Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

god forgiving


1ይ ዮሃንስ 1:9 | 12 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝናንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ

Translation | Context
እብራውያን 8:12 | 6 Helpful votes

ዓመጻኦም ክምሕር እየ እሞ፡ ንሓጢኣቶምውን ድሕርዚ ኣይክዝክሮን እየ፡ ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ዚፈልጡኒ ስለ ዝዀኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ንወዲ ዓዱን ነፍሲ ወከፍ ንሓዉንንእዝጊ ፍለጦኢለ ኣይኪምህሮን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 5:8 | 6 Helpful votes

ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎናክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:14-15 | 5 Helpful votes

ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኹም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 11:25 | 5 Helpful votes

ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሐድገልኩምኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ አሎኩምሕደጉሉ

Translation | Context
ኤፌሶን 4:32 | 4 Helpful votes

ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 10:43 | 3 Helpful votes

ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚረኽብ፡ ኲሎም ነብያት ይምስክሩሉ አለዉ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:37 | 3 Helpful votes

ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 23:34 | 2 Helpful votes

የሱስ ድማ፥ ኣቦይ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም፡ በለ። ንኽዳውንቱ ኸኣ ዕጭ ኣውዲቖም ተማቐልዎ

Translation | Context
ማቴዎስ 18:21-22 | 2 Helpful votes

ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ፡ ጐይታይሓወይ እንተ በደለንስክንደይ ሳዕ ክሐድገሉክሳዕ ሾብዓተዶ በሎየሱስ በሎ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር፡ ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን።

Translation | Context
መዝሙር 130:1-8 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር፣ ካብ ዓሚቚ ናባኻ ኣእዌኹጐይታየድምጸይ ስማዕኣእዛንካ ናብ ድምጺ ምህለላይ የቕልባ። ዎ እግዚኣብሄርኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስጐይታየ፣ መን ደው ኪብል እዩ፧ ግናኸ ምእንቲ ኺፈርሁኻይቕሬታ ምሳኻ አሎ። ንእግዚኣብሄር እጽበነፍሰይ ትጽበ አላ፣ ብቓሉውን ተስፋ እገብር አሎኹ። ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሐለውቲ፣ እወ፣ ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሓለውቲ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ አላ። ሳህሊ ኣብ እግዚኣብሄርብዙሕ ምድሓን ከኣ ኣብኡ እዩ እሞ፣ ዎ እስራኤልንእግዚኣብሄር ተጸበዮ። ንሱውን ንእስራኤል ካብ ኵሉ ኣበሳኡ ኼድሕኖ እዩ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 7:14 | 2 Helpful votes

እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎምምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:12 | 2 Helpful votes

ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎምበደልና ሕደገልና

Translation | Context