Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ደቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰብ ምስ ኣተዉ፡ ንሳተን ከኣ ምስ ወለዳሎም፡ በቲ ዘበን እቲ፡ ብድሕሪኡ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ንጉዓት ሰባት ነበሩ። እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዚኣቶም እዮም።
Translation | Contextኰነ ድማ ሰብ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኺበዝሕ ምስ ጀመረ፡ ኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብ፡ መልክዔኛታት ከም ዝዀና ምስ ረኣዩ፡ ካባታተን ዘዝሐረይወን ኣንስቲ ወሰዱ። እግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሱ ስጋ ድማ እዩ፡ መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን፡ ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን፡ በለ። ደቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰብ ምስ ኣተዉ፡ ንሳተን ከኣ ምስ ወለዳሎም፡ በቲ ዘበን እቲ፡ ብድሕሪኡ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ንጉዓት ሰባት ነበሩ። እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዚኣቶም እዮም። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረአየ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰ፡ ብልቡ ድማ ጐሀየ። እግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሰብ ስለ ዝገበርክዎ ተጣዒሰ እየ እሞ፡ ንዝፈጠርክዎ ሰብ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ክሳዕ ለመምታ፡ ክሳዕ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ ካብ ዝባን ምድሪ ኽድምስሶም እየ፡ በለ። ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ። ወለዶ ኖህ እዚ እዩ፥ ኖህ ኣብቶም ወለዶታቱ ጻድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ። ኖህ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ። ኖህ ድማ ሰለስተ ወዲ፡ ሴምን ካምን ያፌትን፡ ወለደ። ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተባላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት። ስጋ ዘበለ ዅሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ከኣ ንምድሪ ረኣያ፡ እንሆ ድማ ተባላሽያ ነበረት። ኣምላኽ ከኣ ንኖህ በሎ፥ ብሰሮም ምድሪ ዓመጻ መሊኣ እያ እሞ፡ መወዳእታ ዅሉ ስጋ ኣብ ቅድመይ በጽሔ። እንሆ ድማ፡ ኣነ ምስታ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ። ንኣኻ ኻብ ኦም ጎፌር መርከብ ስራሕ። ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላ፡ ውሽጣን ግዳማን ከኣ ብቕጥራን ለቕልቃ። ከምዚ ኸኣ ግበራ፥ ምናሕ እታ መርከብ ሰለስተ ሚእቲ እመት፡ ምግፍሓ ሓምሳ እመት፡ ቍመታ ድማ ሰላሳ እመት ይዅን። ነታ መርከብ ኣብ ላዕላያ እመት ዝቝመቱ መስኰት ግበረላ። ኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጎቦኣ ግበሮ። ታሕታይን ካልኣይን ሳልሳይን ደርቢ ግበረላ። ምእንቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህያው ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ስጋ ኺጠፍእሲ፡ እንሆ ድማ፡ ኣነ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ኸምጽእ እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ኺመውት እዩ። ምሳኻ ግና ኪዳነይ ከቕውም እየ፡ ንስኻ፡ ምሳኻ ድማ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻን፡ ናብ መርከብ ክትኣቱ ኢኻ። ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኽትሕልዎም ድማ፡ ካብ ኵሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ፡ ከክልተ ኻብ ኵሉ ዓይነት ናብ መርከብ ኣእቱ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ይኹኑ። ንስኻ ብህይወት ምእንቲ ኽትሕልዎምሲ፡ ካብ ኣዕዋፍ በብዓይነተን፡ ካብ እንስሳ በብዓይነቱ ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዚብል በብዓይነቱ ጌርካ፡ ካብ ዝዀነ ዓሌት ከክልተ ናባኻ ይእተዉ። ካብ ዚብላዕ ኵሉ ዓይነት ብልዒ ድማ ንኣኻን ንኣታቶምን ቀለብ ኪኸውን ኣእቲኻ ኣባኻ ኣክቦ። ኖህ ድማ ከምኡ ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ።
Translation | Contextኣብኣ ድማ ካብ ንጉዓት ዓሌት፡ ንጉዓት ደቂ ዓናቅ ርኤና። ንሕና ኣብ ዓይንና ኸም ኣምበጣ ዀንና፡ ኣብ ኣዒንቶም ከኣ ከምኡ ነበርና።
Translation | Contextፍልስጥኤማውያን ድማ ኪዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ኣብ ሶኮ ናይ ይሁዳ ተአከቡ፡ ኣብ ኤፈስ-ዳሚም ኣብ መንጎ ሶኮን ኣዜቃን ሰፈሩ። ሳኦልን ሰብ እስራኤልን ድማ ከቲቶም ኣብ ለሰ ኤላህ ሰፈሩ፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪዋግኡ ድማ ተሰለፉ። ፍልስጥኤማውያን ነቲ ኸረን ብሓደ ወገኑ ቘሙ፡ እስራኤል ከኣ ነቲ ኸረን፡ ብሓደ ወገኑ ቘሙ፡ ኣብ መንጎኦም ድማ ለሰ ነበረ። ካብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ከኣ ጐልያድ ዝስሙ በዓል ጋት፡ ሹድሽተ እመትን ስድርን ዝቚመቱ፡ ተቓላሲ ሰብኣይ ወጸ። ቊራዕ ርእሲ ኣስራዚ ድማ ነበሮ፡ ከም ቅራፍ ዓሳ ዝበለ ድርዒውን ተኸዲኑ ነበረ። ሚዛን እቲ ድርዒ ኸኣ ሓሙሽተ ሽሕ ሲቃል ኣስራዚ እዩ። ኣብ ሰለፋቱ ድማ ስረ ኣስራዚ፡ ኣብ መንጎ መናኵቡ ኸኣ መዝረቕ ኣስራዚ ነበሮ። ዛብያ ሕላሱውን ክንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ነበረ፡ እቲ ብልሒ ሕላሱ ኸኣ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ሓጺን ይምዘን ነበረ፡ እቲ ጸዋር ዋልታኡ ድማ ቀቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ። ተንሲኡ ከኣ ስሉፋት እስራኤል፡ ስለምንታይ ኢኹም ንውግእ ክትስለፉ ዝወጻእኩም፧ ኣነ ፍልስጥኤማዊዶ ኣይኰንኩን፡ ንስኻትኩም ከኣ ገላዉ ሳኦል፧ ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ሕረዩ እሞ፡ ናባይ ይውረድ። ንሱ ምሳይ ተዋጊኡ ኪቐትለኒ እንተ ኸኣለ፡ ንሕና ባሮትኩም ክንከውን፡ ኣነ ኣሰኒፈ እንተ ቐተልክዎ ግና፡ ንስኻትኩም ባሮትና ዄንኩም ክትግዝኡና፡ ኢሉ ጨደረሎም። እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲኹ ኸኣ፡ ኣነ ሎሚ መዓልቲ ነቶም ስሉፋት እስራኤል ኣባጭየዮም