Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

gods glory


እብራውያን 1:3 | 9 Helpful votes

ንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን ከሎ፡ ኵሉውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ፡ ምንጻህ ሓጢኣትና ምስ ገበረ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ

Translation | Context
ዮሃንስ 1:14 | 7 Helpful votes

እቲ ቓል ስጋ ዀነጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና

Translation | Context
ዮሃንስ 17:1-26 | 5 Helpful votes

የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ፡ በለ፥ ዎ ኣቦ፡ ሕጂ እታ ጊዜ በጺሓ፡ ነዞም ዝሀብካዮ ዅላቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺህቦምሲንወድኻ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ምልኪ ሂብካዮ ኢኻ እሞ፡ ንሱ ምእንቲ ኬኽብረካስንወድኻ ኣኽብሮኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻዎ ኣቦይሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ። ነዞም ካብ ዓለም ዝሀብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎምናትካ ነበሩ፡ ንኣይ ሀብካኒቃልካውን ሐለዉእቲ ዝሀብካኒ ዘበለ ዅሉ ካባኻ ምዃኑ ሕጂ ፈለጡእቲ ዝሀብካኒ ቓል ሀብክዎምንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ኻባኻ ኸም ዝወጻእኩ ድማ ብሓቂ ፈለጡንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒውን አመኑኣነ ምእንትኦም እልምን አሎኹ። ናትካ እዮም እሞ፡ ምእንቲ እዞም ዝሀብካኒ እምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ። ኵሉ ናተይ ናትካ እዩ፡ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ፡ ኣነውን ኣባታቶም ከበርኩደጊምሲ ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ፡ ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም አለዉ፡ ኣነውን ናባኻ እመጽእ አሎኹ። ቅዱስ ኣቦይነዞም ዝሀብካኒከማና ሓደ ምእንቲ ኪዀኑብስምካ ሐልዎምኣነ ምሳታቶም ኣብ ዓለም ከሎኹብስምካ ሐሎኽዎምነዞም ዝሀብካኒ ተኸናኸንክዎም። እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ ብዘይ እቲ ሓደ ወዲ ጥፍኣት ካባታቶም ዝጠፍኤ የልቦንሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ አሎኹ፡ ሓጐሰይ ኣባታቶም ምእንቲ ኺፍጸም ድማ እዚ ኣብ ዓለም እዛረብ አሎኹ። ኣነ ቓልካ ሀብክዎምከምቲ ኣነ ካብ ዓለም ዘይኰንኩንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን እሞ፡ ዓለም ጸልኣቶምካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑንበቲ ሓቂ ቐድሶምቃልካ ሓቂ እዩከምቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለእኽካኒከምኡውን ኣነ ናብ ዓለም ለኣኽክዎም። ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኪቕደሱስ፡ ኣነ ርእሰይ ስሊኦም እቕድስ አሎኹ። ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚአምኑ ድማ እምበር፡ ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ዓለምንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይከምቲ ንስካ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ። ብኣንድነት ፍጹማት ኪዀኑዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲንሕና ሓደ ኸም ዝዀንናኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፦ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም። ዎ ኣቦይቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ፡ እዞም ዝሀብካኒ ነቲ ዝሀብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንሳቶምውን ኣብኡ ምሳይ ኪህልዉ እደሊ አሎኹ። ጻድቕ ኣቦይዓለም ኣይፈለጠትካን፡ ኣነ ግና ፈሊጠካ አሎኹ። እዚኣቶምውን ንስኻ ኸም ዝለኣክካኒ ፈሊጦም አለዉ። እታ ብእኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትከውን ኣነውን ኣባታቶም፡ ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ።

Translation | Context
ራእይ 21:23 | 5 Helpful votes

እታ ኸተማ ኸኣ ኽብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ አሎ፡ መብራህታስ እቲ ገንሸል እዩ እሞጸሓይ ወይስ ወርሒ ኼብርሃላ ኣየድልያን እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 3:18 | 5 Helpful votes

ንሕና ዅላትና ግና ብቕሉዕ ገጽ ነቲ ኽብሪ ጐይታ ኸም ብመስትያት ጌርና እናጠመትናዮከም ካብ መንፈስ ጐይታ ኻብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ

Translation | Context
ሮሜ 8:18 | 3 Helpful votes

ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 3:23 | 3 Helpful votes

ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም

Translation | Context
ራእይ 21:11 | 2 Helpful votes

ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፡ ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ። ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዮ ዝኸበረ እምኒከምቲ ዜንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዝመስል።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:5 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዜብሉንእታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ

Translation | Context
ራእይ 1:7 | 2 Helpful votes

እንሆብደበና ይመጽእ አሎ፡ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ እዮም፡ ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪውን ኪበኽዩሉ እዮምእወኣሜን

Translation | Context
ማቴዎስ 24:30 | 2 Helpful votes

ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም።

Translation | Context
እብራውያን 13:8 | 2 Helpful votes

የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ።

Translation | Context
ራእይ 4:8 | 2 Helpful votes

እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍሲ ወከፎም ሸሹድሽተ ኽንፊ አለዎም፡ ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዒንቲ መሊእዎም እዩ፡ ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ፡ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን ኵሉ ዚከአሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ፡ ይብሉ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:5 | 2 Helpful votes

ማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 3:1-18 | 2 Helpful votes

ከም ብሓድሽዶ ንርእስና ኸነማዕቍብ ንጅምር አሎና፡ ወይስ ከምቶም ገሊኦምዶ እተማዕቍበና ደብዳበ ናባኻትኩም ወይስ ካባኻትኩም ተድልየና እያ፧ ኣብ ልብና እተጻሕፈትኵሉ ሰብ ዚፈልጣን ዜንብባን ደብዳቤና ንስካትኩም ኢኹም። ንስካትኩም ብመንፈስ ህያው ኣምላኽ እምበር፡ ብቐለም ዘይተጻሕፈት ኣብ ልቢ ስጋ እምበር፡ ኣብ ጽላት እምኒ ዘይተጻሕፈት ብምግልጋልና ደብዳበ ክርስቶስ ምዃንኩም ግሁድ እዩ። ብክርስቶስ ግና ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ እሙንቶ አላትናክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና፡ ሓንቲ እኳ ክንሐስብ ኣይከኣለናን እዩ። ፍዴል ይቐትልመንፈስ ግና ህያው ይገብር እዩ እሞ፡ ንሱ ኸኣ ንናይ መንፈስ እምበር፡ ንናይ ፍዴል ዘይኰነ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን ከኣልቲ ገበረና። ግናኸ እቶም ደቂ እስራኤል ብምኽንያት እቲ ሓላፊ ዝዀነ ኽብሪ ኽነሱ፡ ምጥማት እቲ ገጽ ሙሴ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ እታ ብፍዴላት ኣብ ኣእማን እተቐርጸት ኣገልግሎት ሞት ብኽብሪ ካብ መጸትሲ፡ ክንደይ ደኣ ግዳ እታ ኣገልግሎት መንፈስ ብኽብሪ ብልጽቲ ዘይትኸውን፧ እታ ኣገልግሎት ኵነኔ ኻብ እትኽበርክንደይ ግዳ እታ ኣገልግሎት ጽድቂ ብኽብሪ ዘይትዓዝዝ፧ እታ ሓላፊት ብኽብሪ ኻብ መጸት፡ እታ ነባሪት ግዳ ክንደይ ኣዝያ ብኽብሪ ዘይትበልጽ እሞ፡ በዚ ወገን እዝስ እታ ኽብርቲ እኳ ብምኽንያት እቲ ዚዐዛ ኽብሪ ኽብርቲ ኣይኰነትንእምብኣርሲ ከምዚ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትናብብዙሕ ትብዓት ንዛረብ አሎና፡ ከምቲ ደቂ እስራኤል መወዳእታ እቲ ሓላፊ ከይርእዩሙሴ ኣብ ገጹ ጕልባብ ዚገብር ዝነበረ፡ ኣይንገብርን ኢና። ግናኸ ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ኬንብቡ ኸለዉ፡ እቲ ብክርስቶስ እተቐንተጠ መጋረጃ ክሳዕ ሎም መዓልቲ ኣይተቐልዓሎምን እሞ፡ ሓሳቦም ደንዚዙ አሎ። ክሳዕ ሎሚ ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ እቲ መጋረጃ ኣብ ልቦም ዝርጉሕ አሎ። ናብ ጐይታ ምስ ተመልሱ ግና፡ እቲ መጋረጃ ኪቕንጠጥ እዩ። ጐይታስ መንፈስ እዩ፡ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት አሎ። ንሕና ዅላትና ግና ብቕሉዕ ገጽ ነቲ ኽብሪ ጐይታ ኸም ብመስትያት ጌርና እናጠመትናዮከም ካብ መንፈስ ጐይታ ኻብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ

Translation | Context