Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ብኸምኡ እተረኽበ ገንዘብ እናጐደለ ይኸይድ፡ ብኢድ ዚእከብ ግና እናበዝሔ ይኸይድ።
Translation | Contextግራቱ ዚከናኸን እንጌራ ይጸግብ፡ ደድሕሪ ምናምን ዚስዕብ ግና ሽጋር ይጸግብ። እሙን ሰብ ኣዝዩ ይባረኽ፡ እቲ ኽህብትም ኢሉ ዚህወኽ ግና ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን።
Translation | Contextንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ። ስለዚ ተቢዕና፡ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል።
Translation | Contextኣነ ብግራት ሃካይ፡ ብናይቲ ኣኣምሮ ዜብሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ሐለፍኩ፡ እንሆ ድማ፡ ተዀርባ በቝልዎ፡ ቈጥቋጥ ውሒጥዎ፡ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ። ልበይ ኣውዲቐ ኣብኡ ተመልከትኩ፡ ንእኡ ርእየ ድማ ትምህርቲ ረኸብኩ፡ ቅሩብ ድቃስ፡ ቅሩብ ትኽስታ፡ ምእንቲ ኽትዐርፍ ቅሩብ ኣእዳውካ ምምስቃል፡ ሽዑ ድኽነትካ ገስጊሱ፡ ንዴትካ ኸኣ ከም እተሰለፈ ሰብኣይ ይመጸካ።
Translation | Contextብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ።
Translation | Contextእቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።
Translation | Contextእሙን ሰብ ኣዝዩ ይባረኽ፡ እቲ ኽህብትም ኢሉ ዚህወኽ ግና ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን።
Translation | Contextንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ።
Translation | Contextንድኻ ዜጥቅዖ የሀብትሞ፡ ንሃብታም ዚህቦ ኣብ ስእነት ጥራይ የብጽሖ።
Translation | Contextክፉእ ዝዓይኑ ሰብ ኪህብትም ይቕልጥፍ፡ ሽጋር ከም ዚወርዶ ኸኣ ኣይፈልጥን።
Translation | Context