አሎኹ እሞ፡ ንሓድሕድና ኽንዋጋእሲ፡ ሓደ ሰብኣይ ሀቡኒ፡ በለ። ሳኦልን ብዘሎ እስራኤልን እዚ ዘረባ እቲ ፍልስጥኤማዊ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ፈርሁን ተሸበሩን። ዳዊት ከኣ ወዲ እቲ እሴይ ዝስሙ ኤፍራታዊ ሰብአይ ብዓል ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ነበረ። እቲ ሰብኣይ እቲ ሾሞንተ ኣወዳት ነበርዎ፡ ንሱ ብዘበን ሳኦል ኣብ መንጎ ሰባት ዕድሜኡ ዝሐለፈ ኣረጊት ነበረ። እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ደቂ እሴይ ደድሕሪ ሳኦል ናብቲ ውግእ ከይዶም ነበሩ። ስም እቶም ናብ ውግእ ዝኸዱ ሰለስቲኦም ደቁ ኸኣ፡ እቲ በዅሪ ኤልያብ፡ እቲ ኻልኣዩ ኣቢናዳብ፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ሳማ ይብሀሉ ነበሩ። ዳዊት ከኣ ንሱ እቲ ንእሽቶኦም ነበረ። እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ድማ ደድሕሪ ሳኦል ከዱ። ዳዊት ከኣ ካብ ሳኦል ከይዱ ኣባጊዕ ኣቦኡ ኣብ ቤት-ልሄም ኪሕሉ ይመላለስ ነበረ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ብጊሓትን ምሸትን ቀሪቡ ኣብ ቅድሚኦም ይቐውም ነበረ። እሴይ ከኣ ንወዱ ዳዊት፡ ሓደ ኤፋ ኻብዚ ቘሎ እዚ፡ እዚ ዓሰርተ እንግራ እዚ ድማ ሒዝካ ቐልጢፍካ ናብ ኣሕዋትካ ናብቲ ሰፈር ኪድ። እዘን ዓሰርተ ጐጎ ኣጂቦ እዚኤን ከኣ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ውሰደሉ። ኣሕዋትካ ደሓን እንተለዉ ርኢኻስ፡ ካባታቶም ድማ መፈለጥታ ኣምጽአለይ፡ በሎ። ሳኦልን ንሳቶምን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ከኣ ኣብ ለሰ ኤላህ ምስ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡ ነበሩ። ንጽብሒቱ ድማ ዳዊት ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነተን ኣባጊዕ ኣብ ሓላዊ ሓዲጉ፡ ከምቲ እሴይ ዝአዘዞ፡ ነቲ ጾሩ ኣልዒሉ ኸደ። እቲ ኺስለፍ ዝወጸ ሰራዊት ንውግእ ኪጭድር ከሎ ድማ፡ ንሱ ናብ ሰፈር ሰረገላታት መጸ። እስራኤልን ፍልስጥኤማውያንን ከኣ ጭፍራ ንጭፍራ ኺጋጠሙ ተሳላለፉ። ዳዊት ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣቓሑ ኣብ ኢድ ሓላው ኣቓሑ ሐዲጉ ናብቲ ሰልፊ ጐየየ፡ መጺኡ ኸኣ ነሕዋቱ ደሓን ምህላዎም ሓተቶም። ንሱ ምሳታቶም ኪዛረብ ከሎ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ጐልያድ ዝስሙ ፍልስጥኤማዊ በዓል ጋት፡ ተቓላሲ ሰብኣይ ካብቶም ስሉፋት ፍልስጥኤማውያን ተንሲኡ፡ ከምቲ ዘረባ ቐደሙ ገይሩ ተዛረበ፡ ዳዊትውን ሰምዖ። ኵሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ነቲ ሰብኣይ ምስ ረአይዎ ኻብ ቕድሚኡ ሀደሙ፡ ኣዝዮምውን ፈርሁ። እቶም ሰብ እስራኤል ድማ፡ ነዚ ተንሲኡ ዘሎ ሰብአይ እዚ ትርእይዎዶ፧ አሎኹም ንእስራኤል ኬባጩ እዩ ተንሲኡ ዘሎ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ነዚ ዚቐትል ሰብኣይ ንጉስ ኬጸግዎ፡ ጓሉ ኸኣ ኪህቦ፡ ንቤት ኣቦኡውን ኣብ እስራኤል ናጻ ኺገብሮ እዩ፡ በለ። ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት፡ እዚ ንሰራዊት ህያው ኣምላኽ ዜባጩ ዘሎ ዘይግዙር ፍልስጥኤማዊ እዚ መን ኰን እዩ፧ ነዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ቐቲሉስ ካብ እስራኤል ውርደት ዘርሐቐ ሰብኣይከ እንታይ ይግበሮ፧ ኢሉ ተዛረቦም። እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ነቲ ዚቐትሎ ሰብኣይ ከምዚ ይግበሮ፡ ኢሎም ከምተን ቃላት ገይሮም መለሱሉ። ኤልያብ፡ እቲ ዓብዪ ሓዉ ድማ ምስቶም ሰባት ኪዛረብ ከሎ ሰሚዕዎ፡ ኵራ ኤልያብ ኣብ ዳዊት ነዲዱ፡ እንታይ ክትገብር ናብዚ ወረድካ፧ እተን ሒደት ኣባጊዕከ ኣብ መረኻ ንመን ገደፍካየን፧ ውግእ ምእንቲ ኽትርኢ ኢኻ ወሪድካ ዘሎኻ እሞ፡ ትዕቢትካን ክፍኣት ልብኻን ኣነ ፈሊጠዮ አሎኹ፡ በሎ። ዳዊት ድማ፡ እሞ ሕጂኸ እንታይ ገይረ እየ፧ ቃልዶ ኣይኰነን ንሱ፧ በለ። ካብኡ ናብ ካልእ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ከም ቀደሙ ተዛረበ። እቶም ህዝቢውን ከምቲ ቐዳማይ ዘረባ መለሱሉ። እቲ ዳዊት እተዛረቦ ዘረባ ምስ ተሰምዔ ኸኣ፡ ንሳኦል ነገርዎ፡ ንሱ ድማ ናብኡ ኣምጽኦ። ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ብዛዕባ እዝስ ልቢ ሓደ ሰብ እኳ ኣይሸበር፡ ጊልያኻ ኸይዱ ምስ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኺዋጋእ እዩ፡ በሎ። ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ ንስኻ ቘልዓ ኢኻ፡ ንሱ ግና ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ተዋጋኢ ሰብኣይ እዩ እሞ፡ ምስ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኽትዋጋእ ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ጊልያኻ ኣባጊዕ ኣቦኡ ይጓሲ ነበረ፡ ኣንበሳ ወይ ድቢ ኻብቲ መጓሰ ሓንቲ በጊዕ ምስ ወሰደ ድማ፡ ኣነ ደድሕሪኡ ወጺኤ እቐትሎ፡ ካብ ኣፉውን ኤግድፎ ነበርኩ። ምስ ተንስኣኒ ኸኣ፡ ብጭሕሙ ሒዘ ወቒዔ እቐትሎ ነበርኩ። ጊልያኻ ኣንበሳን ድብን ቀቲሉ እዩ፡ እዚ ዘይግዙር ፍልስጥኤማዊ እዚ ከኣ ንሰራዊት እቲ ህያው ኣምላኽ ጸሪፉ እዩ እሞ፡ ከም ሓደ ኻባታቶም ኪኸውን እዩ፡ በሎ። ዳዊት ድማ፡ እቲ ኻብ ኢድ ኣንበሳን ካብ ኢድ ድብን ዘድሐነኒ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ኻብ ኢድ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኼድሕነኒ እዩ፡ በለ። ሳኦል ከኣ ንዳዊት፡ ኪድ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን፡ በሎ። ሳኦል ድማ ንዳዊት ክዳውንቱ ኸደኖ፡ ኣብ ርእሱ ኸኣ ቊራዕ ርእሲ ኣስራዚ ገበረሉ፡ ድርዒውን ከደኖ። ዳዊት ድማ ሴፉ ኣብ ልዕሊ ኽዳኑ ተዐጥቀ፡ ምኻድ ኣይፈተነን ነበረ እሞ፡ ኪኸይድ ጀመረ። ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ፈቲነዮ ኣይፈልጥን እየ እሞ፡ ምስ እዝስ ክኸይድ ኣይክእልን እየ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ካብኡ ኣራገፎ። በትሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብቲ ርባ ኸኣ ሓሙሽተ ልሙጻት ኣእማን ሐርዩ ናብቲ ኺጓሲ ኸሎ ምስኡ ዝነበረ ቚርባበሻን ማሕፉዳን ኣንበሮ። ወንጭፉውን ኣብ ኢዱ ሒዙ ናብቲ ፍልስጥኤማዊ ኣቢሉ ቐረበ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ እናሰጐመ ናብ ዳዊት ቀረበ። እቲ ዋልታኡ ዚጸውር ሰብኣይ ድማ ቀቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ንዳዊት ተኵሩ ምስ ረአዮ። ንሱ ቐይሕ መልክዓኛ ዀተት ነበረ እሞ፡ ነዐቖ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ንዳዊት፡ ብበትሪ እትመጸንስ ኣነ ኸልቢዶ እየ፧ በሎ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ንዳዊት