Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

gods forgiveness


1ይ ዮሃንስ 1:9 | 14 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝናንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ

Translation | Context
ኤፌሶን 2:1-22 | 7 Helpful votes

ንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር እተመላለስኩምብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምዉታት ዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም። ንሕና ዅላትና ኸኣ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና፡ ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና፡ ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቝጥዓ ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩንኣናብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡- ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩምምስኡውን ኣተንስኣና፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ የሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ የሱስ ምስኡ ኣቐመጠናሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን። ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና። ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ኣህዛብ ብስጋበታ ኢድ ኣብ ስጋ እትገብራ ግዝረት እትብሀል ቀደም ዘይግዝረት ከም እተብሃልኩምዘክሩበቲ ዘመን እቲ ብዘይ ክርስቶስ ከም ዝነብርኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያትነታ ኺዳን ተስፋውን ኣጋይሽ፡ ትጽቢት ዜብሎምኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም ዘክሩ። ሕጂ ግና፡ ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ የሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም። ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰሰላምና እዩ እሞ፡ ብርእሱ ዕርቂ እናገበረካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺፈጥርነቲ ጽልኢ፡ ንሱ ኸኣ ሕጊ ትእዛዝ ብስርዓትብስጋኡ ስዒሩብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም። ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና ኸኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩምነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም። እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይስን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩምን። ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዐቢ እዩ። ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሐቢርኩም ትህነጹ አሎኹም።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8-9 | 5 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።

Translation | Context
ኤፌሶን 1:7 | 4 Helpful votes

ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጻጋኡ ሕድገት ሓጢኣት አሎና።

Translation | Context
ሮሜ 3:23 | 4 Helpful votes

ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
ሮሜ 10:9 | 3 Helpful votes

እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርንይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካክትድሕን ኢኻ።

Translation | Context
ኤርምያስ 17:9 | 3 Helpful votes

ልቢ ኻብ ኲሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ፡ መንከ የስተውዕሎ

Translation | Context
ኢሳይያስ 1:18 | 3 Helpful votes

ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐትይብል እግዚኣብሄርሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ኪጽዕዱ፡ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:2 | 2 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢናእንታይ ከም እንኸውን ከኣገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞንእኡ ኸም እንመስልንፈልጥ አሎና።

Translation | Context
ኢሳይያስ 55:7 | 2 Helpful votes

ረሲእ መገዱዓመጸኛ ኸኣ ሓሳቡ ይሕደግ፡ ናብ እግዚኣብሄር ይመለሱ፡ ንሱ ኸኣ ኪምሕሮ እዩ፡ ኣዝዩ ይቕረ ይብል እዩ እሞ፡ ናብ ኣምላኽናውን ይመለስ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 4:12 | 2 Helpful votes

ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።

Translation | Context
መዝሙር 32:1-11 | 2 Helpful votes

ኣበሳኡ እተሐድገሉሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር በደሉ ዘይጽብጽበሉ፣ ኣብ መንፈሱውን ልግሚ ዜብሉ ሰብ ብጹእ እዩ። ስቕ ኢለ ኸሎኹ፣ ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ኣዕጽምተይ ዘርጋሕጋሕ በለ። ለይትን መዓልትን ኢድካ ኸበደትኒ እሞ፣ ከም ብሃሩር ሓጋይ ማራይ ነቐጸሓጢኣተይ ኣፍለጥኩኻበደለይውን ኣይሰወርኩንንእግዚኣብሄር ኣበሳይ ክናዘዘሉ እየ፣ በልኩ። ንስኻውን እከይ ሓጢኣተይ ይቕረ በልካለይ። ስለዚ ደጊ ዘበለ ዅሉ ብእትርከበላ ጊዜ ይልምነካ፣ ብሓቂ ብርቱዕ ውሒዝ እንተ ደፍኤውን፣ ኣይኪበጽሖን እዩ። ንስኻ ኸውለይ ኢኻ፣ ካብ ጸበባ ትሕልወኒብእልልታ ምድሓን ትኸበኒ፣ ኣነ ኽምህረካ፣ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፣ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ። ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም፣ ናባኻ ምቕራብ ስለ ዝአበየ፣ ብልባብን ብልጓምን ዚግርሑ ኣፍራስን ኣባቕልን ኣይትኹኑ። ንረሲእ ብዙሕ ስቓይ አለዎ፣ ነቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል ግና፣ ንእኡ ብጸጋ ኪኸቦ እዩ። ኣቱም ጻድቃንብእግዚኣብሄር ተሐጐሱ፣ ባህ ድማ ይበልኩም፣ ኣቱም ቅኑዓት ልቢ ዅላትኩም፣ እልል በሉ።

Translation | Context
ሮሜ 6:23 | 2 Helpful votes

ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩምንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎመወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

Translation | Context