Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

gods appearance


ራእይ 1:12-15 | 16 Helpful votes

ነቲ ዚዛረበኒ ዘሎ ድምጺ ኽርኢ ኸኣ ግልጽ በልኩ። ግልጽ ምስ በልኩውን፡ ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂ ርኤኹ። ኣብ ማእከል እቶም ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ከኣ፡ ክሳዕ እግሩ እተኸድነ ብቕናት ወርቂውን ክሳዕ ኣፍ ልቡ እተዐጥቀ ወዲ ሰብ ዚመስል ርኤኹ። ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምሪ ጻዕዳውን ከም ኣስሓይታ እዩ፡ ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየንኣእጋሩ ኣብ ሓጐዶ ኸም ዝረሰነ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ፡ ድምጹውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት እዩ።

Translation | Context
ራእይ 19:11-16 | 13 Helpful votes

ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹእንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀልብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእንኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት አለዎ፡ ብጀካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ አለዎብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ። ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ፡ ነቲ መጽመቝ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ። ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኵልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስታትጐይታ ጐይተትውን፡ ዚብል ጽሑፍ ስም አለዎ

Translation | Context
ራእይ 1:14 | 11 Helpful votes

ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምሪ ጻዕዳውን ከም ኣስሓይታ እዩ፡ ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን

Translation | Context
ዳንኤል 7:9 | 9 Helpful votes

ኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዚንበሮ እጥምት ነበርኩ፣ ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠክዳውንቱ ጻዕዳ ከም በረድጸጕሪ ርእሱ ኸኣ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ። ዝፋን ሃልሃልታ ሓዊመንኰራዅሩ ድማ ጕሁር ሓዊ እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:27 | 9 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም

Translation | Context
ራእይ 4:3 | 6 Helpful votes

እቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ኸኣ፡ ትርኢቱ እምኒ ያስጲስን ሰርድዮስን ይመስልነቲ ዝፋን ድማ ስመራግድ ዚመስል ቀስቲ ደበና ኸቢብዎ ነበረ።

Translation | Context
ዮሃንስ 4:24 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦምኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ

Translation | Context
ዘጸአት 33:18-23 | 4 Helpful votes

ንሱ ድማ፡ እምበኣር በጃኻክብርኻ ኣርእየኒበሎ። ንሱ ኸኣ ኵሉ ለውሃተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸሕልፍ እየ፡ ስም እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ቅድሜኻ ኽእውጅ እየ። ነቲ ኽምጕሶ ዝደሌኹ ኽምጕሶ እየ፡ ነቲ ኽምሕሮ ዝደሌኹ ድማ ክምሕሮ እየበለሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ድማ በለእግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ጥቓይ ቦታ አሎ፡ ኣብቲ ኸውሒ ደው ክትብል ኢኻ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ክብረይ ኪሓልፍ ከሎ ኣብ ጭዳድ ከውሒ እገብረካ፡ ኣነ ኽሳዕ ዝሓልፍ ከኣ፡ ብኢደይ ክኽውለካ እየ። ኢደይ ድማ ኤልዕል እሞ ብድሕረይ ትርእየኒግጸይ ግና ኣይርኤን እዩ፡ በለ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 6:1 | 3 Helpful votes

በታ ንጉስ ኡዝያ ዝሞተላ ዓመት ኣነ፡ እግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ፡ ርኤኽዎዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ።

Translation | Context
ዳንኤል 10:9 | 2 Helpful votes

ድምጺ ቓላቱ ሰማዕኩ፣ ድምጺ ቓላቱ ምስ ሰማዕኩ ኸኣ፣ ውኖይ ጠፊኡኒ፣ ብገጸይ ናብ ምድሪ በወደቕኩ

Translation | Context
ህዝቅኤል 1:26-28 | 2 Helpful votes

ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ከኣ እምኒ ሰፊሮስ ምስሊ ዝፋን ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፋን ዚመስል ድማ ኣርኣያ ሰብ ዚመስል ተቐመጠ። ካብቲ ሕቝኡ ዚመስል ሒዙ ንላዕሊ፣ ርሱን ኣስራዚ ዝሕብሩ፣ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ውሽጥን ዙርያኡን ርኤኹ። ካብቲ ሕቝኡ ዚመስል ንታሕቲ ኸኣ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ርኤኹ፣ ኣብ ዝርያኡውን ባና ብርሃን ከቢብዎ ነበረ። ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም ኣብ ደበና ዚኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፣ ከምኡ ትርኢት ባና እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ። ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ። ምስ ርኤኽዎ ኸኣ ብገጸይ ወደቕኩድምጺ ሓደ ዚዛረብውን ሰማዕኩ

Translation | Context
ማቴዎስ 17:2 | 2 Helpful votes

ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠገጹ ኸም ጸሓይ ኣብርሄክዳኑውን ከም ብርሃን ጸዕደወ