ብኣማልኽቱ ረገሞ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ንዳዊት፡ ንዓ ናባይ እሞ ስጋኻ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ክህቦም እየ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ ነቲ ፍልስጥኤማዊ በሎ፡ ንስኻ ብሴፍን ብዅናትን ብመዝረቕን ትመጸኒ አሎኻ፡ ኣነ ግና ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ንስኻ እተባጭዎ ዘሎኻ ኣምላኽ ጭፍራ እስራኤል እመጸካ አሎኹ። ሎሚ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣሕሊፉ ኣብ ኢደይ ኪህበኒ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ክቐትለካ፡ ርእስኻውን ካባኻ ኽወስድ እየ፡ ሬሳ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ከኣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ክህቦም እየ እሞ፡ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዘሎ፡ ኵላ ምድሪ ኽትፈልጥ እያ። እቲ ውግእሲ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ብሴፍን ብዅናትን ከም ዘይኰነ ዜድሕን፡ ብዘላ እዛ ማሕበር እዚኣ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ንሱ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድና ኺህበና እዩ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ፍልስጥኤማዊ ተንሲኡ ኸደ። ንዳዊት ኪቃባበሎ ምስ ቀረበ፡ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኺቃባበሎ ናብቲ ሰልፊ ቐልጢፉ ጐየየ። ዳዊት ድማ ኢዱ ናብቲ ቚርባበሻ ኣእትዩ፡ ካብኡ ኸኣ እምኒ ወሲዱ ወንጨፎ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ግምባሩ ኣንሀሎ፡ እታ እምኒ ኸኣ ናብ ግምባሩ አተወት፡ ንሱ ድማ ብገጹ ናብ ምድሪ ወደቐ። በዚ ኸምዚ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍን ብእምንን ኣሰኒፉ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቒዑ ቐተሎ። ኣብ ኢድ ዳዊት ግና ሴፍ ኣይነበረን። ሽዑ ዳዊት ጐይዩ ኣብ ልዕሊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ደው በለ፡ ነቲ ሴፉ ወሲዱ ድማ ካብ ሰገባኡ መሰቶ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ፡ ብእኡ ገይሩ ኸኣ ርእሱ ቘረጾ። ፍልስጥኤማውያን ድማ እቲ ጅግናኦም ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ፡ ሀደሙ። ሰብ እስራኤልን ይሁዳን ከኣ ተንሲኦም ኣውክዑ እሞ፡ ክሳዕ እታ ንጋት እትአትወላ፡ ክሳዕ ደጌታት ዔቅሮን ሰጐጕዎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ መገዲ ሸዓራይም ክሳዕ ጋትን ክሳዕ ዔቅሮንን ተወጊኦም ወደቑ። ደቂ እስራኤል ከኣ ንፍልስጥኤማውያን ስዒቦም ካብ ምስጓጎም ተመሊሶም፡ ነቲ ሰፈሮም ዘመትዎ። ዳዊት ድማ ንርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲዱ ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦ። ኣጽዋሩ ግና ኣብ ድንኳኑ ኣንበሮ። ሳኦል ድማ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኺቃባበሎ ኺወጽእ ምስ ረአዮ፡ ንኣብኔር ሓለቓ ሰራዊት፡ ኣታ ኣብኔር፡ እዚ መንእሰይ እዚ ወዲ መን እዩ፧ በሎ። ኣብኔር ከኣ፡ ዎ ንጉስ፡ ህያው ነፍስኻ ኢለ ዘይፈልጦ፡ በለ። እቲ ንጉስ ድማ፡ እምበኣርሲ እዚ መንእሰይ እዚ ወዲ መን ምዃኑ ንስኻ ሕተት፡ በለ። ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ፡ ኣብኔር ወሲዱ ናብ ቅድሚ ሳኦል ኣእተዎ፡ ርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ኣብ ኢዱ ነበረት። ሳኦል ድማ፡ ኣታ ወዲ፡ ወዲ መን ኢኻ፧ በሎ። ዳዊት ከኣ፡ ወዲ ጊልያኻ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም እየ፡ በለ።
Translation | Contextንሕና እሞ ናበይ ክንድይብ፡ እቲ ህዝቢ ኻባና ዚበዝሕን ዚነውሕን እዩ። እተን ከተማታት ድማ ዓበይቲ ኽሳዕ ሰማይ ዚበጽሓ እተዐርዳ እየን፡ ደቂ ዓናቅውን ኣብኡ ርኢና፡ ኢሎም ኣሕዋትና ንልብና ኣምከኽዎ።
Translation | Contextነቶም ሰፈሮም ዝሐደጉ እምበር፡ መዓርጎም ዘይሐለዉ መላእኽቲ እኳ ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ደኣ ትሕቲ ጸልማት ነቲ ፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ዐቝርዎም አሎ።
Translation | Contextኰነ ድማ ሰብ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኺበዝሕ ምስ ጀመረ፡ ኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብ፡ መልክዔኛታት ከም ዝዀና ምስ ረኣዩ፡ ካባታተን ዘዝሐረይወን ኣንስቲ ወሰዱ። እግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሱ ስጋ ድማ እዩ፡ መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን፡ ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን፡ በለ። ደቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰብ ምስ ኣተዉ፡ ንሳተን ከኣ ምስ ወለዳሎም፡ በቲ ዘበን እቲ፡ ብድሕሪኡ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ንጉዓት ሰባት ነበሩ። እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዚኣቶም እዮም።
Translation | Contextበታ ጊዜ እቲኣ እያሱ መጺኡ ነቶም ዓናቃውያን ካብ ኣኽራን፡ ካብ ኬብሮን፡ ካብ ደቢር፡ ካብ ዓናብ፡ ድማ ካብ ብዘሎ ኣኽራን ይሁዳን ካብ ብዘሎ ኣኽራን እስራኤልን ኣጥፍኦም። እያሱ ፈጺሙ ምስ ከተማታቶም ኣጥፍኦም።
Translation | Contextካብቶም ተረፍ ረፋውያን ግና ዖግ ንጉስ ባሳን በይኑ ተሪፉ ነበረ። እንሆ፡ ዓራቱ ዓራት ሓጺን ነበረ፡ ንሱ ኣብ ራባት ናይ ደቂ ዓሞን ደይኰነን፧ ምንዋሑ ብእመት ሰብ ትሽዓተ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ነበረ።
Translation | Contextከም ዓናቃውያን፡ ዓብዪን ብዙሕን ነዊሕ ዝቚመቱን ህዝቢ እዩ። ግናኸ እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኦም ኣጥፍኦም እሞ፡ ንኣታቶም ሰጒጎም፡ ኣብ ስፍራኦም ተቐመጡ።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ ድሕርዚ ኸም ብሓድሽ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጎብ ውግእ ኰነ። ሽዑ ሲብካይ ሑሻታዊ ነቲ ኻብ ደቂ ራፋ ዝነበረ ሳፍ ቀተሎ።
Translation | Contextከም ዓናቃውያን ዝበሉ፡ ንሳቶም ከኣ ረፋውያን፡ ይቚጸሩ ነበሩ። ሞኣባውያን ግና ኤሚም ይብልዎም ነበሩ።
Translation | Context