Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።
Translation | Contextንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን ከሎ፡ ኵሉውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ፡ ምንጻህ ሓጢኣትና ምስ ገበረ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ።
Translation | Contextስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ።
Translation | Contextየሱስ፡ እንተ ትኣምንስ፡ ክብሪ ኣምላኽ ምርኤኺዶ ኣይበልኩኽን፧ በላ።
Translation | Contextብርሃንኪ መጺኡ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፡ ተንስኢ፡ ብርሂ።
Translation | Contextኵሉ ካብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘለኣለም ክብሪ ይዅኖ። ኣሜን።
Translation | Contextክቡር ስሙ ንዘለአለም ይባረኽ፣ ብዘሎ ምድሪውን ብኽብሩ ይምላእ። ኣሜን፡ ኣሜን።
Translation | Contextኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም።
Translation | Contextኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ፡ ክብረተይ ከኣ ንኻልእ፡ ምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ።
Translation | Contextትርኢት ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነዒንቲ ደቂ እስራኤል ከም ዚባላዕ ሓዊ ኰይኑ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ተራእየ።
Translation | Contextኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኽብሪ ብፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ኺህበኩም፡ እሞ ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ፡ ተስፋ ጽውዓኡ እንታይ ምዃኑ፡ ሃብቲ ርስቲ ኽብሩ ኣብ ቅዱሳንውን እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጡ፡ እጽሊ አሎኹ። ኣምላኽ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ምስ ኣቐመጦ፡ ኣብታ እትመጽእውን እምበር፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ምስ ኣርኣሶ፡ ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ንስኻትኩም እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥዎ፡ እጽልየልኩም አሎኹ።
Translation | Contextሽዑ ነቲ ድንኳን ምርኻብ ደበና ኣጐልበቦ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ማሕደር መልኦ። እቲ ደበና ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝዐረፈ፡ እቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማሕደር መሊእዎ ስለ ዝነበረ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪኣቱ ኣይከኣለን።
Translation | Contextከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባህሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ እቲ ንኸተማ ብደም ዚሀንጽ፡ ንዓዲ ኸኣ ብኣበሳ ዜጽንዕ ወይለኡ። እንሆ፡ ህዝብታት ንሓዊ ዚጽዕሩ፡ ኣህዛብ ከኣ ንኸንቱ ዚደኽሙስ ካብ ጐይታ ሰራዊትዶ ኣይኰነን፧
Translation | Contextንሱ ድማ፡ እምበኣር በጃኻ፡ ክብርኻ ኣርእየኒ፡ በሎ።
Translation | Contextብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፡ ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ። ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዮ ዝኸበረ እምኒ፡ ከምቲ ዜንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዝመስል።
Translation | Contextኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ። ዎ ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ።
Translation | Contextስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ።
Translation | Contextሽዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ዀይኑ ኺወጽእ፡ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቊል፡ ጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextሃብቲ ኽብሩ ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ኣህዛብ እንታይ ምዃኑ ኼፍልጦም ንዝደለዮም፡ ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡ ተስፋ ኽብሪ እዩ።
Translation | Context