Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all9 bible verses about
የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ።
Translation | Contextኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ እሞ፣ ኣቱም ደቂ ያእቆብል ስለዚ ኣይጠፋእኩምን።
Translation | Contextኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ፡ ይብል እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
Translation | Contextጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ።
Translation | Contextኣኽራን ከይተወልደ፣ ምድርን ዓለምን ከይፈጠርካ፣ ኤረ ንስኻስ ካብ ዘለአለም ንዘለአለም ኣምላኽ ኢኻ።
Translation | Contextኣምላኸየ፣ ኣብ ፍርቂ መዓልትታተይ አይትውሰደኒ፣ በልኩ። ዓመታትካ ንውሉድ ወለዶ እዩ። ካብ ጥንቲ ንምድሪ ሰረትካያ፣ ሰማያት ከኣ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም፣ ንስኻ ግና ትነብር፣ ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም፣ ከም ልብሲ ኽትልውጦም ኢኻ፣ ኪልወጡውን እዮም። ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፣ ዓመታትካውን ከቶ ኣይውዳእን።
Translation | Contextኪዳነይ ኣየፍርስን፣ ከናፍረይ እተዛረቦ ድማ ኣይልውጥን።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና፡ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜን።
Translation | Contextዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
Translation | Context