Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

god provides


ፊልጲ 4:19 | 17 Helpful votes

ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:31-32 | 13 Helpful votes

እምበርከ እንታይ ንበልዕእንታይ ንሰቲእንታይ ንኽደንኢልኹም ኣይትጨነቑነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:11 | 6 Helpful votes

እምበኣርከ ንስኻትኩም እኳ፡ ክፉኣት ክነስኹምንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጹቡቅ ዘይህቦም

Translation | Context
ሉቃስ 12:24 | 5 Helpful votes

ናብ ኳዃትማ ኣስተብህሉኣምላኽ ይቕልቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ ኣይዓጽዱማዕከን ወይ ቆፎ የብሎምን። ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣዚኹም ዘይትበልጹ

Translation | Context
ሮሜ 5:1-21 | 4 Helpful votes

እምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና። ብእኡ ኸኣ ናብዚ ዘሎናዮ ጸጋ ብእምነት ምእታው ዝረኸብና፡ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽውን ንምካሕ አሎና። ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነንትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ። ገና ድኹማት ከሎናክርስቶስ ብጊዜኡ ምእንቲ ዓመጽቲ ሞተ። ኣብ ክንዲ ሓደ ጻድቕ ዚመውት እኳ ዚርከብ ኣይመስልን፡ እንድዒ ኣብ ክንዲ እቲ ጽቡቕ ዝገበረሉ ኺመውት ዚደፍርሲ ምናልባሽ ኣይምተሳእነን ይኸውን፡ ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎናክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ። እምብኣርሲ ሕጂ ብደሙ ምስ ጸደቕና ደኣ፡ ክንደይ ካብቲ ቚጥዓ ብእኡ ኣዚና ዘይንድሕንጸላእቱ ኸሎናምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕና፡ ካብ ተዓረቕና ደኣ፡ ክንደይ ብህይወቱ ኣዚና ዘይንድሕንግናኸ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ ሕጂ ዕርቂ ዝረኸብናብኣምላኽውን ንምካሕ አሎና እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነንስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወብሓጢኣትውን ሞትኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ሐለፈሕጊ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዜብሉ ግና ኣብኡ ሓጢኣት ኣይቊጸርን እዩ። ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩውን ሰልጠነኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ዚመጽእ እዩ። ግናኸ እቲ ውህበት ጸጋ ኽንድቲ ኣበሳ ኣይኰነንብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም እዮም እሞ፡ እቲ ጸጋ ኣምላኽን ውህበቱን ብጸጋ እቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ፡ ናብቶም ብዙሓት እምብዛ ይዓዝዝ እዩ። እቲ ውህበት ከኣ ብመጠን እቲ ሓጢኣት ዝገበረ ሐደ ሰብኣይ ኣይኰነንፍርዲ ኻብ ሓደ ንዂነኔ መጸ፡ እቲ ውህበት ጸጋ ግና ካብ ብዙሕ ኣበሳ ንምጽዳቕ መጸ። ሞት ብኣበሳ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ኻብ ገዝኤ፡ እቶም ትርፊ ጸጋን ውህበት ጽድቅን እተቐበሉ ኸኣ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ ኪገዝኡ እዮም። እምብኣርሲ እቶም ብዙሓት በቲ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ ሓጥኣን ከም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ እቶም ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ ናብ ኲሉ ሰብ ኲነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኲሉ ሰብ መጸ። ኣበሳ ምእንቲ ኺዐዝዝሲሕጊ ኣተወኣብቲ ሓጢኣት ዝዓዘዞ ግና፡ ኣብኡ እቲ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝገዝኤ፡ ጸጋውን ከምኡ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪገዝእ እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 4:1-2 | 3 Helpful votes

እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዚመጽእ ዘሎ፡ ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ደይኰነን፧ ትምነዩ እሞ የብልኩምን፡ ትቐትሉን ትቐንኡን እሞ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይከኣለኩምን እዩ፡ ትበኣሱን ትዋግኡን ኢኹም፡ ስለ ዘይለመንኩም የብልኩምን

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8-10 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን። ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና።

Translation | Context
ያእቆብ 5:15 | 2 Helpful votes

እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ።

Translation | Context
እዮብ 38:41 | 2 Helpful votes

ኳዂጨጫውቱ ዚብላዕ ስኢኖም እናተመላለሱ፡ ናብ ኣምላኽ እንተ ተማህለሉዚምግቦኸ መን እዩ፧

Translation | Context
መዝሙር 34:10 | 2 Helpful votes

ኰራኵር ኣናብስ ይስእኑን ይጠምዩንንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ከቶ ኣይጐድሎምን

Translation | Context
ዘፍጥረት 9:3 | 2 Helpful votes

ዚዋሳወስ ዘበለ ዅሉ ህያው መብልዕኩም ይኹን፡ እዚ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ ብቑሊ ሂበኩም አሎኹ።

Translation | Context