Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

giving 10 percent


ዘፍጥረት 28:20-22 | 10 Helpful votes

ያእቆብ ድማ ከምዚ ኢሉ መብጽዓ ተማባጽዔእግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ዀነ፡ ኣብዛ ዝኸዳ ዘሎኹ መገደይ ከኣ እንተ ሐለወኒ፡ ዝበልዖ እንጌራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሀበኒ፡ ናብ ቤት ኣቦይውን ብደሓን እንተ ተመለስኩ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ይኸውን። እዚ ሓወልቲ ገይረ ኣቝመዮ ዘሎኹ እምኒ ኸኣ ቤት ኣምላኽ ኪኸውን እዩ። ካብ እትህበኒ ዘበለ ዅሉ ድማ ዕሽር ክህበካ እየ።

Translation | Context
ሚልክያስ 3:10 | 9 Helpful votes

ኣብ ቤተት ምግቢ ኪኸውንሲ፣ ዕሽር ዘበለ ዅሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ፣ ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩምበረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፣ በዚ ተዐዘቡኒይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 9:7 | 7 Helpful votes

ኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ

Translation | Context
ሚልክያስ 3:8-12 | 5 Helpful votes

ሰብዶ ንኣምላኽ ኪሰርቆ ይዀነሉ እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ሰሪቕኩምኒ። ብምንታይ እሞ ኢና ዝሰረቕናካ፧ ከኣ ትብሉብዕሽርን ብመባእን ኢኹም። ንስኻትኩም፣ ህዝቢ ብምሏትኩም ሰሪቕኩምኒ ኢኹም እሞ፣ ብመርገም ተረገምኩም። ኣብ ቤተት ምግቢ ኪኸውንሲ፣ ዕሽር ዘበለ ዅሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ፣ ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩምበረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፣ በዚ ተዐዘቡኒይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ስሌኹም ኢለ ነቲ ወሓጢ ኽገንሖ እየ፣ ንሱ ኸኣ ንፍረ ምድርኹም ኣይኬጥፍኦን እዩ እቲ ተኽሊ ወይንኹም ኣብ ግራት ኣይኪቘልዕን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትምድሪ ሓጐስ ክትኰኑ ኢኹም እሞ፣ ኵሎም ኣህዛብ ብጹኣን ኪብሉኹም እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

Translation | Context
ማርቆስ 12:41-44 | 5 Helpful votes

የሱስ ድማ ኣብ መንጽር ሳጹን ምጽዋት ተቐሚጡ፡ እቶም ሰብ ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዜውድቑ ረአየብዙሓት ሃብታማት ብዙሕ ኣውደቑሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ መጺኣ ኽልተ ለብጦን፡ ሓደ ቆድራንቴን ዚኣክልኣውደቐትንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ፥ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኻብዞም ኣብዚ ሳጹን ምጽዋት ዘውደቑ ዅሎም ዚበዝሕ ከም ዘውደቐትብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኵሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እሞ፡ እዚኣ ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ እያ ዝሃበት፡ በሎም።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 9:6 | 4 Helpful votes

ግናኸ እዚ እብል አሎኹ፡ እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዓጽድ፡ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዓጽድ

Translation | Context
ሉቃስ 21:1-4 | 4 Helpful votes

ቍሊሕ ኢሉ፡ ሃብታማት መባኦም ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ከም ዜውድቑ ረአየሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣብኡ ኽልተ ለብጦን ከተውድቕ ከላ ረአየ እሞ፥ ካብ ኵላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐትብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እዚኣቶምሲ ዅላቶም መባእ ካብ ተረፎም እዮም ዘውድቑ፡ እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዅሉ ምግባ እያ ዘውደቐት፡ በለ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:38 | 4 Helpful votes

ሃቡ ኺውሃበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 20:35 | 3 Helpful votes

ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእብዂሉ ኣርኤኹኹም

Translation | Context
እብራውያን 7:1-28 | 3 Helpful votes

እዚ መልከጼዴቅሲንጉስ ሳሌምካህን ልዑል ኣምላኽንኣብርሃም፡ ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኺምለስ ከሎ፡ እተቐበሎ እሞ ዝባረኾኣብርሃም ድማ ካብ ኵሉ ዕሽር ዝመቐሎ፡ ቀዳማይ ትርጕም ስሙ፡ ንጉስ ጽድቂደሓር ከኣ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ማለት ንጉስ ሰላም እዩ። ብዘይ ኣቦብዘይ ኣደብዘይ ቍጽሪ ወለዶመጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዜብሉ፡ ግናኸ ንወዲ ኣምላኽ ተመሲሉ ንሓዋሩ ካህን ኰይኑ ይነብር አሎ። ኣብርሃምእቲ ርእሲ ኣቦታት፡ ካብቲ ማል ዘመተ በብሉጹስ ዕሽር ዝሃቦንሱ ኽንደይ ዓብዪ ምዃኑ፡ እስኪ ርኣዩካብ ደቂ ሌዊ ድማ እቶም ክህነት ዚቕበሉ፡ ካብቲ ህዝቢማለት ካብ ሕቘ ኣብርሃም እኳ ዝወጹ ኣሕዋቶም ክነሶምሲ፡ ዕሽር ኪወስዱ ብሕጊ ትእዛዝ አለዎም። እዚ ግና ካብ ዘይወለዶኦም ክነሱስ፡ ካብ ኣብርሃም ዕሽር ወሰደ፡ ነቲ ተስፋ ረኺቡ ዘሎውን መረቖብዘይ ገለ ውልውል ድማ እቲ ዚንእስ በቲ ዚዓብዮ ይምረቕ እዩ። ኣብዝስ መወትቲ ሰብ ዕሽር ይወስዱኣብቲ ግና እቲ ህያው ምዃኑ እተመስከረሉ እዩ ዕሽር ዚወስድ። እዚ ምባለይ ከኣ ከምዚ እዩ፡ ሌዊ፡ እቲ ተቐባል ዕሽር እኳ፡ ብኣብርሃም ገይሩ ዕሽር ሃበ፡ ማለት፡ መልከጼዴቅ ንኣብርሃም ኪራኸቦ ኸሎ፡ ሌዊ ገና ኣብ ሕቘ ኣቦኡ እዩ ዝነበረ። እምብኣርስኸ ብቤተ ኽህነት ሌዋውያን ፍጻሜ እንተ ዚኸውንሲ፡ እቲ ህዝቢ ብእኡ ሕጊ ተሐጊጉሉ ነይሩ እዩ እሞ፡ ከም መዓርግ ኣሮን ዘይብሃል ካልእ ካህን ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ዝዀነ ኺትንስእ ደኣ ንምንታይ መድለየ ነይሩ፧ ማለት ክህነት ካብ ዚልወጥምልዋጥ ሕጊውን ብግዲ ኪኸውን እዩ። እቲ ብዛዕባ እዚ እተባህለሉ ኻብ ካልእ ዓሌት እዩ፡ ካብቲ ዓሌት እቲ ሓደ እኳ ኣብ መሰወኢ ዘገልገለ የልቦን። ጐይታናስ ካብ ይሁዳሙሴ ብናይ ዓሌት ካህናት ሓንቲ እኳ ዘይተዛረበሉ ዓሌት ከም ዝወጸ፡ ፍሉጥ እዩ። ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ ግሉጽ እዩብተምሳል መልከጼዴቅ ካልእ ካህን ካብ ዚትንስእሲ፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ ተመስኪሩሉ እዩ እሞ፡ ብዘይሐልፍ ሓይሊ ህይወት እምበር፡ ከም ሕጊ ስጋዊ ትእዛዝሲ ኻህን ኣይኰነንእቲ ዝሐለፈ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝዀነ እዩ እተሳዕረሕጊ ንሓደ እኳ ኣብ ፍጻሜ ኣየብጽሖን፡ ግናኸ ናብ ኣምላኽ እንቐርበላእትሐይሽ ተስፋ ኣተወት። እዚ ግና በቲ፡ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ መሐለ ኣይጠዓስን ከኣ እዩ፡ እተባህለሉ ማሕላ እዩ። እዚኣ ድማ ብዘይ ማሕላ ኸም ዘይኰነት፡ እቲኣቶምሲ ብዘይ ማሕላ ኻህናት ኰኑ፡ ከምኡ ድማ የሱስ መድሕን ዝሔሸ ኺዳን ኰነእቲኣቶምሲ ኸይነብሩ ብሞት ስለ እተኸልከሉ፡ ብዙሓት ካህናት ነበሩ። እዚ ግና ንዘለኣለም ዚነብር ስለ ዝዀነስ፡ ዘይሐልፍ ክህነት አለዎ። ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ። ከምዚ ዘመሰለ ኽፍኣትን ርኽሰትን ዜብሉ፡ ካብ ሓጥኣን እተፈልየካብ ሰማያት ከኣ ልዕል ዝበለ ቅዱስ ሊቀ ኻህናት ኣድለየና። ንሱ ከምቶም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ኣብ ጸጽባሕ መስዋእቲ ኬቕርብ ዘየድለዮ እዩ እሞ፡ ርእሱ ንመስዋእቲ ምስ ወፈየ፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ገበሮ። ሕግስ ድኻም ንዘለዎም ሰባት እዩ ሊቃውንቲ ኻህናት ኪዀኑ ዚሸሞም፡ እቲ ድሕሪ ሕጊ ዝመጸ ቓል ማሕላ ግና ንዘለኣለም ፍጹም ዝዀነ ወዲ እዩ ዚሸይም

Translation | Context
ሚልክያስ 3:8 | 3 Helpful votes

ሰብዶ ንኣምላኽ ኪሰርቆ ይዀነሉ እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ሰሪቕኩምኒ። ብምንታይ እሞ ኢና ዝሰረቕናካ፧ ከኣ ትብሉብዕሽርን ብመባእን ኢኹም።

Translation | Context
እብራውያን 13:5 | 3 Helpful votes

ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 27:30-33 | 2 Helpful votes

ኲሉ ዕሽር ምድሪ ድማ፡ ካብ ዘርኢ ምድሪ ዀነ፡ ካብ ፍረ ኦም ኰነ፡ ንሱ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ እዩ። ሰብ ካብቲ ዕሽሩ ኺብጆ እንተ ደለየ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕምሻኡ ይወስኸሉዕሽር ኲሉ ኣሓን ጤለ በጊዕንዕሽር እቲ ብትሕቲ በትሪ ዚሐልፍ ኲሉ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹን። ጽቡቕ ምዃኑ ወይ ክፉእ ኣይመርምር ኣይለውጥ ድማ፡ እንተ ለወጠ ግና፡ ንሱን እቲ መላውጡን ቅዱሳት ይኹኑ፡ ኣይበጀዎ ኸኣ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:1-4 | 2 Helpful votes

ጽድቅኹምኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩከይትገብሩ ተጠንቀቑእንተ ዘይኰነስኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምንእምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻከምቲ እቶም ግቡዛትብሰብ ምእንቲ ኺንአዱኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ

Translation | Context
ምሳሌ 3:9-10 | 2 Helpful votes

ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካንንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ። ሽዑ ቘፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእመጽመቝኻ ኸኣ ብዀልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ እዩ፡

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:8 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።

Translation | Context