Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሪ ኺፈድዮ እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ።
Translation | Contextነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ፡ ዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ፡ ብዂሉ ኣርኤኹኹም።
Translation | Contextኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ፡
Translation | Contextግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧
Translation | Contextጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን። እምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት፡ ብሰብ ምእንቲ ኺንአዱ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ፡ ምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ፡ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ።
Translation | Contextኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ እንተ ደኸየ፡ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይትጽንዓሉ ኢድካውን ኣይትጨብጠሉ። ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈትሉ፡ እቲ ዜድልዮ ኸኣ ኣእኪልካ ኣለቅሓዮ። ኣብ ልብኻ ሓሳብ በሊያል ከይህልወካ ተጠንቀቕ፡ እታ ሳብዐይቲ ዓመት፡ ዓመት ሕድገት፡ ቀሪባ እያ ኢልካ፡ ዓይንኻ ድማ ኣብቲ ድኻ ሓውካ ይኸፍእ እሞ ገለ ኣይትህቦን። ንሱ ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ። ፈቲኻ ሀቦ፡ ንእኡ ብምሃብካውን ልብኻ ኣይጕሄ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ተግባርካን ኢድካ ኣብ ዝዘርጋሕካሉ ዅሉን ኪባርኸካ እዩ። ድኻታት ኣብ ማእከል ሃገር ኣይስኣኑን እዮም እሞ፡ ስለዚ ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓውካን ሽጉርካን ድኻኻን ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈተሉ፡ ኢለ እእዝዘካ አሎኹ።
Translation | Contextሃቡ ኺውሃበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደ፡ ንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም።
Translation | Contextጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። ዐሪቀ፡ ከደንኩምኒ። ሐሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ። ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉ፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ ኣሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ትአሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ። ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ፡ ኣየስቴኹምንን። ገይሸ፡ ኣይተቐበልኩምንን። ዐሪቐ፡ ኣይከደንኩምንን። ሐሚመ፡ ተኣሲረ፡ ኣይበጻሕኩምንን። ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ፡ ወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዐሪቕካ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ፡ ዘየገልገልናካ፧ ኢሎም ይመልስሉ። ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም።
Translation | Contextንዝለመነካ ሀቦ፡ ካባኻ ኺልቃሕ ንዚደሊውን ኣይትኽልኣዮ።
Translation | Contextኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ።
Translation | Contextእቲ ንድኻ ዚጭቍን ንፈጣሪኡ ይጸርፍ፡ ንስኡን ዚርሕርሓሉ ግና የኽብሮ።
Translation | Contextየሱስ ድማ ኣብ መንጽር ሳጹን ምጽዋት ተቐሚጡ፡ እቶም ሰብ ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዜውድቑ ረአየ። ብዙሓት ሃብታማት ብዙሕ ኣውደቑ። ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ መጺኣ ኽልተ ለብጦን፡ ሓደ ቆድራንቴን ዚኣክል፡ ኣውደቐት። ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ፥ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኻብዞም ኣብዚ ሳጹን ምጽዋት ዘውደቑ ዅሎም ዚበዝሕ ከም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኵሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እሞ፡ እዚኣ ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ እያ ዝሃበት፡ በሎም።
Translation | Contextእቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም።
Translation | Contextቍሊሕ ኢሉ፡ ሃብታማት መባኦም ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ከም ዜውድቑ ረአየ። ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣብኡ ኽልተ ለብጦን ከተውድቕ ከላ ረአየ እሞ፥ ካብ ኵላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እዚኣቶምሲ ዅላቶም መባእ ካብ ተረፎም እዮም ዘውድቑ፡ እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዅሉ ምግባ እያ ዘውደቐት፡ በለ።
Translation | Contextእቲ ርሕሩሕ ቈላሕታ ዘለዎ፡ ንድኻ ኻብ ኣንጌራኡ ይህቦ እሞ፡ ይባረኽ።
Translation | Contextነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፥ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ። ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብጹእ ክትከውን፡ ብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ።
Translation | Context