Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all8 bible verses about
ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡ እምነት ኣላትኒ፡ እንተ በለ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይትህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕም፧ ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ።
Translation | Contextነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ።
Translation | Contextንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፡ ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ አለዉ።
Translation | Contextንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ አሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ከነሕልፍ ይግብኣና እዩ። ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧ ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር።
Translation | Contextእንሆ፡ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ።
Translation | Contextግናኸ ነቲ ብክርስቶስ ኵሉ ሳዕ ናብ ዓወት ዚመርሓና፡ ብኣናውን መኣዛ ፍልጠቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚገልጽ ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ።
Translation | Contextግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።
Translation | Context