Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

5 bible verses about

godly women


ምሳሌ 31:26-31 | 8 Helpful votes

ኣፋ ብጥበብ ትኸፍትትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ። ንብረት ቤታ ትሕሉእንጌራ ትህኪት ኣይትበልዕንደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዅላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ። ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሀብዋ፡ ኣብ ደጌታትውን ተግባራ ይንኣዳ

Translation | Context
ቲቶስ 3:1-15 | 3 Helpful votes

ንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡንመራሕቶም ኪእዘዙንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑንሓደ እኳ ኸይጸርፉተባኣስቲ ኸይኰኑልኡማትለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም። ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱዘይእዙዛትግጉያትንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእናብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና። እቲ ናይ መድሓኒና፡ ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕሩ ንሰብን ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሱ ብምሕረት ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነንብጸጋኡ ጸዲቕናብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ። እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ነቶም ብኣምላኽ ዝአመኑሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኪቐንኡበዚ ኣጸቢቕካ ኸተረድኦም እደሊ አሎኹ። እዚ ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን እዩ። ናይ ዕሽነት ክርክርን ቍጽሪ ወለዶታትን ብናይ ሕጊ ጫውጫውን ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ፡ ኣግልሰሉ። ነቲ ሻረኛ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ጥፉእ ምዃኑ ባዕሉ ንርእሱ ዀኒኑውን ሓጢኣት ምግባሩ ፈሊጥካሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዓድካዮኣርሕቆ። ኣብ ኒቆጶሊስ ክኸርም መዲበዮ አሎኹ እሞ፡ ኣርጤማስ ወይስ ጥኪቆስ ምስ ለኣኽኩልካቀልጢፍካ ናባይ ምጻእንዜናስ ፈላጥ ሕግን ንኣጵሎስን ገለ ነገር እኳ ኸይጐድሎም ኣጸቢቕካ ኣፋንዎም። እቶም ናትናውን ብዘይ ፍረ ኸይኰኑ፡ ነቲ ብግዲ ዜድሊ ነገር ሰናይ ግብሪ ኺገብሩ ይምሃሩምሳይ ዘለዉ ዅሎም ሰላም ይብሉኻ አለዉ። ነቶም ብእምነት ዜፍቅሩና ሰላም ይብሉኹም አለዉ በለልና። ጸጋ ምስ ኵላትኩም ይኹንኣሜን

Translation | Context
ቲቶስ 2:4 | 3 Helpful votes

ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃትቤተን ዚኣልያሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብምኤን ምዓደን።

Translation | Context
ገላትያ 3:28 | 3 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:4 | 3 Helpful votes

ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን

Translation | Context