Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ካብ ወልዶ ንወለዶ ግብርታትካ ይንእዱ፣ ስልጡን ተግባርካውን የውርዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፣ ጸጋኡ ንዘለአለም፣ እምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
Translation | Contextወደየ፡ ስማዕ፡ ቃለይ ድማ ተቐበል፡ ዓመታት ዕድሜኻውን ኪበዝሕ እዩ። ብጐደና ጥበብ መሀርኩኻ፡ ብመገዲ ቕንዕና መራሕኩኻ። ከትከይድ ከሎኻ፡ ስጕምትኻ ኣይኪሐጽርን፡ እንተ ጐየኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢካ። ህይወትካ እያ እሞ፡ ንተግሳጽ ሐዛ፡ ኣይትሕደጋ፡ ሐልዋውን፡ ናብ መገዲ ረሲኣን ኣይትእቶ፡ ብጐደና እቶም እኩያት ከኣ ኣይትኺድ። ካብኣ ርሐቕ፡ ብእኣ ኣይትሕለፍ፡ ኣግልሰላ፡ ክንየዋ ኺድ። እንጌራ ረሲእነት ይበልዑ፡ ወይኒ ዓመጻ ድማ ይሰትዩ፡ እከይ ከይገብሩ ኸኣ ኣይድቅሱን እዮም እሞ፡ ገለ እንተ ዘየውደቑስ፡ ድቃስ ካብኦም ይበርር። መገድ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ፡ ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ፡ እናወሰኸት ትበርህ። መገዲ ረሲኣን ግና ከም ጸልማት እያ፡ እንታይ ከም ዚዕንቅፎም ኣይፈልጡን። ወደየ፡ ናብ ቃላተይ ኣቕልብ፡ ኣዝንኻ ናብ ዘረባይ ኣድንን። ንዝረኽበን ህይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸኣ ፈውሱ እየን እሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይተርሕቀን፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቘረን። ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ፡ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ። ንለግመኛ ኣፍ ካባኻ ደርብዮ፡ ንውስልትና ኸናፍር ከኣ ካባኻ ኣርሕቆ። ኣዒንትኻ ቀኒዔን ይርኣያ፡ ቈላሕታኻውን ንቕድሚት ይጠምታ። ንመገዲ እግርኻ ኣቕንዓያ፡ ኵሉ ጐደናኻ ምዱብ ይኹን። ንየማን ወይስ ንጸጋም ኣይተግልስ፡ ንእግርካ ኻብ እከይ ኣርሕቆ።
Translation | Contextቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም፡ በሎ።
Translation | Contextካብ ውሉዶም ኣይንሐብኦን፣ ነቲ ዚመጽእ ወለዶስ ምስጋና እግዚኣብሄርን ስልጣኑን እቲ ዝገበሮ ተአምራቱን ደኣ ንነግሮ።
Translation | Contextምሕረቱውን ነቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
Translation | Contextእዚ ነቲ ዚመጽእ ወለዶ ኺጽሐፍ፣ እቲ ዚፍጠር ህዝቢውን ንእግዚኣብሄር ኬመስግኖ እዩ።
Translation | Contextትእምርትታቱ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ፣ ተኣምራቱ ድማ ከመይ ዝበለ ብርቱዕ እዩ። መንግስቱ ዘለኣለማዊት መንግስቲ እያ፣ ግዝኣቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
Translation | Contextምስክራትካ ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፣ ንዘለአለም ርስተይ ገበርክዎ።
Translation | Contextነዚ ወለዶዚ ቕልጽምካ፣ ነቲ ዚመጽእውን ስልጣንካ ኽሳዕ ዘበስሮምሲ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ።
Translation | Contextእቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
Translation | Contextኣነ መጺኤ ንምድሪ ብጽንዓት መርገም ከይወቕዓስ፡ ንሱ ልቢ ኣቦታት ናብ ደቂ፡ ልቢ ደቂ ድማ ናብ ኣቦታቶም ኪመልስ እዩ።
Translation | Contextጳውሎስ ባርያ የሱስ ክርስቶስ፡ ሃዋርያ ኪኸውን እተጸውዔ፡ ንወንጌል ኣምላኽ እተፈልየ፡ ኣቐዲሙ ብነብያቱ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘተስፈዎ፡ ብዛዕባ ወዱ፡ ብስጋ ኻብ ዘርኢ ዳዊት እተወልደ፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ ካብ ምዉታት ብምትንሳኡ፡ ብመንፈስ ቅዱስና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ እተጋህደ፡ ስለ ስሙ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ምእዛዝ እምነት ክንተክል፡ ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን እተቐበልና፡ ንስኻትኩም ከኣ ምሳታቶም ጽዉዓት የሱስ ክርስቶስ ኢኹም፡ ኣብ ሮሜ ንዘሎኹም ጽዉዓትን ቅዱሳንን ፍቁራት ኣምላኽ ኲላትኩም። ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይሃሉኹም። እምነትኩም ኣብ ኲላ ዓለም ስለ እተወርየት፡ ቅድሚ ዂሉ ብዛዕባ ዂላትኩም ንኣምላኸይ ብየሱስ ክርስቶስ ኤመስግኖ አሎኹ። ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም፡ ክርእየኩም እናፍቕ አሎኹ፡ ማለት፡ በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት፡ - ናትኩምን ናተይን፡ ኣባኹምን ምሳኹምን፡ - ምእንቲ ኽንጸናናዕሲ፡ ብዘይ ምቊራጽ ከም ዝሐስበኩም፡ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰለጠንስ፡ ብገለ መገዲ ኣብ መወዳእታ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጸሎተይ ኲሉ ሳዕ ከም ዝልምን፡ እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ። ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ከምቲ ኣብቶም ካልኦት ኣህዛብ፡ ኣባኻትኩምውን ፍረ ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም ንምምጻእ፡ ምኽረይ ከም ዝቘረጽኩ፡ ክሳዕ ሕጂ ግና ከም እተኸልከልኩ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ። ንጽርኣውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን ንለባማትን ንዓያሱን ዕዳ አሎኒ። ስለዚ ብናይ ርእሰይሲ ኣብ ሮሜ ንዘሎኹምውን ወንጌል ክሰብከልኩም ተዳልየ አሎኹ። ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊ፡ ንዚኣምን ዘበለ ዂሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ። ከምቲ ጽሑፍ፡ ጻድቕ ግና ብእምነት ይነብር፡ ዚብል፡ እቲ ጽድቂ ኣምላኽ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ ይገሃድ እዩ። ቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ። ኣምላኽ ገሊጹሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ፡ ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ። ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ። ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞ፡ ንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ። ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም። ስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ። ከምቲ ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዘየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሀቦም። ዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስስዔ፡ ክፍኣት ዝመልኦም፡ ምሉኣት ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰል፡ እከይ፡ መሕሸዂሸዂቲ፡ ሓመይቲ፡ ኣብ ኣምላኽ ጽሉኣት፡ ገፋዕቲ፡ ኲሩዓት፡ ተዘሃርቲ፡ ተጣበብቲ እከይ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ደናቚርቲ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዜብሎም፡ ዘይድንግጹ፡ እዚኣቶም፡ ነቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም፡ ነቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እናፈለጥዎ ኽነሶምሲ፡ ምስቶም ዚገብርዎ ድማ ይሰምሩ አለዉ እምበር፡ ዚገብርዎ ጥራይ ኣይኰኑን።
Translation | Contextኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ብቕድሚኡ ሐለፈ አወጀ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር፡ መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፡ ንዂራ ደንጓይ፡ በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን፡ ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕሉ፡ ዓመጽን ምትሕልላፍን ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል፡ ግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ፡ ሓጢኣት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ።
Translation | Context