Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ኣንጊህኩም ምትንሳእኩም፣ ኣምሲኹም ምድቃስኩም፣ እንጌራ ጻዕሪ ምብላዕኩም ከንቱ እዩ፣ እዝስ ንፍቁራቱ ደቂሶም ከለዉ ይህቦም እዩ።
Translation | Contextንምብላዕ እኳ ጊዜ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ ዚመጹን ዚኸዱን ብዙሓት ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም፡ ሓንሳእ ክትዓርፉ ንዑናይ፡ በሎም።
Translation | Contextእንተ ተገምሰስካ ኣይክትብህርርን ኢኻ፡ በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካውን ኪጥዕም እዩ።
Translation | Contextእምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝአተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዓሪፉ አሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋቶም አላ። ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ክንኣቱ ንጋደል።
Translation | Contextመዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክር። ሹድሽተ መዓልቲ ዕየ፡ ተግባርካ ዅሉ ግበር። እታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየ። እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳን።
Translation | Contextኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።
Translation | Contextእወ፡ ኣቦይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ስምረትካ ዀይኑ። ካብ ኣቦይ ኵሉ ተዋሂቡኒ አሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን ዚፈልጦ የልቦን። ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፣ ብሰላም እግምሰስን እድቅስን አሎኹ።
Translation | Contextኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።
Translation | Contextሰንበት ደኣ እያ ምእንቲ ሰብ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብሲ ምእንቲ ሰንበት ኣይኰነን።
Translation | Contextስለዚ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ ነዚ ቓል እዚ ንዒቕኩም፡ ኣብ ዓመጽን ኣብ ጐመጽን ተወኪልኩም፡ ንእኡ ጸግዒ እትገብሩስ፡ ስለዚ እዚ ኣበሳ እዚ ኸም ሓደ ኺወድቕ ዝቐረበ ነቓዕ፡ ከምቲ ብድንገትን ብቕጽበትን ዚፈርስ እተዘዘወ ነዊሕ መንደቕ ኪዀነኩም እዩ፡ ዕትሮ ስራሕ መሬት ከም ዚሰባበር፡ ኪሰባበር እዩ፡ ካብቲ ገልዑ እኳ ሓዊ ኻብ እቶን ዚጽሐሮ፡ ወይስ ማይ ካብ ሓጽቢ ዚቕድሖ ኸም ዘይርከብ፡ ብዘይ ምሕረት ኪሰባበር እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ኢሉ አሎ እሞ፡ ብምምላስኩምን ብምህዳእኩምን ክትድሕኑ ኢኹም፡ ሓይልኹም ኣብ ህድኣትን ኣብ ምውካልን ኪኸውን እዩ፡ ግናኸ ኣቤኹም።
Translation | Contextኣነ ብግራት ሃካይ፡ ብናይቲ ኣኣምሮ ዜብሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ሐለፍኩ፡ እንሆ ድማ፡ ተዀርባ በቝልዎ፡ ቈጥቋጥ ውሒጥዎ፡ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ። ልበይ ኣውዲቐ ኣብኡ ተመልከትኩ፡ ንእኡ ርእየ ድማ ትምህርቲ ረኸብኩ፡ ቅሩብ ድቃስ፡ ቅሩብ ትኽስታ፡ ምእንቲ ኽትዐርፍ ቅሩብ ኣእዳውካ ምምስቃል፡ ሽዑ ድኽነትካ ገስጊሱ፡ ንዴትካ ኸኣ ከም እተሰለፈ ሰብኣይ ይመጸካ።
Translation | Contextሃብታም ክኸውን ኢልካ ኣይትጽዐር፡ ንጥበብካ ኣብኡ ኣይተውዕሎ። ከምቲ ንሰማይ ኣቢሉ ዚነፍር ንስሪ፡ ብርግጽ ኣኽናፍ የውጽእ እዩ እሞ፡ ኣዒንትኻዶ ናብቲ ዘየሎ ኸተውድቕ ኢኻ፡
Translation | Contextእቲ ዓያዩ ብዙሕ ወይስ ሒደት እንተ በልዔ፡ ጥዑም ድቃስ ይድቅስ፡ ንሃብታም ግና ጽጋቡ ኣየደቅሶን።
Translation | Context