Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

god calling people


ኤርምያስ 1:5 | 12 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 1:10-11 | 10 Helpful votes

ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋትናንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉእዚ እንተ ገበርኩምሲከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም። ከምኡውን ናብቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪውሀበኩም እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 12:1-21 | 6 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ። ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና። ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስትንቢት እንተ ዀይኑብልክዕ እምነትና ይኹን። ኣገልግሎ እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ። መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱዚህብ ተገሪሁ ይሃብ፡ መራሒ እንተ ዀይኑብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዚድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ። ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩምብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። ንምትጋህ ኣይትተሃከዩብመንፈስ ተቓጸሉንእግዚኣብሄር ኣገልግሉብተስፋ ተሐጐሱብጸበባ ተዓገሱጸሎት ኣዘውትሩብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ። ንዚሰጉኹም መርቑመርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይሕሰቡ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄርጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበርባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮእዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:38-39 | 4 Helpful votes

ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም

Translation | Context
ዮሃንስ 6:44 | 4 Helpful votes

እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦንኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።

Translation | Context
ሉቃስ 9:1-2 | 4 Helpful votes

ነቶም ዓሰርተው ክልተ ብሓባር ጸዊዑ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣጋንንቲ ሕማምውን ኬሕውዩ ሓይልን ስልጣንን ሀቦምመንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ንሕሙማት ኬሕውዩን ከኣ ለኣኾም

Translation | Context
ማርቆስ 16:15 | 4 Helpful votes

በሎም ድማ፥ ናብ ኵላ ዓለም ኪዱንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ

Translation | Context
ምሳሌ 1:24-26 | 3 Helpful votes

ጸዊዔስ እምቢ ስለ ዝበልኩምኢደይ ዘርጊሔውን ዘስተብሀለ ስለ ዜልቦ፡ ኤረ ምኽረይ ዘበለ ደኣ ኣቤኹምተግሳጸይ ከኣ ኣይተቐበልኩምን ኣነውን፡ እቲ እትፈርህዎ ኸምጽእ ከሎ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ኺመጽእመከራ ኸም ሾምቦባ ዀይኑ ኺበጽሃኩም፡ ጸበባን ጭንቀትን ኪወርደኩም ከሎ፡ ብመከራኹም ክስሕቕ እየ፡ ኣነ ኸባጭወልኩም እየ።

Translation | Context
ያእቆብ 2:5 | 3 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየስምዑብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፧

Translation | Context
ማርቆስ 16:20 | 3 Helpful votes

ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹጐይታ ምሳታቶም ይገብር፡ ነቲ ቓልውን ብዚስዕብ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:17 | 3 Helpful votes

ብዝተረፈስ፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዓደሎ፡ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ ኣምላኽ ዝጸውዖ ዀይኑ ይመላለስንዂላተን ማሕበራት ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘሎኹ።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:1-10 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር እተመላለስኩምብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምዉታት ዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም። ንሕና ዅላትና ኸኣ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና፡ ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና፡ ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቝጥዓ ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩንኣናብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡- ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩምምስኡውን ኣተንስኣና፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ የሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ የሱስ ምስኡ ኣቐመጠናሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን። ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 1:9 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ብፍቓድ ርእሱን በቲ ብክርስቶስ የሱስ ቅድሚ ዘመናት ዓለም እተዋህበና ጸጋን ኣድሐነና ብቕዱስ ጽውዓውን ጸውዓና እምበር፡ ብግብርና ኣይኰነን።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:33 | 2 Helpful votes

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩእዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም

Translation | Context
ዳንኤል 12:2-3 | 2 Helpful votes

ካብቶም ኣብ መሬት ምድሪ ደቂሶም ዘለዉስ ብዙሓት፣ ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፣ ገሊኦም ከኣ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ነውርን ኪበራበሩ እዮም። እቶም ጠቢባን ከም ምንጽብራቕ ጠፈር፣ እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለም ኣለም ኪበርሁ እዮም።

Translation | Context
ቈሎሴ 1:13-14 | 2 Helpful votes

ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣናናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱውን ኣእተወና። ኣብኡ ምድሓንና፡ ማለት ሕድገት ሓጢኣት፡ ዘሎና፡

Translation | Context
ማቴዎስ 7:13-14 | 2 Helpful votes

እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲመገዳውን ገፋሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብመገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዩም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ

Translation | Context