፡ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ። እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ፡ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።
Translation | Contextእቲ ዚስዕር ነዚ ኺወርሶ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክዀኖ፡ ንሱውን ውሉደይ ኪዀነኒ እዩ። እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።
Translation | Contextሕጂ ግና ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፥ ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ።
Translation | Contextንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን።
Translation | Contextኣይትቕተል።
Translation | Contextፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን።
Translation | Contextብእኡ ዚኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚረኽብ፡ ኲሎም ነብያት ይምስክሩሉ አለዉ።
Translation | Contextእከይ ኪፈዲ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ እሞ፡ ንሱ ኼድሕነካ እዩ።
Translation | Contextኣቱም ኣሕዋተየ፡ ንሓድሕድኩም ኣይተተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዚሐሚ ወይስ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ ነቲ ሕጊ ይሐምዮ፡ ኣብ ሕጊውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርድ ግና፡ ፈራዲ እምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን። እቲ ኼድሕንን ኬጥፍእን ዚኽእል ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ኣብ ብጻይካ እትፈርድከ ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፧
Translation | Contextንርእስኹም ተጠንቀቑ። ሓውካ እንተ በደለካ፡ ግንሐዮ፡ እንተ ተጣዕሰ፡ ሕደገሉ። ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ እንተ በደለካ፡ ተጥዒሰ እናበለ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመልሰ፡ ሕደገሉ።
Translation | Context