Translation | Context
ኣንባቆም 3:1-19 | 2 Helpful votes

ጸሎት ነብዪ ኣንባቆም ብሺግዮኖት። ዎ እግዚኣብሄር፣ እቲ ዘስማዕካኒ ሰማዕኩ ፈራህኩውን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንዕዮኻ ኣብ ማእከል ዓመታት ህያው ግበሮ፣ ኣብ ማእከል ዓመታት ኣፍልጦብቝጥዓ ኸኣ ምሕረት ዘክርእግዚኣብሄር ካብ ቴማን፣ እቲ ቅዱስ ከኣ ካብ ከረን ፋራን መጸሴላክብረቱ ሰማያት ከደነ፣ ምድሪ ድማ ብምስጋናኡ መልኤትምንጽብራቑ ኸም ብርሃን ነበረ፣ ካብ ኢዱ ጩራታት ወጸ፣ ሓይሉውን ኣብኡ ተሐብኤቀቅድሚኡ ፌራ ኸደረስኒ ድማ እግረ እግሩ ወጸደው በለ፣ ንምድሪውን ለክዓጠመተነህዛብ ከኣ ኣንቀጥቀጦም፣ እቶም ዘለኣለማውያን ኣኽራን ፈረሱ፣ እቶም ጥንታውያን ኵርባታት ድማ ለጠቕ በሉ፣ መገድታቱ ካብ ዝለኣለም እዩ። ድንኳናት ኢትዮጵያ ኺጭነቑ ኸለዉ ርኤኽዎምመጋረጃታት ሃገር ሚድያን ኣንፈጥፈጡእግዚኣብሄርዶ ንርባታት ተቘጢዕዎ እዩ፧ በፍራስካ፡ ብናይ ምድሓን ሰረገላታትካ እትኸይድሲኵራኻዶ ኣብ ልዕሊ ርባታት፡ ቍጥዓኻስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪዶ ዀይኑ እዩ፧ ከምቲ ብቓልካ ዝመሐልካዮ፣ ኢድካ ኣውጺእካ ነቶም ነገድ ቀስትካ ገተርካሎም። ሴላንምድሪ ሰንጢቕካ ርባታት ኣውጻእካ። እቶም ኣኽራን ረኣዩኻ እሞ ኣንቀጥቀጡሞገድ ማያት ሐለፈመዓሙቝ ድምጺ ኣስምዔኣእዳዉ ኸኣ ናብ ላዕሊ ኣልዐለጸሓይን ወርሕን ኣብ ስፍራኤን ቈማብብርሃን ፍላጻታትካን ብምንጽብራቕ ማሕማሕ ዚብል ኵናትካን ከዱንምድሪ ብዅራ ሐለፍካያነህዛብ ብቝጥዓ ኣኼድካዮም። ንስኻ ንምድሓን ህዝብኻን ንምድሓን ቅቡእካን ወጻእካ፡ ነቲ መሰረት ክሳዕ ክሳድ ቀሊዕካርእሲ ቤት ረሲእ ጨፍለቕካሴላንርእሲ ሓላቑኡ ብገዛእ ኵናቶም ወጋእካዮ። ንሳቶም ከም ህቦብላ ኪብትኑኒ መጹ፣ ሓጐሶም ከምቲ ነቲ መስኪን ብሕቡእ ዚውሕጥ ነበረ። ንስኻ በፍራስካ ንባሕሪ፣ ነቲ ዅምራ ዓበይቲ ማያት ረገጽካዮሰማዕኩከብደይ ከኣ ኣንቀጥቀጠከናፍረይ በቲ ድምጺ ኣምፈጥፈጠቍንቍነ ኣብ ኣዕጽምተይ ኣተወ። በታ መዓልቲ ጸበባ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ዚገጥመሉ ኽሳዕ ዚመጽእ ትም ኢለ ኽጽበስ ክሳዕ ታሕተይ ኣንቀጥቀጥኩኦም በለስ ኣይክትዕምብብን፣ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህብን፣ ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልምግርሁ ምግቢ ኣይኩህቡን እዩ፣ ኣባጊዕ ካብ ደምበ ኺጠፍኣኣሓውን ኣብ ደምቤታት ኪሰኣና እየን። ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል፣ ብኣምላኽ ምድሀነይ እልል ክብል እየ። እግዚኣብሄር፣ እቲ ጐይታሓይለይ እዩ፣ ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፣ ኣብቲ በሪኽ ቦታይውን ኬመላልሰኒ እዩ። ንመሪ ጌታ ብመሰንቆ

Translation | Context
መዝሙር 29:1-11 | 2 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ ብርቱዓትንእግዚኣብሄር ሀቡ፣ ንእግዚኣብሄር ክብርን ሓይልን ሀብዎንእግዚኣብሄር እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሀብዎ ንእግዚኣብሄር ብጌጽ ቅድስና ስገዱሉድምጺ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ፣ ኣምላኽ ክብሪ የንጐድጕድ አሎ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ። ድምጺ እግዚኣብሄር ብስልጣንድምጺ እግዚኣብሄር ብግርማ እዩ። ድምጺ እግዚኣብሄር ንጽሕድታት ይሰብሮ፣ እግዚኣብሄር ንጽሕዲ ሊባኖስ ይሰባብሮንሊባኖስን ንስርዮንን ከም ብተይ፣ ከም ጣዕዋ ጐባይ የዐንድሮምድምጺ እግዚኣብሄር ንሃልሃልታ ሓዊ ይስንጥቖድምጺ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ የንቀጥቅጦ፣ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ ቃዴስ የንቀጥቅጦ እዩ። ድምጺ እግዚኣብሄር ንእራባት የውልደንንዱር የርግፎ፣ ኣብ መቕደሱውን ኵሉ፣ ክብሪይብል አሎ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማይ ኣይሂ ተቐመጠ፣ ኤረ እግዚኣብሄርሲ ንዘለአለም ነጊሱ ኪቕመጥ እዩ። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሊ ይህቦ፣ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሰላም ይባርኾ

Translation | Context