Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሃቐና አሎ፡ ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና እዩ ጸኒዑ ዚነብር።
Translation | Contextኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ካልእ የልቦን፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ብጀካይ ካልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽፈልጡስ፡ ከይፈለጥካኒ እኳ ኣዕጠቕኩኻ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ካልእውን ከቶ የልቦን። ብርሃን እገብር፡ ጸልማት ከኣ እፈጥር፡ ደሓን እገብር፡ መዓት ድማ እፈጥር፡ እዚ ዂሉ ዝገብር ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
Translation | Contextየሱስ ጠመቶም፡ እዚ ንሰብ ኣይከአሎን፡ ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ፡ በሎም።
Translation | Contextሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ። ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸይስተዮ፡ ከም ዜፍርን ከም ዜብቊልን ከኣ ከይገበሮ፡ ዘርኢ ንዘርኢ፡ ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሀቦ፡ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ፡ እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ፡ ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ።
Translation | Contextጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ።
Translation | Contextምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።
Translation | Contextእግዚኣብሄርሲ ኵሉ ንምዱብ ነገር፡ ከምኡውን ንረሲእ ንመዓልቲ ሕሰም ፈጠሮ።
Translation | Contextልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ፡ ንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዜቃንዓ።
Translation | Contextህያው ነፍሲ ዘበለን፡ መንፈስ ኲሉ ሰብን ኣብ ኢዱ ደይኰነን፡
Translation | Contextመንግስቲ ናይ እግዚኣብሄር እያ እሞ፣ ንሱውን ኣብ ኣህዛብ ኪጕይተት እዩ።
Translation | Contextኣምላኽናስ ኣብ ሰማያት አሎ፣ ዝደለዮ ዅሉ ይገብር እዩ።
Translation | Contextንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ክብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳብ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ።
Translation | Contextብርሃን እገብር፡ ጸልማት ከኣ እፈጥር፡ ደሓን እገብር፡ መዓት ድማ እፈጥር፡ እዚ ዂሉ ዝገብር ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
Translation | Contextሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ መሐለ፡ ብሓቂ ኸምቲ ዝሐሰብክዎ ኪኸውን፡ ከምቲ ዝመደብክዎውን ኪቐውም እዩ።
Translation | Context